ድርቀት የሸግረኩም’ዶ?

ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሽንቲ ቤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ድርቀት ኣብ ሓደ ካብ ሸውዓተ ሰባት ዝኽሰት ኣዝዩ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ይዅን እምበር ብዙሓት ሰባት ስለዘሕንኾም ብዛዕባኡ ምዝራብ ከም ነውሪ ይቘጽርዎ።

ብሓፈሻ እዚ ጸገም ድርቀት እንብሎ፡ ቀልቀል ደሪቑ ንምውጻኡ ክትሽገር ከለኻ ወይ እቲ ዝመልአ ሰገራ ከምቲ ዝግባኦ ብቐሊሉ ምሕላፍ ( ምጕሓፍ) ክትጽገም ከለኻ እዩ።

ብዙሕ ግዜ ሓካይምን ኣብ ጉዳይ ብድርቀት ዝሽገሩ ሰባትን ምልክታትን ድርቀት ቀጻሊ ኣብ ክትዕ ምስ ኣተዉ እዮም።

እዚ ድማ ገለ ሰባት ሓገዝን ኣድላዪ ምኽርን ከይረኽቡ ከምዝገብሮም ተመራመርቲ ይሕብሩ ።

ሓካይም ብስሩዕ ሽንቲ ደገ ዘይምሻን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምልክት ድርቀት እዩ እኳ እንተበሉ፡ ትሕቲ ሲሶ ካብ ህዝቢ ዓለምና ግን ስሩዕ ቀልቀል ናይ ምውጻእ ልማድ ከም ዘይብሉ መጽናዕቲ የረጋግጽ።

በዚ መሰረት ጕጅለ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን፡ ኣብ ሕሙማት ብዝተመርኮሰ ተመኵሮኡ ኣብ ጸገማት ምሕቃቕ መግብን ድርቀትን ዘተኮረ ሓድሽ መግለጺ ከምዘድሊ ገሊጹ።

ወረቐት ዓይኒ ምድሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተመራመርቲ፡ እዚ ሽዱሽተ ምልክትታት ዘለዎም ሰባት ብቐሊሉ ጸገሞም ክልለን ክሕግዝ ከምዝኽእልን ይዛረቡ።

  • ቃንዛ፡ መንፋሕትን ምቾት ዘይህብ ስምዒትን ኣብ ከስዐ
  • ቃንዛ ወይ ቀጭቀጭ ዘብል ስምዒት ኣብ ከባቢ መሃንቱስን ኣበርቲዕካ ካብ ምድፋእ እተላዕለ ምፍሳስ ደምን
  • ዘይስሩዕን ተሪርን ቀልቀል
  • ምዝንባዕ ህዋሳት - ሽንቲ ደገ ናይ ምውጻእ ድሌት ዘይምህላው ወይ ምስ ሸንካ’ውን ምሉእ ብምሉእ ናይ ምፍኳስ ስምዒት ዘይምህላው
  • ረባሺ ጥራጥን፡ ጨናዊ ፈሲን ምዝውታር
  • ክትቈጻጸሮ ዘይትኸእል ምዙራቝ ቀልቀል ካብ መሃንቱስ

እዚ ዝርዝር ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ እዩ?

እቶም ተመራመርቲ ኣብ 2,557 ሰባት፡ 411 ስድራቤታት ሓካይምን 365 ክኢላታት ጋስትሮኢንተርሎጂን እዮም መርመራ ኣካይዶም።

ብድሕርዚ ነቲ ውጽኢት ኣብ ኣሜሪካን ጆርናል ኦፍ ጋስትሮኢንተርሎጂ ኣሕቲሞሞ። ኣብ ርኽበቶም፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት ከም ምልክታት ድርቀት ዝሓስብዎም ኣብ ዝዀነ ወግዓዊ መዐቀኒ መርመራ ከምዘይተኻተቱ በጺሖሞ።

ገለ ካብዚኣቶም፤

  • ኣብ ሽቓቕ ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፍካ ክነስኻ ቀልቀል ምውጻእ ክኣብየካ እንከሎ
  • ሽንቲ ደገ ናይ ምውጣጥ ስምዒት ዘይምህላው
  • መቃጠኒ ወይ መለሳለሲ መድሃኒት ( laxative) ምጥቃም ዘድልዮ ኵነታት ... ዝብሉ እዮም።

መብዛሕትኦም ብድርቀት ንሽገር ኢና ዝበሉ ሰባት ምስቲ ወግዓዊ መዐቀኒታት ዝሰማማዕ ምልክታት ክህልዎም እንከሎ፡ ሓደ ካብ ሰለስተ ሰባት ግን ነቲ ዘለዎም ምልክታት ድርቀት ፈጺሞም ኣየለለዩዎን።

