ናብራ ዓዲ ዓረብ፡ 'ኣስራሒተይ ንሰራሕተኛኣ ክትቀትላ ምስ ረኣኹ ኣእምሮይ ስሒተ'

መሁባ ሑሴን፣ ታገሰች ዳናን አሚናት ሰይድን

ምንጪ ስእሊ, ACTION AID

Published

ኣብ ወሎ፡ ክልል ኣምሓራ ገርባ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተወሊዳ ዝዓበየት ጓል 33 ዓመት ሙሓባ ሑሴን፡ እዋን ንእስነታ በዳሂ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ጓል ሽዱሽተ ዓመት እንከላ ኣደኣን ኣቦኣን ተፈላልዮም፤ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ሽዑ ከብቲ ትጓሲ፡ ማይ ትወርድ፡ ዕንጸይቲ ትኣሪ፡ ኣብ እዋን ሕርሻ ትጽሂን ነቶም ኣብ ስራሕ ሕርሻ ዝዋፈሩ ኣባላት ስድራቤት መግቢ ተመላልስን ከም ዝነበረት ትዝክር።

ሙሃባ፡ "ኣብ ዓመት 10 ብር እዩ ዝኽፈለኒ ነይሩ" ትብል። ንሳ’ውን ኣቦኣ ይወስዳን ንረብሓኡ የውዕላን ከም ዝነበረ’ያ ትሕብር። ብመግቢ’ውን ትብደል ከም ዝነበረት ትገልጽ።

ኣብ ዓለምና 50 ሚልዮን ሰባት ኣብ ዘመናዊ ባርነት ንዝተፈላለዩ ዓይነት ምዝመዛ ከም ዝተቓልዑ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣስታት 70 ሚእታዊት ድማ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን እየን።

ሙሓባ መዛኑኣ ደብተር ሒዘን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዳ ክትርኢ እንከላ ትህንጠ’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ እንዳ ሰብ ተቘጺራ እናሰርሐት ግን ትምኒታ ከተማልእ ኣይከኣለትን።

ዕድመኣ 13 ዓመት ምስ በጽሐ ንወለዳ ክትመሃር ከም እትደሊ ገሊጻ፡ "ዕድመኺ ንሓዳር በጺሑ’ዩ፤ ድሕሪ ሕጂ ክትመሃሪ ኣይትኽእልን" ተባሂላ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝነበራ ስራሕ ገዲፋ ከም መዓልታዊ ሰራሕተኛ ተቘጺራ፡ ካብታ እትረኽባ ገንዘብ፡ ናውቲ ትምህርቲ ገዚኣ ትምህርቲ ጀሚራ።

"ብርግጽ፡ ኵሉ እቲ ካብ ደብተርን ቢሮን ዝተረፈኒ ገንዘብ ንስድራይ ኣውዒለዮ’የ" ትብል። ዝመሃራ ሓፍትን ኣሕዋትን ስለ ዝነበራ፡ ብዓቕማ ንኣሕዋታን ኣደኣን ትሕግዝ ነይራ።

ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ እትበጽሕ ኣብ ትምህርታ ንፉዕቲ ከም ዝነበረት እትገልጽ ሙሓባ፡ ብሓደ ሸነኽ መዓልታዊ ስራሕ እናሰርሐት ብኻልእ ሸነኽ ስድራ ክትድግፍ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ትምህርታ ክትከታተል ብድሆ ኰይኑዋ።

ስለዚ ናብ ዓዲ ዓረብ ተሰዲዳ ህይወታን ህይወት ስድራቤታን ክትልውጥ ወሲና።

ሙሓባ፡ ዘይሕጋውያን ደላሎ ተጠቒማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዳ፤ ኣስራሒታ ደሞዝ ስለዝኸልከለታ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብቲ ገዛ ጠፊኣ።

