ዝጠፍአ ቈልዓ 6 ዓመት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጫካ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Vietnamese state media
ንሓሙሽተ መዓልታት ደሃዩ ዝጠፍአ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ኣብ ውሽጢ ጽዑቕ ጫካ ቬትናም ተረኺቡ።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣውራጃ የን ባይ ዝነብር ዳንግ ቲየን ላም፡ ብ17 ነሓሰ ምስ ትሽዓተ ኣሕዋቱ ኣብ ሩባ እናተጻወተ እንከሎ ከምዝጠፍአ ጸብጻባት እቲ ከባቢ ይሕብሩ።
ሓረስቶት እቲ ከባቢ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ናብቲ ጫካ ኣብ ዝቐረበ ግራት ቃርፋ እናሰርሑ ከለዉ ድምጺ ብኽያት ሰሚዖም፤ ከይዶም ከኣ ረኺቦሞ።
ካብቲ ዝጠፍኣሉ ቦታ ኣስታት 6 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ቈጥቋጥ ተኽሊ ካሳቫ ኮፍ ኢሉ ዝተረኽበ ላም፡ ኣዝዩ ተዳኺሙ ስለዝነበረ ደው ክብል ኣይከኣለን።
ህጻን ላም፡ "ኣዝየ ደኺመ ኣለኹ። ደው ክብል ኣይክእልን እየ፤ ሕቘፉኒ" ከምዝበለ ወዲ 52 ዓመት ሓረስታይ ሊ ቫን ናንግ ገሊጹ።
ላም ኣቝጽልትን ፍረታት በረኻን እናበልዐ ከምኡ’ውን ማይ ወሓይዝ እናሰተየ ብህይወት ከምዝቐነየ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።
እቶም ሓረስቶት ካብ ጫካ ተሰኪሞም ምስ ኣውጽእዎ ከኣ ደቂ ዓዲ ክከናኸንዎን ኬክ ከቕርቡሉን ብኢንተርነት ዝተዘርግሑ ስእልታት የርእዩ።
ምሉእ ብምሉእ ዝረስሐ ቀይሕ ማልያን ቁምጣን ተኸዲኑ እዩ ተረኺቡ።
ሓደ ካብ ዝረኽብዎ ሓረስቶት ዝዀነ ናንግ፡ "ምስ ጠፍአ ናብ ገዛኡ ዝወስድ መንገዲ ክረክብ ከምዘይከኣለ [እቲ ህጻን] ነጊሩኒ" ምባሉ ዳን ትሪ ዝተበሃለት መርበብ ሓበሬታ እቲ ከባቢ ጸብጺባ።
"ነዊሕ ምስ ከደ ከኣ ካብቲ ጫካ መውጽኢ መንገዲ ክረክብ ኣይከኣለን" ኢሉ።
ፖሊስ፡ ላም ብህይወት ክርከብ ምኽኣሉ "ተኣምር" ክብል ገሊጽዎ’ሎ።
ኣባላት ፖሊስ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ "እንቋዕ ናብ ስድራቤትካ ብሰላም ተመለስካ" ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ኣስፊሮም።
እዚ ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እፎይታ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ብዙሓት ንስድራቤት ላም እንቋዕ ሓጐሰኩም ብምባል እቲ ኣብ ኣለሻ ወፊሩ ዝጸንሐ ጕጅለ ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣመስጊኖም።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣባላት ፖሊስ፡ ወተሃደራትን ወለንተኛታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ሰባት ነቲ ቈልዓ ክደልዩ ኣዋዲዶም ነይሮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
