ቅልውላው ክልል ኣምሓራ፡ ብልዝብ ዶ ብሓይሊ እዩ ክፍታሕ?

ቅልውላው ክልል ኣምሓራ፡ ብልዝብ ዶ ብሓይሊ እዩ ክፍታሕ?
Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ እቲ ግጭት ኣብ ሓፈሻዊ ንጥፈታት እቲ ክልልን መዓልታዊ መነባብሮ እቲ ህዝብን ከቢድ ቅልውላው ፈጢሩ ይርከብ።

በዚ ምኽንያት መብዛሕትኡ ኣገልግሎታት ንግዲ፡ መጓዓዝያ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ካልኦት ንጥፈታትን ተዓናቒፉ ከምዘሎ ነበርትን ሓለፍቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ይዛረቡ።

እቲ ግጭት እናገደደ ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ እናሃድአ ክቕጽል ጸኒሑ'ዩ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሳምንታት ዳግማይ ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ከባቢታት ጐጃም ዝተራእየ ግጭት ከቢድ ምዃኑ እዮም ነበርቲ ዝገልጹ።

መንግስቲ ዕጡቓት ፋኖ ንምቍጽጻር ሰፊሕ ወፍሪ የካይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ ዕጡቓት ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሮም ቍመና “ኣመና ከምዝሓየሉን ሓይሊ መንግስቲ ንምምካት ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎም” ይንገር።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ምሁር፡ ምንቅስቓስ ፋኖ “ዋላ'ውን መንግስቲ ከውድቕ እንተዘይከኣለ፡ መንግስቲ ዘተ ክመርጽ ወይ ካልእ ኣማራጺ ከናዲ ከገድዶ'ዩ” ይብል።

ይዅን’ምበር ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት፡ ኣብ ሓደ ውዳበ ንምጥርናፍ ዝጽገሙ ዘለዉ ጕጅለታት ፋኖ፡ ዘቕርብዎ ጠለባትን ዝውክሎም ተዛታዪ ብዝምልከት ንጹር መርገጺ ከምዘለዎም ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ብተወሳኺ ገለ ጕጅለታት እውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ካብ ዝህብዎ መግለጺታት ምርዳእ ከምዝከኣል ንዝርርብ ድሌት ከምዘይብሎም እዩ።

ኣባል ሰልፊ ብልጽግና ዝነበረን ኵነታት እቲ ክልል ብቐረባ ዝፈልጥ ምሁርን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ፋኖ ዘለዎ ዕድል ሕጂ ዝፈጠሮ ዓቕሚ ሒዙ ንልዝብ ኮፍ ምባል'ዩ” ይብል።

ግጭት ክትቅጽል ምምራጽ ግን “ህላወ ፋኖ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ'ዩ፤ ብኣንጻሩ መንግስቲ ሓይሉ ከደልድል እዩ” ክብል ይውስኽ።

ጕዕዞ ሓደ ዓመት . . .

ኣባላት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ፋኖ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት መንግስቲ ኰይኑ ተዋጊኡ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ግን በብቕሩብ ምስ ክልላዊ መንግስቲን ፈደራል መንግስትን ናብ ግጭት ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

ግዝኣታዊ ሕቶታት ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዘላቒ መፍትሒ ብዘይምርካቡን ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ንዝመጽእ መጥቃዕቲ ዝተቓልዐ እዩ ብዝብል ምኽንያትን፡ ፍሉይ ሓይሊ ፋኖ ዕጥቂ ንኽፈትሕ ዝተወስደ ውሳነ ብምቅዋሙ እዩ እቲ ግጨት ተላዒሉ።

ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ኲናት “ኣድላይ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንህዝቢ ኣምሓራ ካብ መጥቃዕቲ ዝከላኸል ሓይሊ” ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፈርስ እንከሎ “ሓላዊ ዝተኸልከለ ህዝቢ ፋኖ ኰይኑ መጺኡ” ይብል ደጋፊ ፋኖን ተሳታፊ ፖለቲካ ኣምሓራ ዶክተር ምስጋናው ኣንዱኣለም።

ኣባል ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ኣቶ ኣለሙ’ውን (ስሙ ዝተቐየረ) ኣብቲ ክልል ዘሎ ግጭት “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝመጸ እምበር እቲ ህዝቢ ተወዲቡን ተሊሙን ዝጀመሮ ነገር ኣይኰነን” ብምባል ንመንግስቲ ይነቅፍ።

