ብሪጣንያ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽኡ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, GOV.UK
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ንግዚኡ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ውግእ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ሓይልታት ትግራይ ተዅሲ ኣቋሪጾም ካብ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ክወጽኡ ጸዊዓ።
ብሪጣንያዊት ሚኒስተሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ፡ እቲ ን22 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ፍታሕ ስለ ዘይኰነ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ጠረጴዛ ክፈትሕዎ ኣለዎም ኢላ።
እቲ ኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ዳግም ተወሊዑ።
ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ምጅማር ውግእ ንሓድሕዶም እኳ እንተተኻሰሱ፡ እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ቆቦን ከባቢኡን ተቖጻጺሮም ኣለው።
ቪኪ ፎርድ ትማሊ ሓሙስ 01 መስከረም ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ “ሓይልታት ትግራይ ተዅሲ ብምቁራጽ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጺኦም ናብ ትግራይ ክምለሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ከኣ ካብ ትግራይ ክወጽኡ ኣለዎም” ኢላ።
ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ንግሆ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብኣርባዕተ ኣንፈት ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ሓቢሩ።
ሓይልታት ህወሓትን ሰራዊት ፌደራልን ናብ ዳግማይ ውግእ ምእታዎም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓቢ ጸገም’ዩ ዝበለት ምኒስተር ቪኪ ፎርድ፡ እዚ ውግእን እቲ ውግእ ዝፈጥሮ ምትዕንቃፍ ሰብኣዊ ረድኤትን ንህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ንሞት ከቃልዕ እዩ ክትብል ስግኣታ ገሊጻ።
“እቲ 22 ኣዋርሕ ዝገበረ ውግእ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ፍታሕ ዘይምዃኑ ዓቢ መርኣዪ እዩ” ኢላ።
እቲ ውግእ፡ ማሕለኻ ሰላማዊ ጻዕሪ’ዩ” ዝበለት ቪኪ ፎርድ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ዝተገብረ ስምምዕ 'በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ'፡ እቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረክብን ቁጠባ ኢትዮጵያ ዳግም ክበራበርን ዕድል ፈጢሩ ነይሩ ኢላ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ስነ መጐት ሓይሊ ገዲፎም ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ኰፍ እንተኢሎም ጥራሕ’ዩ ፍታሕ ዝመጽእ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከም ዘለዎ ሓቢራ።
ቪኪ ፎርድ፡ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብዚ ውግእ ሓድሕድ’ዚ ሰላማውያን ሰባት ዕላማ ካብ ምግባር ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲባ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶም ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ምማቶምን ሰባት ብመንነቶም ይእሰሩ ከም ዘለውን ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ ብምግላጽ “እቶም ተራጸምቲ ሓይልታትድሕነት ሰላማውያን ክሕልው፣ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን ዓለማዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰል ክኽብሩ ሓላፍነት ኣለዎም” ኢላ።
ሃገራ ድማ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝግበር ሽምግልና ምሉእ ደገፍ ከምእትህብ ገሊጻ።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሓመን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 13 ሚሊዮን ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝገበረ ሚኒስትር ቬኪ ሓቢራ።
ንሳ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓይልታት ትግራይ ካብ ዓለማዊ ውድብ መግቢ ነዳዲ ከም ዝወሰዱ ብምጥቃስ፡ እቲ ተግባር ነቲ ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ግዳያት ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ሓቢራ።
ውድብ መግቢ ዓለም እቲ ውግእ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ሊትሮ ነዳዲ ዘሚቶምኒ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ህወሓት ብወገኑ “ንውድብ መግቢ ዓለም ኣለቂሐዮ ዝነበርኩ ነዳዲ እየ ወሲደ እምበር ኣይዘመትኩን” ክብል እዩ መሊሱ።
እዚ ንሳልሳይ ግዚኡ ዝተጀመረ ውግእ ብቕልጡፍ ደው ኢሉ ተራጸምቲ ሓይልታት ብዘይ ዝዀነ ይኹን ምትእጉጓል ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ጽጉማት ክበጽሕ ክተሓባበሩ ከም ዘለዎም ቪኪ ፎርድ ሓቲታ።
ቪኪ ፎርድ፡ ዋላ'ውን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዝምልከቶም ግዳያት ክበጽሕ እንተሓተተት፡ ውድብ ሕቡት ሃገራት ዳግም ውግእ ብምጅማሩ ናብ ትግራይ ዝልእኮ ዝነበረ ረድኤት ደው ከም ዘበለ ቅድሚ መዓልታት ገሊጹ እዩ።
ኣተሓባበሪ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ሰብኣዊ ረደኤት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ካብ ዝሓለፈ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ብምድሪ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ኮነ ሰብኣዊ በረራ ከም ዝተቛረጸ ሓቢሩ






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
