ዩጋንዳ፡ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ንወዱ ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን ሸይሙዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ ንወዱ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን መዚዙዎ።
ወዲ 48 ዓመት ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ኮይኑ ኣብ ሰራዊት ዘገልገለ ምንባሩ ይፍለጥ።
ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ ዓቢ ናይ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ምቅይያር ኣብ ዝገበረሉ እዋን'ዩ ንወዱ ናብዚ ሓድሽ ሽመት ኣደይቡዎ ዘሎ።
ኣብ 1986 ናብ ስልጣን ዝደየበ ሙሰቨኒ፡ መሪሕነት እታ ሃገር ንወዱ ከረክቦ የዳልዎ ኣሎ ንዝብል ወቐሳ ይነጽጎ።
ኣዘራራቢ ምዃኑ ዝፍለጥ ጀነራል ካይነሩጋባ ንወተሃደራዊ ፕሮቶኮል ብምጥሓስ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢዱ ከእቱን መልሓሱ ክሕውስን ይርአ።
ኣብ 2022፡ ንጎረቤት ሃገረ ኬንያ 'ክንወራ ኢና' ክብል ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ኣቦኡ ካብቲ ዝነበሮ መዝነት ከምዘውረዶ ይዝከር።
ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፡ በቲ ጉዳይ ንኬንያዊ መዘናኡ ይቕሬታ ብምሕታት፡ ህዝቢ ኬንያ "ይቕረ" ክብለሉ ተማሕጺኑ ነይሩ።
“ኣብ ትዊተር ካብ ምጽሓፍ ይርሕቕ ኣሎ። ተዘራሪብናሉ ኢና። እቲ ጸገም ትዊተር ኣይኮነን። እቲ ጸገም እቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ እዩ” ክብል ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ተለቪዥን ወጺኡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተዛሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን እቲ ጀነራል ካብ ትዊተር ዝእግዶ ከምዘየለ ብምግላጽ ርእይቶ ኣቡኡ "ጸወታ ክኸውን ኣለዎ" ክብል'ዩ ምላሽ ሂብሉ።
ኣብ መጋቢት 2022፡ ምስ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ "ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ" ብምባል ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ምጽሓፉ'ውን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዲፕሎማስያዊ ቁጠዐ ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ትዊተር ዝሃቦ ርእይቶ'ውን ክሳብ ሎሚ ኣይተሰረዘን። እኳ ድኣ፡ ናይ ምሉእ ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡዎ፡ ኣማኻሪ ኣቦኡ ኮይኑ'ዩ ቀጺሉ።
ሕጂ ድማ፡ ንጀነራል ዊልሰን ምባዲ ብምትካእ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ዩጋንዳ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ። ጀነራል ምባዲ ድማ ሚኒስተር ንግዲ ክኸውን ተመዚዙ።
ክልተ ቀንዲ ኣማኸርቲ ጀነራል ካይነሩጋባ ድማ ኣብቲ ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ጀነራል፡ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ሰፋሕቲ ኣኼባታት ምክያዱ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ፕረዚደንታዊ መረጻ ዩጋንዳ ኣብ ፈለማ 2026 ከምዝካየድ ይፍለጥ።
እቲ ንልዕሊ 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዝሸምገለ ፕረዚደንት ኣብቲ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑን ዘይምዃኑን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