ምክትል ኣቦ መንበርን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐጃም ዝዀነ ኣቶ ኣስረስ ማረ እውን ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ገለ ዝንባለ ትንኮሳን ምግፋዕን ከምዝነበረ ይገልጽ።

ኣብቲ እዋን ገለ ጕጅለታት ፋኖ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ይሳተፉ ነይሮም፤ ካብ 2013 [ግ] ጀሚሩ ግን ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ጐጃም “ነዚ ሓይሊ ዕጥቂ ንምፍታሕ ፈተነ ነይሩ” ክብል ይዝክር።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄረ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ንጠለባት ህዝቢ ምላሽ ዘይምሃቡ፡ ምስዞም ተኣፋፊ ረቛሒታት ተደሚሩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ክልል ቅልውላው ኣስዒቡ ከምዘሎ እውን ይገልጽ።

ኣብ መንጐ ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ሓደ ዓመት ዝጸንሐ ግጭት ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ካልእ ግዜ ግን ኣብ ገጠራት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ብሓይሊ ሰብን ኣጽዋርን ይሕይል ኣሎ ዝብሉ ዕጡቓት ፋኖ፡ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝፈታተን መርገጺ ከምዝበጽሑ ይገልጹ።

እቲ ኣባል ብልጽግና ዝነበረ ምሁር ግን፡ ሓይልታት ፋኖ ዋላ’ኳ ቅልጡፍ ዕብየትን ጽልዋን እንተርኣዩ መንግስቲ ንምቕያር ኣብ ዝኽእለሉ ኵነታት ከምዘይርከቡ’ዩ ዝኣምን።

“ፋኖ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሓያልን በዳሂ ናይ ምዃን ዓቕሚን ፈጢሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ግጭት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ተኣኪቡ ዝነበረ ዕጡቕ፡ ብጕጅለ ክቐውም ጻዕሪ ይግበር ነይሩ።”

እዚ መስርሕ ግን ድኽመታት ከምዝነበርዎ ዝገልጽ እቲ ምሁር፡ እቲ ምንቅስቓስ ሓደ ዓይነት ኣወዳድባ ዘይምህላዉ፡ ዝተፈላለየ ውዳበ ምኽታሉ፡ ከምኡ’ውን ናይ ዲሲፕሊን፡ ጸገም ምእኩል መሪሕነት ኣብ ብሰፊሑ ከምዝርኣዩ ይሕብር።

ኣባል ኣብን ኣቶ ኣለሙ፡ ቃልሲ ፋኖ ኣብ ሓደ ዓመት ዓቢ ዓቕሚ’ኳ እንተፈጠረ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግን ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከምዘውረደ እዩ ዝዛረብ።

ሓይልታት ፋኖ፡ “ኣብ ልዕሊ ክልላዊ መንግስቲ ተበሊጾም”፡ ምምሕዳር ከባቢታት ፈሪሶም፡ ሕጊ ናይ ምትግባርን ግብሪ ናይ ምእካብን ስልጣን ጠፊኡ ብምባል መሓውር መንግስቲ ከምዝደስከለ ይዛረብ።

ውሽጣዊ ፍልልይን ሓድነትን

ኣባላት ፋኖ

ዕጡቓት ፋኖ ንመብዛሕትኡ ገጠራት እቲ ክልል ከምዝተቘጻጸርዎ’ኳ እንተገለጹ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ንዅሎም ጕጅለታት ብሓድነት ዝመርሕ ውሁድ መሪሕነት ኣይተፈጥረን።

ቅድሚ ኣዋርሕ ስሙር መሪሕነት ንምፍጣር፡ ሓይልታት ፋኖ ዘሳተፈ ምምኽኻር ተኻይዱ ነይሩ። እንተዀነ ብዅሎም ሓይልታት ፋኖ ተቐባልነት ኣይረኸበን። በዚ ምኽንያት ገለ ካብኣቶም ምስቲ ዝተወደበ ጕጅለ ክጽንበሩ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ንገዛእ ርእሶም ኣግሊሎም እዮም።

እዚ ድማ ኣብ መንጐ ፋኖ ናይ መርገጽን ተገዳስነትን ፍልልይ ከምዘሎ ዘርኢ ከምዝዀነ እዩ ተነጊሩ።

ሓደ ካብቶም ንኣቃውማ እቲ ውዳበ ዝቃወሙ ምንቅስቓሳት ፋኖ ዝዀነ ኣስረስ ማረ፡ “ሕቶ እቲ ቃልሲ ሓደ ክሳብ ዝዀነ ፋኖ ተገሚዑ ዘብል ኣይኰነን” ይብል።

