ካብ ሶርያ ናብ ኤውሮጳ፡ 11 ዓመታት ዝወሰደ ጕዕዞ ስደት

ካህሊል
Published

ካህሊል፡ ካብ ሶርያ ክወጽእ እንከሎ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር እናሓየለ፡ መዓልታዊ ጐንጺታት እናበዝሑ ይመጽኡ ነይሮም።

ኣብ ምዕራብ ሶርያ ዞባ ሆምስ፡ ምስ ወለዱን ክልተ ንኣሽቱ ኣሓቱን ይነብር ነይሩ።

ኣቡኡ መራሒ ታክሲ’ዩ።

ሆምስ፡ ኣብ ሶርያ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ሶርያ ኰይና፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ኣስታት 1.5 ሚሊዮን ሰባት ይነብሩላ ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ 2011 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ)፡ እቲ ንበሽር ኣል-ዓሳድ ዝዓለወ ተቓውሞታት ክጅምር እንከሎ ድማ፡ ቀንዲ ዓውደ ውግእ ተራጸምቲ ወገናት ኰይና።

“ዓደይ፡ ኣብ መንጐ ክልተ እምባታት እያ ዘላ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ከኣ ጐንጺ ነይሩ። ወተሃደራትን ዓመጽትን ንሓድሕዶም ብረት ክታኾሱ እንከለው፡ ካብ ኣፍ ብረት ሓዊ ክወጽእ ይርኢ ስለ ዝነበርኩ ኣዝየ ፈሪሐ” ይብል ካህሊል።

ኣብ መወዳእታ 2015፡ ዕጡቓት ሓይልታት ካብታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ዝነበረት ሆምስ ራሕሪሖም ወጺኦም፤ ኣብ ኢድ ቁጽጽር መንግስቲ ድማ ኣትያ።

ኣብ እዋን እቲ ናዕቢ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ዳርጋ ንዅሉ ሰላማዊ ንጥፈታት ተቓውሞ ከም ገበን ክቑጸሩ ዝገበረ ‘ሕጊ ጸረ-ሽበራ’ ተኣሲሮም። ኣቦ ካህሊል ዝኾነ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ’ዩ።

“መንግስቲ [ንኣቦይ] ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ። ምስ ወጽአ ንሕና [ከም ስድራቤት] ብዙሕ መከራ ኣሕሊፍና። ስለዚ ካብ ሶርያ ክንወጽእ ወሲንና” ይብል።

እቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዘካየዶ ጕዕዞ ስደት ድማ ካብዚ ይጅምር።

መጀመርታ፡ ሊባኖስ

ጐንጺ ሶርያ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 12 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው። ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ድማ ካብታ ሃገር ወጺኦም።

1.5 ሚልዮን ዝግመቱ ሶርያውያን ኣብ ጎረቤት ሃገር ሊባኖስ ይነብሩ።

ሊባኖስ፡ ልዕሊ 5.3 ሚልዮን ከም ዘለዋ ዝግመት ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ብዝሒ ስደተኛታት ዘለዋ ሃገር እያ።

ስድራ ካህሊል፡ ካብቶም ናብ ሊባኖስ ዝኣተው ቀዳሞት ስደተኛታት እያ። ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ገዛ ሓደ ሶርያዊ መሓዝኦም ጸኒሖም።

እንተዀነ፡ ኣብኡ ንዕኦም ዝኸውን ነገር ከም ዘየለ ስለዝተሰምዖም ካብታ ሃገር ክወጽኡ ወሲኖም።

ብሕጋዊ መገዲ ብነፋሪት ገይሮም ድማ ናብ ቱርኪ ከይዶም።

ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ቱርኪ ንሶርያውያን ማዕጾኣ ርሑው ገይራ’ያ ትቕበሎም ነይራ።

ኣብታ ሃገር ልዕሊ 3.6 ሚሊዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ኣለው። ኣብ ዓለም ኣዝዩ ልዑል ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ዘዕቘበት ሃገር’ውን እያ።

ስድራ ካህሊል ኣብ ርእሰ ከተማ ኢስታንቡል ክትነብር ጀሚራ። ኣብታ ከተማ ካብ ዝነብር 16 ሚሊዮን ህዝቢ እቶም ልዕሊ 500 ሽሕ ሶርያውያን ከም ዝዀኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካሃሊል ኣብ ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, khalil

ኣብታ ከተማ ንኣርባዕተ ዓመታት ምስ ነበሩ፡ ኣብ መንጐ ስደተኛታትን ደቂ ‘ታ ዓድን ወጥሪ እናሰፈነ ምስ ከደ ምስቲ ሕብረተሰብ ክውሃሃዱ ተጸጊሞም።

“ኣብ ኢስታንቡል [ቱርካውያን] ቈልዑ መጺኦም ‘ናብ ሶርያ ዘይትኸይድ?’ ይብሉኒ። ብሰንኩ ብዙሕ ጸገማት የጋጥመኒ ነይሩ፤ ግን ብእኡ ዝሻቐል እንተዀይነ ዝልወጥ ነገር ኣይህሉን ኢለ ናይ ባዕለይ ህይወት ምንባር መሪጸ” ይብል ካህሊል።

