ኢሎን መስክ ንመረጽቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ምሃብ ክቕጽል ከምዝኽእል ዳኛ ውሳነ ሂቡ

ኤሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፖለቲካዊ ጕጅለ ኢሎን መስክ ኣብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ንዝርከቡ መረጽቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክሽልም ከምዝኽእል ዳኛ ወሲኑ።

እቲ ብኢሎን መስክ ዝምራሕ ‘ኣመሪካ ፓክ’ ዝህቦ ሽልማት ንሰሉስ ክዛዘም ምዃኑን፡ ናይ መወዳእታ ተቐባሊ ኣቐዲሙ ከምዝተወሰነን ጠበቓ ናይቲ ቢልዮነር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ገሊጹ።

እቲ ጠበቓ፡ ነቲ ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት፡ ከምቲ ብዙሓት ዝኣምንዎ፡ ብመስርሕ ዕጫ ሎተሪ ብዝካየድ ውድድር ዝተመርጹ ዘይኰነስ በቲ ጕጅለ ከም ዝተመርጹ ኣቃሊዑ።

ዓቃቢ ሕጊ ፊላደልፍያ ሎረንስ ክራስነር፡ መስክ ነቲ ገንዘብ ክሳብ መዓልቲ መረጻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ መራጺ ክህብ ምዃኑ ዕላዊ ድሕሪ ምግባሩ ነቲ "ዘይሕጋዊ ሎተሪ" ዝበሎ ተግባር ደው ከብሎ ከሲሱ ነይሩ።

ጠበቓ ክሪስ ጎበር ኣብ እዋን ፍርዲ "እቶም ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝቕበሉ ሰባት ብዕጫ ኣይኰኑን ዝምረጹ ዘለዉ” ከምዝበለ ኣሶሼይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እቲ ጠበቓ ኣስዒቡ፡ “ሎሚን ጽባሕን ነቲ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝቕበሉ ሰባት እኒ መን ከምዝዀኑ ንፈልጥ ኢና” ኢሉ።

ሚስተር ጎበር ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ፓክ ናይ መወዳእታ ተቐባሊ እቲ ገንዘብ ካብ ሚቺጋን ዝመጸ መራጺ ክኸውን ከምዝወሰነ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ሓቢረን።

ትማሊ ሰኑይ ኣመሪካ ፓክ እቲ መዓልታዊ ሽልማት ኣብ ኣሪዞና ንዝርከብ ጆሹዋ ዝተባህለ ሰብ ከምዝሸለመ ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ጕጅለ "ክሳዕ መዓልቲ መረጻ መዓልታዊ፡ ሓደ ዝፍርም ሰብ ከም ኣፈኛ ኣመሪካ ፓክ 1 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ክምረጽ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ዝሃብተመ ሰብኣይ ዓለምና ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ሽልማት ወግዓዊ ክገብር እንከሎ ግን፡ ብዙሓት ንቐዳማይን ካልኣይን መመሓየሺ ቅዋም ኣመሪካ ዝድግፍ ጥርዓን ዝፈረሙ ምዝጉባት መረጽቲ ብሃንደበት ዝተሳተፍዎ ዕጫ ምዃኑ ይኣምኑ ነይሮም።

ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ተግባር እቲ ጕጅለ ሕጊ መረጻ ክጥሕስ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ቤት ጽሕፈት ክራስነር ድማ ደው ከብሎ ከሲሱ።

ኤሎን ማስክ ኣብተን ኣገደስቲ ግዝኣታት እታ ሃገር ሕጹይ ሪፓብሊካን ንዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ ንኽምረጽ ብዘይንሕስያ ክጉስጉስ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ክራስነር ዝርከብ ጠበቓ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሚስተር ጎበር ኣብ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ርእይቶ "ምሉእ ብምሉእ ተሓታትነት ዘስዕብ" ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ከይዲ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስፔስኤክስ ዝኾነ ሚስተር ማስክ፡ “ንሓቶ ዘለና እቶም ተዓወትቲ ከም ኣፈኛታት ናይቲ ጉጅለ ኮይኖም ከገልግሉ ጥራይ'ዩ” ኢሉ ዝገለጸሉ ቪድዮ ክረአ ከምዝገበሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ኣሜሪካ ፓክ ክሪስ ያንግ ግን ኣብ ቤት ፍርዲ “እቶም ዝተሓረዩ ተሸለምቲ ምስቲ ጉጅለ ዝሰማማዕ ክብርታት ክህልዎም ኣለዎ” ምባሉ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።

እቶም ነቲ ገንዘብ ዝቕበሉ ሰባት ብዛዕባ ዝተሰማምዕዎ ውዕል ብግልጺ ከይዛተዩ ዝዓግቶም ስምምዓት ምፍራሞም ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሚስተር መስክ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ መስርሕ ፍርዲ ኣይተረኸበን።

ብተወሳኺ ትማሊ ሰኑይ ጆ ሮጋን ምስ ሚስተር መስክ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሕትት ዝሓዘ ክፋል ኣብ ፖድካስቱ ዘርጊሕዎ።

ነቲ ፖድካስት ኣብ ኤክስ ንምልላይ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ክድግፍ ምዃኑ ገሊጹ።