ስራሕ ምርካብ ግን ከምቲ ዝሓሰበቶ ቀሊል ኣይነበረን።

ድሕሪኡ ግን ብደላሎ ኣብ ገጠር ስራሕ ረኺባ፤ እንተዀነ ኣብቲ ናይታ ስድራ ቤት ሽቓቕ ኣንጺፋ ትድቅስ ከም ዝነበረት ትገልጽ።

“እቲ መሬት ኣዝዩ በረድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከንቀሳቕስ ኣይከኣልኩን" ክትብል ኣብቲ እዋን ዘጋጠማ ጸገም ጥዕና ትዝክር።

ኣእዳዋን እግራን ሓቢጡ ንምንቅስቓስ ምስ ተጸገመት፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከም ዘሐከምዋ ትሕብር።

ብድሕሪኡ ግን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ምስራሕ ሕልማ ከም ዝፈሸለ ምስ ተረድአት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ።

"ጥራሕ ኢደይ ተመሊሰ" ክትብል ድማ ትዝክር።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ተደጋጋሚ ግጭታት፡ ከቢድ ድኽነትን ሽቕለት ኣልቦነትን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ንምድላይ ናብ ሃገራት ዓረብ ብሓደገኛ መንገዲ ክጓዓዛ ካብ ዝድርኹ ምኽንያታት እዮም።

አሚናት ሰይድ

ምንጪ ስእሊ, ACTION AID

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝተጋነነ መብጽዓታት ዝተነገረን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ሓደጋ ከጋጥመን ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ከየእተዋ፡ ብዘይሕጋውያን ደላሎ ኣቢለን ናብ ሃገራት ዓረብ ይግዕዛ፤ ብዙሓት ካብኣተን እቲ ኵነታት ከምቲ ዝተጸበይኦ ስለዘይረኽባኦ ድማ ጥራሕ ኢደን ናብ ሃገረን ይምለሳ።

ሓንቲ ካብዚአን ኣሚናት፡ ናብ ዱባይ ክትስደድ ከላ ጓል 17 ዓመት እያ ነይራ።

ስድራኣ ከምህርዋ ዓቕሚ ስለ ዘይነበሮም፡ ብዘይሕጋውያን ደላሎ ናብ ዱባይ ከም ዝኸደት እትገልጽ ኣሚናት፡ ኣብ ወርሒ 500 ድርሃም ደሞዝ ከም ዝኽፈላ ተነጊርዋ።

ኣብ ዱባይ ስራሕ ምስ ጀመረት፡ ኣስራሒታ ኣዝዩ ሓያል ምዃና ተረዲኣ። ምስ ኣስራሒታ ትረዳድአሉ ክእለት ቋንቋ ኣይነበራን። እቲ ስራሕ’ውን ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ።

ናብ ስድራኣ ይዅን ናብ ካልኦት ሰባት ክትድውል ኣይከኣለትን። ካብ ገዛ ምውጻእ ኣይፍቀደላን።

"እታ ቅድመይ ዝኣተወት ጓል ቅሩብ ቋንቋ ትፈልጥ ነይራ" ትብል ኣሚናት፡ ሓደ መዓልቲ ህይወታ ዝለወጠ ነገር ከም ዘጋጠማ ትዛረብ።

እታ ኣስራሒታ ምስታ ቅድሚኣ ዝተቘጸረት ሰራሕተኛ ተባኢሰን።

"ኣስራሒተይ ንሰራሕተኛኣ ክትቀትላ ምስ ረኣኹ፡ ዕውልውል ኢሉ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ" ትብል ኣሚናት፤ ብድሕሪኡ ጥዕና ኣእምሮኣ ተረቢሹ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ገይሮምዋ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትበጽሕ ከላ ጥራሕ እግራ’ያ ነይራ፤ ዝዀነ ገንዘብ’ውን ከም ዘይነበራ ትዝክር።

ናብታ ስድራኣ ዝነብሩላ ደሴ ንምኻድ ዘድልያ ገንዘብ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ተሳፈርቲ ከም ዝተኣከበላ ትዛረብ።