እቲ መስርሕ ደው ከምዘይበለን “ምቛም ሓድነት ብደረጃ ዘተ ገና ይካየድ” ከምዘሎን’ውን ይገልጽ።

ጠንቂ ናይቲ ምክፍፋል ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጕጅለታት ፋኖ፡ ነቲ መስርሕ “ንምውዳእ ብምህዋዀም" ዝብል እቲ ኣባል ሰልፊ ብልጽግና ነበር፡ "እቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ተፈጢሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ'ቲ ውጽኢት'ውን፡ ደገፍቲ ነገራት ምጉህሃሮም ናብ ሓደገኛ ኵነታት" ይወስድዎ ከምዘለዉ የጠንቅቕ።

ጕጅለታት ፋኖ ኣብ ሓደ ንምጥርናፍ ዕዉት እንተዘይኰነ’ኳ፡ እቲ መስርሕ ግን ቅልጡፍን ብተዛማዲ ዕዉትን ከምዝነበረ ዶክተር ምስጋናው ይዛረብ። ይዅን’ምበር፡ ኣብ መንጐ ደገፍቶም ዝተፈጥረ ምውቕቓስ፡ “ክኸውን ዘይነበሮን ንመጻኢ ሓድነት ኣብ ግምት ዘየእተወን” ብምባል ይነቅፎ።

ኣብ መንጐ መራሕቲ ጕጅለታት ፋኖ ዘሎ ናይ ረብሓ ፍልልይ ከም ዕንቅፋት ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ከባብያዊ ኣረኣእያ ዘለዎምን ነቲ ምንቅስቓስ ንምምራሕ ድሌት ዘለዎም ሰባት እውን ነቲ መስርሕ የበላሽውዎ ከምዘለዉ ይንገር።

እቲ ኣባል ብልጽግና ነበር ምሁር፡ “ምንቅስቓስ ፋኖ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ ከባቢያውነት ኣበርክቶ’ኳ እንተገበረ፡ ንባዕሎም እውን ንኽጥርነፉ ይጽገሙ ኣለዉ” ይብል።

“እቲ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለ ኣወዳድባ ሓፈሻዊ ክልላዊ ትሕዝቶ ኣለዎ። ጉዳይ ከባብያውነትን ስልጣንን ኣሎ። እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ሽመት ዝህብ እውን ንባዕሉ ኣይሰማማዕን። ካብዚ ንነብሶም ዘማእከለ ውጥረት ኣብ ቀረባ እዋን ክገላገሉ እዮም ዝብል እምነት የብለይን።”

ጥምረት ምስ ካልኦት ውድባት

ኣባላት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይልታት ፋኖ ቀንዲ ዕላማኦም ነቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ምእላይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ’ኳ እንተገለጹ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ንምርዳእ ዓቕምን ውዳበን ኣለዎም ድዩ ዝብል ጉዳይ ሕቶ ብዙሓት እዩ። ነዚ ድማ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ረብሓን ዕላማን ዘለዎም ሓይልታት ኣብ ዘለዉዋ ሃገር፡ ፋኖ ዝሕግዞ ሓይሊ ዘይምርካቡ ከም ኣብነት ይጠቕሱ።

“ህዝቢ ኣምሓራ ነቲ ስርዓት ክኣልዮ እዩ" ዝብል ዶክተር ምስጋናው፡ ሽዑ መሰጋገሪ መንግስቲ ከድሊ እዩ ይብል። ኣብቲ ግዜ እቲ ኵሎም ኢትዮጵያውያን ዝሳተፍሉ ስርዓት ንምቛም ዝተፈላለዩ ሓይልታት ናብ ዝርርብ ከምዝኣትዉ እምነት ኣለዎ።

ብኣንጻሩ ኣስረስ ማረ፡ “ምንቅስቓስ ፋኖ ጥራይ ንዅሉ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ መፍትሒ ከምጽእ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን” እዩ ዝብል። ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓይልታት ብምትሕብባር “ፍትሓዊ ስርዓት ንምህናጽ” ከምዝሰርሑ’ውን ይገልጽ።

