ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዝተተለመ በረራ ፈቒዱ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, PA Media

Published

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምጉዕዓዝ ዝተተለመ በረራ ፈቒዱ፡፡

ነቲ መደብ ደው ንምባል ክሲ መስሪቶም ዝነበሩ ተሓለቕቲ መሰላት ኣብ ፈላማይ ናይ ቤት ፍርዲ ክርክር ዝተስዓሩ ኮይኖም፡ ሰኑይ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዝወስድዎ ገሊጾም ኣለዉ፡፡

ብመሰረት እቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ዘውጸኦ ፖሊሲ፡ ገለ ካብቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ናብ ርዋንዳ ተወሲዶም ሕቶ ዕቑባኦም ኣብኡ ክረኣየሎም እዩ፡፡

ኣስታት 31 ሰባት በታ ፈላመይቲ በረራ ከየድቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ተነጊርዎም ኣሎ፡፡

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምውዳእ ወርሒ ሰነ ነቲ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ዝቐርቡ ክርክራት ክሰምዕን ክግምግምን እዩ፡፡

ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተልን ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ንምውሳድ ዝተተለመ በረራ ምፍቃዱ ንኢዶም ኣለዉ፡፡

ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘምጽእዎ ጎስጎስቲ ግና ኣተሓሕዛ ናይቶም ‘‘ብሓይሊ ዝባረሩ ዘለዉ’’ ሰባት ከምዘሻቐሎም ይገልጹ፡፡

ልኡል ዌልስ ዝኾነ  ቻርለስ እውን ንኣካይዳ መንግስቲ ‘‘ዘሰምብድ’’ ብምባል ነቲ ፖሊሲ ከምዝነቐፎ ጋዜጣ ታይምስ ጸብጺባ፡፡

መንግስቲ፡ እቲ መደብ ቁጽሪ ናይ'ቶም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ክቕንሰሉ ተስፋ ይገብር፡፡

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዛጊት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ብምግባር ናብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ፡፡

ሕቶ ዕቑባ እቶም ዝምለሱ ስደተኛታት ብርዋንዳ ዝረኣይ ኮይኑ እቶም ዝቐነዖም ንሓሙሽተ ዓመት፡ ዕድላት ትምህርቲ ሓዊሱ ካልኦት ሓዛገት እናረኸቡ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም፡፡

እቶም ሕቶ ዕቑበኦም ተቐባልነት ዘይረኸቡ ድማ ካልኦት መንገድታት ቪዛ እናናደዩ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ካብ ርዋንዳ ዝባረረሉ ዕድል'ውን ዕጹው ኣይኮነን፡፡

ተሓቕቲ መሰላትን ጎስጎስትን እቲ በረራ ከይጅመርን ሰባት ከይውሰዱን ንምዕጋት ክንቀሳቐሱ ቀንዮም እዮም፡፡

እቶም ተሓለቕቲ ኣብ ርዋንዳ ዘሎ ሕጽረታት ስርዓት ምምማይ፡ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ዝብደሉሉ ሃገር ክውሰዱ ይኽእሉ እዮም ዝብሉ ስግኣታትን ኣልዒሎም ክከራኸሩ ጸኒሖም፡፡

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) እውን መንግስቲ ብሪጣንያ ምስ ርዋንዳ ዝገበሮ ውዕሊ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ንጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ክልተ ግዘ ከምዘፍለጦ ሓቢሩ፡፡