ፍልሰት ኣፍሪቃውያን ምሁራት፡ ‘90 ምኢታዊት መሓዙተይ ክስደዱ ይደልዩ’

ምንጪ ስእሊ, AYOADE ONI
ኣብ 4,500 ካብ 18 ክሳብ 24 ዕድመኦም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝተገበረ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ እቶም 52 ምኢታዊት ብምኽንያት ቁጠባዊ ጸገማትን ዕድል ትምህርትን ኣብቶም ዝቕጽሉ ውሑዳት ዓመታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ከምዝሓስቡ የመልክት፡፡
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ናይጄርያውያንን መንእሰያት፡ ኣብ ዓዶም ድሕነት ከምዘይስመዖምን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘየለን ክገልጹ እንከለው፡ ኣብ ጋና ግና እቲ ምስሊዝተፈለየ እዩ፡፡
ነባራይ ሌጎስ ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ኣዮዴ ኦኒ፡ ንኩነታት ጸጥታ ናይጄርያ ‘‘ዘፍርሕ’’ ክብል እዩ ዝገልጾ፡፡
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ‘‘ኣብ ጠላዕ ቀትሪ’’ ካብ መጭወይቲ ንስለ ተሪፉ፡፡ ኣብ እንዳ መጸገኒ ሞባይል ጸኒሑ ናብ ገዝኡ እንትኸይድ ጉጅለ ወዲኒታት፡ ዘለዎ ነገራት ከረክብ ኣዚዞምዎ፡፡
ቅልጥፍ ኢሉ ንምህዳም ኣብ ዝፍትነሉ፡ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝነበረ ድኳን ኮይኖም ናብዚ ናዓ ክነዑቑበካ ዝብልዎ ሰባት ረኺቡ፡፡
እንተኾነ መጻወድያ እዩ ነይሩ፡፡
ሃንደበት ሓደ ዘዋሪ ኣውቶብስ፡ እቶም ሰባት ‘‘ጨወይቲ’’ ከምዝኾኑ ብምሕባር ናብታ መኪና ክኣቱ ሓቢርዎ፡፡
‘‘ኣብታ መዓልቲ ንሱ ኣድሒኑኒ’’ ይብል፡፡
ናይጄርያ፡ ኣብዚ እዋን ገንዘብ ንምርካብ ብዝጨውዩ ገበነኛታት ዝተሸገረት ኮይና፡ እቶም ጨወይቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሚልዮን ዶላር ከምዝረኸቡ ሌጎስ ዝመደብሩ ጉጅለ ምሁራት የረድእ፡፡
‘‘ምሸት ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይክእልን፤ ስድራ ቤተይ እውን ኣይፈቕደሉይን’’ ይብል ኣዮኒ፡፡
ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል ሸቕሊ ኣልቦነት፣ ድኹም ስርዓት ሓለዋ ጥዕና፣ ድኽነትን ትሑት ናይ ስራሕ ዕድልን ካብታ ሃገር ክወጽእ ዝደፍእዎ ዘለዉ ምኽንያታት ከምዝኾኑ እውን ይገልጽ፡፡
ናይ ኮምፒተር ሳይንስ ትምህርቱ ምስወደአ ስራሕ ዝረኽበሉ ዕድል እኳ እንተሃለወ ሰፊሕ ኮይኑ አይረኣዮን፡፡
‘‘ቁሩብ ናይ ሰራሕ ዕድል እዩ ዘሎ፤ መብዛሕተኦም ድማ ብዝምድናን ጉቦን እዮም ዝቑጸሩ’’ ይብል፡፡
ናብታ ዝሓልማ ካናዳ ንምኻድ እንተዳኣቀኒዕዎ፡ ናብ ዓዱ ናይ ምምላስ ድልየት የብሉን፤ መብዛሕተኦም መሓዝቱ እውን ከምኡ እዮም፡፡
‘’90 ምኢታዊት ወይ ኩሎም’’ ካብ ዓዶም ክወጹ እዮም ዝደልዩ ይብል፡፡
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልኪኮዊዝ ፋሚሊ ፋውንዴሽን ዝተባህለ ትካል ዘካየዶ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ 95 ምኢታዊት ናይጄርያውያን መንእሰያት ሃገሮም ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ኣላ ኢሎም ኣየኣምእኑን፡፡
ብሓፈሻ ካብ ህዝባ ድማ እቶም 28 ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ነታ ሃገር እወንታዊ ኣመለካኽታ ዘለዎም፡፡