ነዚ ዕላማ ድማ ብሓባር ንምስራሕ መጽናዕትታት ይገብሩ ከምዘለዉ ይዛረብ። “ምስ ገሊኦም ተስፋ ዝህቡ ምልክታት ኣለው፤ ገለ ካብኣቶም ፈጺሞም ዘይሰማምዑሎም ነገራት ኣለዉ” ብምባል ነዚ ንምምጻእ ግን “ንሕና ተደለይቲ ምዃንና ኣብ ዘርኢ መርገጺ ክንበጽሕ ኣለና” ይብል።

ኣቶ ኣለሙ፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ሽርክነት ንምፍጣር፡ ፋኖታት “ውሽጣዊ ጸገማቶም ቀልጢፎም ክፈትሑ ኣለዎም” ብምባል ሓይሎም ኣደልዲሎም እንተኸይዶም “ኣገዳስነቶም ክውስኽ እዩ፡ ሚዛን ሓይሊ ንምርካብ እውን ምዝርራብ ይከኣል እዩ። እቲ ዝሓሸ ሓይሊ ዝፈጠረ ጕጅለ ንኻልኦት ይጥርንፍ” ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ንዅነታት ክልል ኣምሓራ ብቐረባ ዝከታተል እቲ ምሁር ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ሽርክነት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቶም መሻርኽቲ ግን እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ እቲ ጕጅለ ዕላማታቶም ንምዕዋት ክሳብ ክንደይ ከምዝሕግዞም ዝምልከት ምዃኑ ይጠቅስ።

ፋኖ ምስ ምኩራት ሓይልታት ምሕዝነት ክፈጥር እንተኽኢሉ ሓቀኛ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ወሲኹ ይሕብር።

ፋኖ ኣብ ትሕቲ ሓደ መሪሕነት ኣትዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓቕሙ ንምውህሃድ ዝሕግዞ ጥምረት ክምስርት እንተኽኢሉ ኣንፈት እቲ ምንቅስቓስ ብመሰረቱ ክቕየር ይኽእል እዩ። ይዅን’ምበር ኣብዚ ህሉው ኵነታት ንፋኖን ብውሽጢ ይኹን ብደገ ዝሕግዝ ሓይሊ ብዘይምህላዉ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኣካይዳ ክቕየር እዩ ዝብል እምነት የብሉን።

ኣማራጺ ሰላም/ልዝብ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንሓደ ዓመት’ኳ እንተጸንሐ፡ ክሳዕ ሕጂ ምልክት ሰላም ኣይተራእየን። ከም ሳዕቤኑ ኣብ ህዝብን ሓፈሻዊ ምንቅስቓሳትን እቲ ክልል ብዙሕ ህውከት ፈጢሩ ኣሎ።

ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዝነበሮም 6 ሚልዮን ተምሃሮ፡ ልዕሊ ፍርቂ ብሰንኪ እቲ ግጭት በዂሮም እዮም። ኣብዚ ዓመት ሸውዓተ ሚልዮን ተምሃሮ ንምምዝጋብ ውጥን’ኳ ተታሒዙ እንተነበረ፡ ቍጽሪ ተመዝገብቲ ተምሃሮ ግን ካብ 2 ሚልዮን ከምዘይዛይድ እቲ ክልል ኣፍሊጡ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዓብይ ብጽሒት ምህርቲ ሕርሻ ከምዘበርክት ዝንገረሉ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ እቲ ኲናት ፍርያቱ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ኣይከኣለን። ኣብ ጽላት ጥዕና እውን ትካላት ዘድሊ ቀረብ ክረኽባ ብዘይምኽኣለን እኹል ኣገልግሎት ይህባ ከምዘየለዋ ነበርቲ ይገልጹ።

እቲ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት እውን ኣጥፊኡ እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት (ኢሰመኮ)ን ዓለምለኻዊ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘውጽእዎ ጸብጻባት፡ ሓያለ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ከምዝቘሰሉን ከምዝተመዛበሉን የመልክቱ።

ክልል ኣምሓራን መንግስቲ ፈደራልን ነቲ ክልል ናብ ቅልውላው ዘእተወ ግጭት ንምውጋድ ንዘተ ድሉዋት ከምዝዀኑ ይገልጹ፤ ንኽልቲኦም ወገናት ዝሽምግል ቤት ምኽሪ ተመስሪቱ’ኳ እንተሃለወ፡ ዛጊት ብጭቡጥ ብዛዕባ ዝተጀመረ ጻዕሪ ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።