ኣሚናት፡ “ንእሽቶ ኣእምሮይ ስለ ዝተረበሸ ምስ ስድራይ ኮፍ ክብል ኣጸጋሚ’ዩ ነይሩ” ትብል።

እቲ ዘጋጠማ ጸገም ጥዕና ምስ ሃድአ ግን ዳግማይ ናብ ዓዲ ዓረብ ክትከይድን ሰሪሓ ህይወታ ክትልውጥን ወሲና።

ኣሚናት እቲ ኣብ መጀመርያ ጕዕዞኣ ዘጋጠማ ኣይረሰዐትን። ግን “ሓደ ሕማቕ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኻልኣይ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ዝብል ተስፋ ኣሕዲራ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምስራሓ፡ መሓዙታ፡ እቲ ደሞዝ ትሑት ስለዝነበረ፡ ካብቲ ቦታ ወጺኣ ናይ ገዛእ ርእሰ ስራሕ ክትጅምር መኺረናኣ።

ምኽረን ሰሚዓ ድሕሪ ምውጻኣ ግን ምስ ከማኣ ዘይሕጋዊ ዝዀነ ወዲ ዝጀመረቶ ፍቕራዊ ርክብ ናብ ጥንሲ ኣምሪሑ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ስዑዲ ክትጸንሕ ስለ ዘይከኣለት ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ።

ኣብታ ሃገር ክትሰርሕን ለውጢ ከተምጽእን ዘኽእላ፡ ጽቡቕ ኣታዊ ዘምጽኣላ ስራሕ ክትረክብ ዘይምኽኣላ፡ ንሳልሳይ ግዜ ናብ ሃገራት ዓረብ ክትከይድ ደልያ ነይራ።

ካልኣይ ዕሸል ምስ ወለደት ግን፡ ካብ ኣዝማዳን ፈተውታን ገንዘብ ተለቂሓ ንእሽቶ ንግዲ ክትጅምር ወሲና፡ ብዘይቲ ዝተጠብሰ ብሽኮቲ ክትሸይጥ ጀሚራ።

ብመሰረት ዳሕረዋይ መጽናዕቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ዓለም 75.6 ሚልዮን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ 9.6 ሚልዮን ሰራሕተኛታት ገዛ ኣለዉ። ካብዚኦም 76 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ናይ ገዛ ስራሕ ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዕድላት ክፈጥር’ኳ እንተኸኣለ፡ ብሰንኪ ትሑት ደሞዝ፡ ትሑት ዋጋን ነዊሕ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ንምዝመዛ ጉልበት ይቃልዓ’የን።

ብፍላይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብዚ ስራሕ ዝኣትዋ ንዓመጽን ዘመናዊ ባርነትን ተቓላዕቲ ከም ዝዀና ይፍለጥ።

ክልተ ሰባት ምስ ዝተጽዓነ ኣድጊ

ምንጪ ስእሊ, ACTION AID

ኣደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝዀነት ታገሰች ዳና ሓንቲ ኣብነት እያ።

ታገሰች፡ በዓል ቤት ታገሰች ኣብ ሕርሻ ተቘጺሩ ይሰርሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንጠለባት እታ ስድራ ቤት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ፡ ደቃን በዓል ቤታን ገዲፋ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደደት’ያ ትገልጽ።

እቲ ደላላይ፡ ገንዘብ ዘልቅሓ ሰብ እንተረኺባ ኣብ ሓጺር እዋን ሰሪሓ ክትመልሶ ከም እትኽእል ስለ ዝነገራ፡ ንኣቦኣ ለሚና ናብ ሱዳን ኣምሪሓ።

ድሕሪ በዳሂ ጕዕዞ እግርን መኪናን፡ እቲ ደላላይ ኣብ ሱዳን ስራሕ ረኺቡላ።

ንግሆ ተላዒላ ክሳዕ ምሸት ትሰርሕ ነይራ፤ እዚ ግን ንኣስራሒኣ ከሐጕስ ስለዘይከኣለ መዓልታዊ ትቕጥቀጥ ከም ዝነበረት ትገልጽ። ነዊሕ ከይጸንሐት ካብቲ ኣብ ወርሒ 1200 ፓውንድ ሱዳን ክኽፈላ ዝተሰማመዐትሉ ስራሕ ተባሪራ።