ስደት ኣፍሪቃውያን ንምዕጋት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ‘ኢንቨስት’ ክትገብር ኣለዋ ይብል መስራቲ እቲ ትካል መጽናዕቲ ኣይቮር ኢኪኮዊዝ፡፡
ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ክነብሩን ናብረኦም ሃገሮምን ክሃንጹን ድልየት ከምዝበሮም ዝሕብር ኢኪኮዊዝ፡ ኣብዚ እዋን ግና ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዝበጸን ናይ ስደት ቅልውላው ክፈጥር ከምዝኽእልን ይዛረብ፡፡
ጋናውያን መንእሰያት ኣብታ ኣህጉር፡ ንሃገሮም ብዘለዎም ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ካብ ርዋንዳ ቀጺሎም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስርዑ፡፡
‘‘ዋላኳ ድልዱላት ትካላት እንተዘይሃነጽናን ስርዓትና ድኹም እንተኾነን፡ በሊሕ ሰብ ነዚኦም ክሰግሮም ስለዝኽእል፡ ኣብ ጋና ኮይነ ሕልመይ ከዐውት ይኽእል እየ’’ ይብል መራሒ ሃገራዊ መንእሰያት ተምሃሮ ጋና ወዲ 24 ዓመት ጁሊየስ ክዋመ፡፡
ደቂ ኣንስትዮ ድሕነተን ውሑስ ኣይኮነን
ዋላኳ ገለ መንእሰያት ንሕብረተሰቦም ናይ ምምዕባል ድልየት አንተሃለዎም፡ ገለ ድማ ብሰንኪ ዝበጽሖም በደላት ጨርቆም ደርቢዮም ካብ ዓዶም ክሃድሙ ዝደልዩ ኣለዉ፡፡
ሓንቲ ሽማ ክጥቀስ ዘይደለየት ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትምህርታ ምስወደአት ዛጊድ ስራሕ ዘይምርካባ ከም ሓደ ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ልዑል መጠን ገበን እውን ካብ ሃገራ ክትወጽእ ከምዝደፍኣ ትዛረብ፡፡
ኣብ 2019 ካብ እትመሃረሉ ዩኒቨርሲቲ ናብ መደቀሲኣ እናኸደት ከምዝተደፈረት እትገልጽ እዛ ንእስቲ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድሕነት ከምዘይስመዓ ትገልጽ፡፡
ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ ኣብ 2018ን 2019ን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጾታዊ ዓመጽ ኣዝዮም ወሲኾም ካብ ዝነበሩ ገበናት እዩ፡፡
‘‘ኩሉም እቶም ጸገማት ኣንጻር መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ደው ከምዝበሉ እዩ ዝስመዐካ፤ ኣብ ጽርግያ ብሰላም ክንንቀሳቐስ ኣይከኣልናን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስራሕ ንምርካብ እውን ንቃለስ ኢና ዘለና፡፡’’

ምንጪ ስእሊ, MAPULA MAAKE
ካልእቲ ጓል 23 ዓመት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማፑላ ማኪ እውን፡ ዕድል ስራሕ ኣብታ ሃገር ጸቢብ ከምዝኾነን ናብ ስደት ከምእትሓስብን እያ እትገልጽ፡፡
‘‘ምናልባት ነቲ ዝተጻበበ ናይ ስራሕ ዕድል መፍትሒኡ ስደት ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡’’
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝለዓለ መጠን ሸቕሊ ኣልቦነት 35.3 ምኢታዊት ኣመዝጊባ ነይራ፡፡
ከም ማኪ ዝበሉ መንእሰያት፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ሓደሽቲ ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ‘‘ኢንቨስት’ ክገብር ይሓቱ፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