“ንሕና ንፖለቲካዊ ሕቶ ኢና ንቃለስ ዘለና። ዕላማና ሰላም ምምጻእ እዩ” ይብል ምክትል ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ጐጃም ኣስረስ ማረ።

ሰልፊ ብልጽግና [መንግስቲ] ቅኑዕ ድሌት ከምዘለዎ ግን ይጠራጠር፤ “ሕቶ ኣምሓራ ብዅሎም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ክምለሱ ዝኽእሉሉ ተኽእሎ እንተሃልዩ ናብ ዘተ ዘይንመጻሉ ኵነታት የለን” ብምባል ብወግዒ ሕቶ ዘተ ከምዘይቀረበሎም ይጠቅስ።

ዶክተር ምስጋናው እውን ዘተ ሰላም ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝኣምን። ዕጡቓት ፋኖ ነቲ ኲናት ንምቕጻልን ሱር በተኻዊ ለውጢ ንምምጻእን ወይ ካልእ ኣማራጺ ንምኽታልን ኣማራጺ ከቐምጡ ከምዝኽእሉ ይጠቅስ።

ይዅን’ምበር ኣብዚ እዋን እዚ ጉዳይ ዘተ ቅሩብ ዘይእዋኑ እዩ ይብል እቲ ዶክተር። “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ዕላማ ፋኖ ነቲ ስርዓት ምእላይ እዩ። ገለ ውዳበታት ፋኖ ንዛተ እንተበሉ’ውን ንበይኖም ዝገብርዎ ዘተ ስለዝኸውን ውጽኢት ኣየምጽእን።”

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ምሁር እውን፡ “ፋኖ ሕጂ ክዛተ ኣለዎ” ብምባል፡ ካብቲ ናይ ዘተ ሓሳብ ኣብ ክንዲ ምህዳም፡ ስክፍታታቶም ምስ ዓለምለኻዊ ትካላት ብምዝታይ፡ ናይ ሳልሳይ ወገን መረጋገጺ እንተሓተቱ ከምዝሓይሽ ይገልጽ።

መወዳእታኡ’ኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ኣባላት ፋኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ግጭት ኣብቲ ክልል ዝፈጠሮ ሓፈሻዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት ሰላማዊ ፍታሕ ክህሉ እዮም ዝምነዩ። ክሳዕ ሕጂ ግን ነቲ ናይ ሰላም ኣማራጺ ዘመልክት ኣንፈት ኣይተረኣየን። የግዳስ እቲ ግጭት ዝያዳ ክጋደድ ስግኣት ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት’ዮም ዘለዉ።

ኣቶ ኣለሙ ከም ዝብሎ፡ ምንቅስቓስ ፋኖ ብዓለምለኻውያን ትካላትን መንግስታትን ኣፍልጦ ረኺቡ'ዩ።

ስለዝዀነ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየዱ ዘለዉ ጉዳያት፡ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ፋኖ ዘሻቕሎም ሰባት ምውሳኾም፡ መንግስቲ “ብምልኪ ዝገዝኣሉ ሓይሉ ኣዳኺምዎ’ዩ” ይብል።

ዶክተር ምስጋናው ብወገኑ፡ ምንቅስቓስ ፋኖ ዝድለ ውጽኢት ይረክብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ግን ንህዝቢ ዋጋ የኽፍሎ ከምዘሎ ከምዝኣምን ይዛረብ።

“እቲ ቃልሲ ዕላማኡ ከየዐወተ ንድሕሪት ክምለስ ተኽእሎ የለን፡ እንተነዊሑ ግን ኣብ መንጐ ህዝቢ ምስልቻው ከስዕብ ይኽእል'ዩ።”

እቲ ኣባል ብልጽግና ዝነበረ ምሁር ግን ዝተፈልየ ኣረኣእያ ኣለዎ። ዕጡቓት ፋኖ፡ ሓደ ስሙር መሪሕነት ፈጢሮም ብሓባር ምስ መንግስቲ እንተዘትዮም “ነቲ ክልል ይዅን ንሃገር ጽቡቕ ዕድል ክፍጠር'ዩ” ይብል።

“እዚ እንተዘይኰይኑ ግን መንግስቲ ክሕይል'ዩ፤ ብኣንጻሩ ፋኖ ካብ ህዝቢ እናተፈልየ ስለዝኸይድ ደሓር ብዅነታት ተገዲዱ ናብ ዘተ ዝመጻሉ ኵነታት ክፍጠር ይኽእል'ዩ።”