ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ተቐቲሉ

ሞኢቦን በቀለ

ምንጪ ስእሊ, MOIBON BEKELE FB

Published

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣቶ ሞኢቦን በቀለ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ፡ ቡራዩ ዝተብሃለ ቦታ ዘይተፈለጡ ሰባት ብዝተኮስዎ ጥይት ተቐቲሉ።

ኣቶ ሞኢቦን ትማሊ ረቡዕ 02 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) ኣጋ ምሸት ኣብ ቡራዩ ሳንሱሲ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ መንበሪ ከባቢኡ እዩ መጥቃዕቲ ተፈጺምዎ።

እቲ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ፡ በቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ክልተ ግዜ ብጥይት ተሃሪሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ኣቤት ሓገዝ ሕክምና እናተገብረሉ ከሎ'ዩ ሞይቱ።

ካብቲ ደገፍ ሕክምና ዝግብረሉ ዝነበረ ሆስፒታል ኣቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሞኢቦን  ብውሑዱ ብክልተ ጥይት ከምዝተሓርመ የመልክት።

እታ ቀዳመይቲ ጥይት ብከባቢ ሳንቡኡ ክትሓልፍ ከላ እታ ካልኣይቲ ኣብ ከባቢ ኩሊቱ ተሪፋ ዓበዪ ጉድኣት ከምዘስዓበት ተገሊጹ ኣሎ።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1 [07፡00] ናብቲ ሆስፒታል ዝተወስደ ኣቶ ሞኢቦን፡ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሉ ጸኒሑ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5 [11፡00] ከምዝዓረፈ ስድርኡ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ካብ ስድራቤቱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ምሸት፡ ሞኢቦን ኣብ መንበሪ ገዝኡ እናተመገበ እንከሎ፡ ቴሌፎን ተደዊሉሉ ብታህዋኽ ምስ ወጸ ብጥይት ከምዝተሃረመ የመልክት።

ሞኢቦን ብጥይት ምስ ተሃርመ፡ ንሓደ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤት ቴሌፎን ብምድዋል፡ “ጸላኢ የብለይን፤ ዝጥርጥሮ ሰብ የለን" ከምዝበለ ሓደ ኣባል ስድራቤት ተዛሪቡ።

ሞኢቦን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ይሰርሕ ነይሩ።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ኮይኑ ክሰርሕ ከምዝፀንሐ፡ ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ለሚ ገመቹ ንቢቢሲ ገሊጹ። ብተደጋጋሚ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ተኣሲሩ ከምዝነበረ’ውን ሓቢሩ።

ንነዊሕ ዓመታት መሓዛ ሞኢቦን ከምዝነበረ ዝገልጽ ላሊሳ እድሪስ'ውን እቲ መዋቲ ብፖለቲካዊ መርገጺኡ ብተደጋጋሚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝነበረን ካብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ከምዝተባረረን ኣዘኻኺሩ።

"ሞኢቦን ብፖለቲካዊ መርገፂኡ ምኽንያት ካብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ምስ ተባረረ፡ ናብ ነቅምቴ ተመሊሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪፍት ቫሊ እናተማሃረ ከሎ ኣብኡ’ውን ተታሒዙ ኣብ ቂሊንጦ ተኣሲሩ" ኢሉ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከተማ ጅማ፡ ኣብ ማእከላዊ፡ ቂሊንጦን ሽዋ ሮቢትን ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዓርኩ ይሕብር።

"ቅትለት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ'ሎ"

እቲ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኦነግ ዝኾነ መንእሰይ ሞኢቦን በቀለ ብጥይት ከምዝተቐትለ ምስ ተሰምዐ እቲ ሰልፊ መግለፂ ኣውፂኡ።

ግንባር ​​ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ሰባት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ በጺሑ'ሎ" ይብል።

መንእሰይን ቆራፅን ዝኾነ ኣባልን ፖለቲካዊ መራሕን ብምስኣኑ ዓብዪ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ዝገለጸ ኦነግ፡ "ኣባላት እቲ ሰልፊን ኦሮሞን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ነቲ ቃልሲ ጠጠው ዘብልን ተስፋ ዘቑርጽን ኣይኮነን" ኢሉ።

ሬሳ ሞኢቦን በቀለ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ነቀምቴ ዝተወሰደ ክኸውን ከሎ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ 2015 ከምዝካየድ ስድርኡ ገሊጾም ኣለዉ።