ብተወሳኺ ሓካይምን ተሓከምትን ብሓፈሻ ኣብቶም ክጥንቀቑሎም ዘለዎም ምልክታት’ውን ዝሰማምዑ ኣይመስሉን ክብል እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ሓካይም ኣብቲ ዘይስሩዕ ምውጻእ ሽንቲ ደገ ብዙሕ ኣተኩሮ ይህቡ'ኳ እንተነበሩ፡ ፍርቂ ካብቶም ድርቀት ኣለና ዝበሉ ሰባት ጥራይ እዮም ግን ብሓቂ እዚ ምልክት ዝረኣየሎም።

ከብዱ ዝሓመመ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ተመራመርቲ እንታይ ይብሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መብዛሕትኡ ግዜ ድርቀት ዘጋጥም ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ጽሕጊ (fibre) ወይ ዋሕዲ ፈሳሲ ኣብ ኣመጋግባና እዩ።

ብዘይካኡ'ውን ድርቀት ከም ምልክት ካልእ መሰረታዊ ጸገም መንሽሮ መዓንጣ፡ ሕማም ዳይቨርቲኩላር ክኸውን ከምዝኽእል ብምሕባር ምልክታት ድርቀት እንተ ኣጋጢሙካ ኵሉ ግዜ ንሓኪምካ ምውካስ ኣገዳሲ ምዃኑ ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ዶክተር ኤሪኒ ዲሚዲ ትሕብር።

ሕማም ዳይቨርቲኩላር፡ ጽሕጊ ብዘይምምጋብና ዝስዕብ ነድሪ ገፊሕ መዐንጣ) ወይ ሕማም ሲልያክ (እዚ ስርዓተ ምክልኻልካ ን ቲሹኻ ከጥቅዖም እንከሎ እዩ። እዚ ድማ ንቀጢን ማዓንጣኻ ይሃስዮ እሞ ከምቲ ዝግብኦ ማዕድናት ኣይመጽውን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ውጽኣትን ቅርጸትን ይኸት።

ዶክተር ኤሪኒ ወሲኻ፡ "ሰባት ብሰንኪ ፍርሕን ሕፍረትን ካብ 6-12 ኣዋርሕ ስለዝጽበዩ፡ እቲ ጸገም ካብ ካልኦት ጸገማት ጥዕና ንላዕሊ ኣተኩሮ ናይ ምርካብ ተኽእሎኡ ትሑት'ዩ። ስለዝዀነ ኣካላትካ ክትሰምዖ ኣለካ፡” ትብል።

ብዘይካዚ፡ ኵሉ ብጸገማት ምሕቃቕ መግቢ ዝብገስ ድርቀት ሓደ ዓይነት ኣይኮነን፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ድማ ዝተፈላለየ ምልክታት ከምዘለዎም እዮም ብዙሓት ሰብ ሞያ ዝጠቕሱ ።

ክንደይ ግዜ ደገ ክንወጸእ ኣለና?

እዚ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኣዝዩ ክፈላለ ዝኽእል ብምዃኑ፡ ንምምላሱ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ድርቀት ዘይነበሮም ሰባት ኣብ ሰሙን ሸውዓተ ሳዕ ሽንቲ ደገ ምውጻእ ማእከላይ ገምጋም ምዃኑ ተገሊጹ።

ክኢላታት ግን ካብ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ክሳብ ሰለስተ ግዜ ንሰሙን ሽንቲ ደገ ምውጻእ ንቡር እዩ ይብሉ።

ስለዚ ንዓኻ ንቡር ዝዀነ ኣየናይ ምዃኑ ክትፈልጥ ኣለካ፤ ድሕሪኡ ድማ ንዘጋጥም ለውጢ ምስትብሃልን ምጥንቓቕን የድሊ።

ድርቀት ንምውጋድ ኣመጋግባና ምዕራይ ቀዳማይ  ኣማራጺ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድርቀት ምስ ዘጋጥም ዘለዉና ሕክምናዊ ኣማራጺታት እንታይ እዮም?

ብመሰረት ምኽሪ (NHS)ኤንኤችኤስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ጸገም ባዕሎም ኣለልዮም ኣብ ኣመጋግባኦም ዘሎ ፋይበር ብምውሳኽን ዝያዳ ፈሳሲ ብምስታይን ክፈትሕዎ ይፈትኑ እዩ ዝብል።

ፋይበር ኣብ ፍሩታታት፡ ፍረታት፡ ጥረታት ኣዝርእቲ ወዘተ ይርከብ። ብተወሳኺ ዝያዳ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባርን ስሩዕ ኣመጋግባ ምዝውታርን እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ለውጢ ኣመጋግባን ኣነባብራን እንተዘይሰሪሑ ድማ ናይ መለሳለሲ መድሃኒት ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

እቲ ጸገም እንተቐጺሉ ግን ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ብምኻድ ኵነታት ጥዕናኻ ምርኣይን ተወሰኽቲ ምልክታት ከይህልዉኻ ምክትታልን ኣገዳሲ እዩ።