ኣብታ ሃገር እትፈልጦ ሰብ ስለዘይነበረ እትገብሮ ጠፊእዋ።

"ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብእግረይ ናብ ሃገረይ ተመሊሰ" ትብል ታገሰች።

ኣብ 2021 ኣክሽን ኤይድ ኣብ ጋናን ኢትዮጵያን ዘመናዊ ባርነት ንድሕሪት ንምምላስ ፕሮጀክት ኣተኣታትዩ።

ኣብዚ ፕሮጀክት ካብ ሃገራት ዓረብ ተመሊሰን ንዝተፈላለዩ ጸገማት ዝተቓልዓ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቀምቲ ከም ዝዀና ሓበሬታ ኣክሽን ኤይድ የመልክት።

ዳይሬክተር ኣክሽን ኤይድ ኢትዮጵያ ትነበብ ብርሃኔ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ዕድላት ስራሕ ዘይምህላው ቀንዲ ጠንቂ ዘይሕጋዊ ስደት’ዩ ትብል።

ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ ዕድላት ስራሕ እንተተዋሂብወን ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ብጭቡጥ ክቕንስ ከም ዝኽእል’ውን ትዛረብ።

ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ኣክሽን ኤይድ ኢትዮጵያ ኣብ ኣምሓራ፡ ክልላት ደቡብን ኣዲስ ኣበባን ካብ መንግስቲ ኖርወይ ብዝረኸቦ ደገፍ ካብ ስደት ዝተመለሳ 600 ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝሕግዝ ትገልጽ።

ኣክሽን ኤይድ ምስ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ትካላት ብምትሕብባር ነተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ንግዲ ክእለትን ውህለላን ስልጠናን ይህብ።

ታገሰች ክልቲኡ ስልጠናታት ተዋሂብዋ፡ ሸሞንተ ሽሕ ብር’ውን ከም መበገሲ ካፒታል ተቐቢላ። ብድሕሪ እዚ ኣድጊን ቆሎን ብምግዛእ ናይ ገዛእ ርእሳ ንግዲ ክትጅምር ክኢላ።

እዚ ስልጠናን ልቓሕን፡ ሙሓባ ሑሴንን ኣሚናት ሰይድን እውን ህይወተን ንምልዋጥ ጸዕሪ ክገብራ ኣኽኢልወን’ዩ።

ሙሓባ ካብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ተመልሰት ዝወለደቶም ክልተ ቈልዑ ንምምሃር ዕቱብ ሕልሚ ኣለዋ፤ ኣሚናት ብወገና ድሕሪ ሕጂ ናብ ሃገራት ዓረብ ክትስደድ ከም ዘይትሓስብን ንኻልኦት’ውን ከም ዘይትመክርን ትገልጽ።

"ንመሰላት ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሰራሕተኛታት ገዛ፡ እንተላይ ነተን ስራሕ ደልየን ስደዳ ክንቃለስ ኣለና" ትብል ዳይረክተር ኣክሽን ኤይድ ኢትዮጵያ።

"በቲ ዘጋጥመን ግህሰትን ዓመጽን ድማ ኣስራሕተንን መንግስቲን ተሓተትቲ ንምግባር'ውን ክንሰርሕ ይግባእ።"

ብተወሳኺ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ኵሎም ሰራሕተኛታት ገዛ ንምሕላውን ንምኽባርን ንውዕል 189 ዓለምለኸ ውድብ ሰራሕተኛታት ከጽድቕ ከም ዘለዎ ትገልጽ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጊታት ነዘን ወገናት ማዕረ መሰል ስራሕን ማሕበራዊ ሓለዋን ክረኽባ ክከላኸለለን ይግባእ ትብል።