ኣብ መፋርቕ 2019፡ ቱርኪ ኣማኢት ሶርያውያን ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ትመልሶም ኣላ ዝብሉ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ኣብቲ ግዜ፡ መንግስቲ ቱርኪ ነዚ ክሲታት ነጺጉዎ።

በዚ ዝሰግኡ ስድራ ካህሊል ግን፡ ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ወሲኖም። ናብ ግሪኽ ንምኻድ ናብ ደቡብ ምዕራባዊት ከተማ ቦድሩም ኣቕኒዖም።

ሰለስተ ግዜ ክሰግሩ ፈቲኖም፤ ኣይሰለጦምን። ኣብ ራብዓይ ፈተነ ኣስታት 50 ሰባት ብዝጸዓነት ጃልባ ገይሮም ኣብ ደሴት ግሪኽ ዝዀነት ኮስ ኣትዮም።

“ኣብ ሕልሚ ዘለና መሲሉ ተሰሚዑና፤ በዚ ስለ ዝተሓጐስናን ብሰላም ስለ ዝኣተናን ንኣምላኽና ኣመስጊንና። ‘ተዓዊትና’ ኢልና። ሕጂ ንመጻኢና ክንሓስብ ንኽእል ኢና’ውን ኢልና” ይብል።

‘ዝወደይ ርግጸኛ ዲኻ?’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ‘ሕልሚ’ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ኣብ 2020፡ ስደተኛታት ካብ ማያት ግሪኽ ናብ ቱርኪ ይስጐጉ ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ወጺኦም።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት መንግስቲ እታ ሃገር ነቒፎም። ሰብ መዚ ግሪኽ ግን ንስደተኛታት ኣይወጻዕናን ብምባል ነቲ ክስታት ይነጽጕዎ።

ኣቦ ካህሊል ኢብራሂም፡ ንሕና’ውን ክንስጐግ ንኸውን ኢና ኢሉ ሰጊኡ።

ካህሊል ድማ፡ ካብታ ስድራ ተፈልዩ ንበይነይ ናብ ኤውሮጳ ክኸይድ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ።

“መጀመርታ ኣቦይ ኣይፋል ኢሉ። ቁሩብ ምስ ሓሰበሉ ግን፡ ‘ዝወደይ፡ ርግጸኛ ዲኻ?’ ኢሉኒ። ‘እወ’ ኢለዮ። ‘ሕራይ በል። ኣብ ቀረባ ክትከይድ ኢኻ፤ ተዳሎ’ ኢሉኒ” ይብል።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ። ሽዑ ወዲ 13 ዓመት ነይሩ።

ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ድማ ናብ ኣልባኒያ ጕዕዞ ጀሚሩ።

ንልዕሊ 165 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ተጓዒዞም፤ እምባታትን ሩባታትን ኣቋሪጾም። ካብ ቱናን ሓይሊ ወሃብቲ ቸኮሌታትን ወጻእ ግን መግቢ ዝብሃል ኣይነበረን።

እታ ጕጅለ፡ ማይን መደቀስን ጥራይ ከይትስእን ጥራይ ጻዕሪ ትገብር ነይራ።

እቲ ኣዝዩ በዳሂ ጕዕዝኦም ከኣ ብቴሌፎናቶም ይቐድሑዎን ምትብባዕ ንከይስእኑ እናተዋዘዩ ይጕዓዙን ነይሮም።

እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዝሓሰቡዎ ዓዲ ምስ በጽሑ ንስድርኦም ዘካፍሉዎ ዝኽሪ ክኸውን’ዩ ዝብል ግምት ነይሩዎም።

ንኽልተ ሰሙን ምስ ተጕዓዙ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ኮሶቮ ዝዀነት ፕሪስቲና ኣትዮም። ጕዕዝኦም ቀጻሊ ስለ ዝነበረ ግን ኣየዕረፉን፡ ናብ ሰርቢያ ተበጊሶም።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ካህሊል ናብ ርእሰ ከተማ ሰርቢያ ቤልግሬድ ኣትዩ።

“ኣመና ደኺመ’የ ዘለኹ፤ ዓቕሚ የብለይን” ይብል ኣብቲ ዓርሱ ዝቐድሖ ምስሊ።

እዚ፡ ናብ ስድርኡ ዝሰዶ መልእኽቲ ነበረ።

ጕዕዞ ስደት ካህሊል ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ
መግለጺ ስእሊ, ጕዕዞ ስደት ካህሊል ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ

ተደጋጋሚ ፈተነታት

ካህሊል፡ ብሰርቢያ ኣቢሉ ናብ ኦስትሪያ ወይ ኔዘርላንድ ክኸይድ እዩ ዝደሊ ነይሩ።

ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ንምስጋር ተደጋጋሚ ፈተነ ገይሩ፤ 11 ግዜ ናብ ሃንጋሪ፣ ሰለስተ ግዜ ናብ ክሮሺያ፣ ሓደ ግዜ ድማ ናብ ሮማንያ። ኣብ ኵሎም ፈተነታት ኣይቀንዖን።

ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ፡ ብሰንኪ ኣብ ጽንኵር ኵነታት ኣየር ዝገበሮም ነዊሕ ናይ እግሪ ጕዕዞታት፡ ከምኡ ዓይነት ጕዕዞ ክገብር ዝብድሆ ጥዕናዊ ጸገማት ኣማዕቢሉ።

ቀስ ብቀስ ተስፋ ቈሪጹ ኣብ ቤልግሬድ ኰፍ ክብል ተገዲዱ።

ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትው ዝፈተኑ ስደተኛታት ነቲ መገዲ ባልካን ተባሂሉ ዝጽዋዕ መገዲ ከም ዝተጠቐምሉ ይግመት።

ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኤውሮጳ (ECRE)፡ ካብዚኦም እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብኣስገዳድ ከም ዝተመልሱ፣ ብዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ሓለውቲ ዶባትን ዓመጽን ምግፋዕን የጋጥሞም ከም ዝነበረን ንዝተፈላለዩ ጥዕናዊ ሓደጋታት ኣብ ዘቃልዕ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከም ዝወደቑን ይገልጸዕ።

ሕጂ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ዝዀነ ካህሊል ንቢቢሲ ኒውስ ሰርብያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ቤልግሬድ ናተይ ከተማ ኰይና ኣይትስምዓንን፤ ግን ኣብዚ ኣዝየ ሕጕስ’የ” ኢሉ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ርእሰ ከተማ ሰርብያ ሓዳሽ ቤት ካህሊል ኰይና ኣላ። ትምህርቲ ጀሚሩ፤ ቋንቋ እንግሊዝኛን ሰርብያን ተማሂሩ፤ ብዙሓት መሓዙት ድማ ኣፍርዩ።

ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ሰርቢያ ንዝርከቡ ህጻናት ስደተኛታት ዝሕግዝ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣገልግሎት ስደተኛታት ጀሱት (JRS) ኣብ ዘዳለዎ መዕቈቢ ይርከብ።

“መደቀሲ ክፍለይ እዚኣ’ያ፤ ኣብ ትርፊ ሰዓት ድማ ስእሊ ምስኣል ይፈቱ” ይብል።

ኣብ መንደቕ እቲ ዘለወሉ ክፍሊ ካብ መንጐ ዝተሰቕሉ እታ ሓንቲ፡ ኣብ ቅርጺ ልቢ ዝተሰቘረት ፈላመይቲ ፊደል ሽም ኣዲኡ ኣላ።

ካልእ ድማ፡ ብባሕሪ ገይራ ናብ ሰማይ እትበርር ክንፊ መላእኽቲ ዘለዋ እትመስል ቈልዓ ትርአ።

“እዛ ቈልዓ ሰብ የብላን፤ ኣብቲ ግዜ ከምኡ’ዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ንዕኡ ድማ ከርኢ ደልየ። ኣብ ግሪኽ፣ ኣልባኒያ፣ ኮሶቮ . . . ድሕሪ ዘጋጠመ ነገራት ደኺሙኒ እዩ ነይሩ። ናብዚ መጺአ፤ ‘ኣምላኽ ይመስገን፤ ኣብዚ ከዕርፍ እየ’ ኢለ ድማ ሓሲበ። ሕጂ ህይወተይ ጽቡቕ’ዩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል” ኢሉ።

ናይ መወዳእታ ምዕራፍ፡ ስድራ መሊሳ ተራኺባ

ካህሊል ኣብ ሰርቢያ እንከሎ፡ ስድርኡ ኣብ ግሪኽ’ዮም ጸኒሖም።

ኣዲኡ፡ ናብ ኔዘርላንድስ ብምእታው ናይ ስደተኛ ወረቐት ክትረክብ ክኢላ።

ኣብ ወርሒ መስከረም 2023፡ እቲ ስድራ ናይ ምጽንባር ፍቓድ ረኺቡ፤ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ካህሊል ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ወለዱን ኣሕዋቱን ክራኸብ በቒዑ።

ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተፈላልዮም’ዮም ጸኒሖም፤ ሕጂ ዕቑባ ረኺቦም ኣለው።

ኣብ ዝቕጽል ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱን ኮምፒዩተር ፕሮግራሚን ከጽንዕን ተስፋ ይገብር።

“ሓደሽቲ መሓዙት ከፍሪ፡ ካብ ኲናት ርሒቐ ምስ ስድራይ ሰላማዊ ህይወት ክነብር እየ ዝደሊ። ኣብ ህይወት ዘጋጠመኒ ተመኵሮታት፡ ኣብ ነብስኻ ክትኣምን ከም ዘለካን፡ እትደልዮ ነገር ንከተዕውት ጥንካረ ክህልወካ ከም ዘለዎን’ዮም ምሂሮምኒ” ኢሉ።