ኣምሓራ፡ ኣብ ምብራቕ ጐጃም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ዘስዓቦ መቕዘፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Enarge communication info
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጐጃም፡ ነበርቲ እቲ ከባቢን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓሙስ 9 ሚያዝያ 2017 [ግ] ኣብ ከባቢ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዞባ፡ ወረዳ 'እናርጅ እናውጋ' ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ናይ ገጠር-ከተማ ሓጹር ቤት ትምህርትን ገዛውቲ ንምህናፅን፡ ን 'ስራሕ ልምዓት' ወጺኦም ዝነበሩ "ሰላማውያን ሰባት" ግዳይ ከምዝዀኑ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
እንተዀነ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ተኣኪቦም ዝነበሩ 'ዕጡቓት ፋኖ' እምበር ንጹሃን ነበርቲ ከምዘይኰነ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ምምሕዳር ሰለማውያን ሰባት ግዳይ ኰይኖም ዝብል ሓበሬታ ይነፅጐ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብታ ከተማ ሓጹር ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ንምዕራይ ዝተኣከቡ ሰባት ዒላማ ከምዝገበረ ሓቢሮም።
ካልእ ኣብ ጥቓኡ ከምዝነበረ ዝገለጸ ምስክር ዓይኒ፡ ነቲ ሃንደበታዊ ትርኢት ስዒቡ፡ "ኣውያት፡ ዕግርግርን ስንባደን" ተሰሚዑ ክብል ገሊጽዎ፤ "እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈለጥናን" ኢሉ።
ንሱ ዝርከቦም ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ሰባት ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ኣብ ዘምርሑሉ፡ "ብህይወት ዝተረፈ ሰብ የለን" ኢሉ።
"ፍጹም ጸሊም ነገር እዩ ዝመስል። ኣብ ምሉእ እቲ ከባቢ ሰብ ዝበሃል የለን። ካብ ውሽጢ እቲ ዝወደቐ ዝቝዝም ሰብ ኣሎ፤ ሓደ ሰብ ይግዕር። ንወዲ ሰብ ኣዝዩ ዘሕዝን ተግባር'ዩ" ይብል።
ካልእ ፡ ነቲ ዝፈረሰ ሓጹር ቤት ትምህርቲ እናፀገነ እንከሎ የማናይ ኢዱ ከምዝተሃርመ ዝገለጸ ነባሪ፡ "ከቢድ ፍንጀራ" ከምዝተሰምዐን "ብዙሓት ሰባት ከምዝተጐድኡን" ገሊጹ።
"ኣእዋም ዝቘርጹ፡ መስማር ዝሃርሙ፡ ሳዕሪ ዝዓፅዱ ነይሮም" ክብል ካልእ ነቲ ምትእኽኻብ ዝገለጸ ምስክር፡ ቍጽሪ ዝሞቱ "ብዙሕ ከምዝዀነ" ገሊጹ።
ካልእ ብዛዕባ እቶም ሬሳታት ዝተዛረበ ምስክር፡ ዝበዝሑ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበት ከምዝሞቱ፣ እቶም ዝሞቱ መብዛሕትኦም ድማ መንእሰያት ምዃኖም ሓቢሩ።
እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ልዕሊ 24 ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ፣ መብዛሕትኦም ግን ኣብ ጥቓ ማእከል-ጥዕና እታ ከተማ ምስ በጽሑ ከምዝሞቱ ሓቢሮም።
ልዕሊ 70 ሬሳታት ኣልዒሎም ብሞተር ብሽክለታ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዘጓዓዙ ካልእ መስክር ዓይኒ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ሓዊሱ፡ ጠቕላላ ቍጽሪ ዝሞቱ 120 ዝበጽሕ ምዃኑ ሓቢሮም።
"ካብ 115 ክሳብ 120 ዝዀኑ ሬሳታት ተቐቢሮም ኣለዉ። ክሳብ ሕጂ መንነቶም ዘይተፈልጠ ሬሳታት ዘለዉ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ኣብ ስንባደ ስለዝነበርና" ኢሉ።
ካልእ 'ውን፡ 57 ሬሳታት ክሳብ ዝእከቡ ኣብኡ ከምዝነበረን፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ልዕሊ 100 ክኸውን ከምዝኽእልን ገሊጹ።
እቲ ነባሪ ከምዝሓበሮ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ሓይልታት መንግስቲ ናብታ ከተማ ምእታዎም ስክፍታ ዝፈጠረሎም ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሃዲሞም፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እውን ኣመልኪቱ።
እቲ ኵነታት ምስ ሃድአ፡ ናይ ሓዘን ዳስ ከምዝተስርሐ፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ "ፍራጅ" [ግፍዒ] ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ስነስርዓት ዝኽሪ ከምዝተኻየደ ነበርቲ ሓቢሮም።
ነበርቲ፡ ንበዓል ፋሲካ ካልእ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከይፍጸም ብምስጋእ ከም ዘሕለፍዎ ሓቢሩ። "በዓል ዝበሃል የለን።"
"ከቢድ ሓዘን እዩ ዘሎ፣ በዓል ኣይመስልን ነይሩ። እቶም ካብታ ከተማ ዝሃደሙ ሰባት ንበዓል ኣይመጹን፡" ክብል እቲ ከባቢ ኣብ ሃዋሁ ሓዘን ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቓትሓይልታተት ፋኖን ኣብ 2015 [ግ] ዝጀመረ ግጭት ዛጊድ ፍታሕ ኣይረኸበን።
እንተዀነ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዕጡቓት ፋኖ ኣብታ ከተማ ከምዘይነበሩን ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ግጭት ከምዘይነበረን ኣመልኪቶም።
እቶም ዕጡቓት "ንገለ ስራሕ ክሰርሑ እንተዘይመጺኦም፡ ኣብታ ከተማ ኣይረኣዩን" ይብል ሓደ ነባሪ።
ሓደ ነጋዳይ ምዃኑ ዝገለጸ ወሃቢ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ንጹሃት ነበርቲ ምዃኖምን፡ "ብዙሓት ካብኣቶም ብንግዳዊ ርክባቶም" ከምዝፈልጦምን ገሊጹ።
"ኣባላት ፋኖ እንተዝዀኑ፡ [ሬሳ ምስተረኸበ] ዕጡቕ ምረኸብና ነይርና። ፋኖን ሕብረተሰብን ፈሊና ነለልዮም ኢና፡" ይብል ካልእ ነባሪ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
