‘ከም ሲኦል’ ኣብ ዝሞቓ መካይን ተዓፊኖም ዝሞቱ ዘለዉ ስደተኛታት

Published

ከም ዓሳታትን ጽዕነትን ተጸፍጺፎም፡ እንተወዲቕዎም ክሰብሮም ዝኽእል ኣቑሑት ተወሲኽዎምን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ሜክሲኮ ኣቋሪጾም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ጕዕዞኦም ከቢድ ስቓይን መከራን ከም ዝርእዩ ይገልጹ።

ጋብርኤላ ድሕሪ ክልተ ዘይሰመሩ ፈተነታት፡ ኣብ ትሕቲ ቃንጫ ዕፉን ዝመልአት ናይ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ መኪና፡ ብሙቐት እናተሞሽሎቐትን ትንፋስ እናሓጸራን ዶብ ኣሜሪካ ጥሒሳ ንምእታው ትፍትን ነይራ።

እዛ ጓል 40 ዓመት ቦሊቭያዊት፡ ጕዕዞኣ ንዘሳልጡላ ኣሰጋገርቲ 10 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል፡ ኣስታት 7,742 ኪሜ ተጓዒዛ ኣብ ጫፍ ደቡባዊ ክፋል ካሊፎርንያ በጺሓ ነይራ።

እቶም ዝሓለፉ ክልተ ፈተነታት ኣይሰመሩላን። ኣብቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝገበረቶ ፈተነ፡ ነቲ ተሓቢኣትሉ ዝነበረት ናይ መኪና መቐመጢ ባልጃ ከፊቱ ምስ ዝረኸባ “ፍሩይ ሰማያዊ ዝኣዒንቱ” ሓላዊ ዶብ ከም ዝተፋጠጠት ትዝክር።

ኣብቲ እዋን ድማ ምስቶም ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ስድራቤታ ንምርኻብ መዓልቲታት ጥራሕ ተሪፍዋ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብቲ ኣየር ዘይረክብ ዳሕረዋይ ክፋል መቐመጢ ባልጃ እታ መኪና  ኰይና፡ ብህይወት ክተርፍ ድየ ዝብል ጭንቀት ጥራሕ እዩ ዝነበራ።

“ውሽጢ እታ መኪና ሓዊ ኰይኑ ነይሩ” ክትብል ትዝክር፡ እታ ኣብዚ እዋን ሰነድ ዘይብላ ስደተኛ ኰይና፡ ኣብ ስራሕ ጽሬት ተዋፊራ፡ ኣብ ኣሜሪካ ትነብር ዘላ ጋብሪኤላ።

“እቲ ዓቢ ጸገም ግን ኣብታ መኪና ኣየር ከምዘየለ እዩ ዝስመዓኒ ነይሩ፤ ክተንፍስ ኣይከኣልኩን። ዝዕፍን እዩ ነይሩ።”

ዋላ'ኳ ስግኣት እንተነበራ ጕዕዞኣ ግን ሰሊጡ፤ ኣሜሪካ ካብ እትኣቱ ዓመት ገይራ ኣላ። ኵሉ ግን ኣይኮነን ዝቐንዖ።

እቲ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ቴክሳስ፡ 53 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ መኪና ሞይቶም ዝተረኸቡሉ ዘሕዝን ክስተት፡ እቲ ሓደጋ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘዘኻኸር ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት በቲ 39́ ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ሓያል ዋዒን ጽምእን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ መዚ ይግምቱ።

“ኣብ ሓንቲ ተሰሓቢት፡ ብዙሓት ሰባት ተጸቓቒጦም ክህሉ ዝኽእል ኵነታት ክግምቶ ይኽእል እየ” ትብል ጋብርኤላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት።

“ሓያል ሙቐት እዩ ዝኸውን፤ ኣብ እቶን ከም ዝኣተኻ ወይ ኣብ ኣፍደገ ሲኦል ከም ዝበጻሕካ ይስመዓካ ይኸውን።”

እቲ ተጓንፎ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዘጋጠሙ እቲ ዝኸፍአ ብዙሓት ዝሞትሉ እዩ።

እቶም ግዳያት ልዕሊ 20 ሜክሲካውያን፣ 14 ደቂ ሆንዱራስ፣ ክልተ ጓቲማላውያንን ክልተ ሳልቫዶራውያንን የጠቓልል።

ምስ ምስግጋር እቶም ግዳያት ብዝተሓሓዝ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣውቲስታ ድማ ምስቶም ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት ተመሳሲሉ ካብ ማእሰርቲ ንምህዳም ከም ዝፈተነ ተገሊጹ ኣሎ።

ብሰንኪ እቲ ሓያል ሙቐት ጉድኣት ወሪድዎም ብህይወት ዝተረፉ ስደተኛታት ድማ ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሎም ኣሎ።

ተሓላቒት መሰል ስደተኛታትን ነበር ሰራሕተኛ ሓለዋ ዶብን ጄን ቡድ፡ ስደተኛታት ኣብ መኪና ሓቢእካ ንምስግጋር ዝግበር ፈተነታት፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ መዓልታዊ ከምዘጋጥምን መብዛሕትኡ ድማ ብሞት ከም ዝዛዘምን ትገልጽ።

ሓደገኛ ምዃኑ'ኳ እንተፈለጡ፡ ረብሓኦም ጥራይ ዘቐድሙ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ግን ብዙሓት ሰባት ጸፍጺፎም ኣብ መኪና ይጽዕኑ።

ሓደ ግዜ ጐቦታት ኣብ ዝበዝሕዎ ከባቢ ዶብ፡ ሓንቲ ፒክኣፕ ዝዓይነታ ኣረጊት ፎርድ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና እናተጓዓዘት ረኺባ።

ነታ መኪና ምስ ፈተሸታ 30 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሓድሕዶም ተደራሪቦም ደቂሶም ረኺባ።

“ከም ዓሳታት ተጸፍጺፎም ነይሮም” ትብል።

“ኣዐርዩ ሓደገኛ እዩ፤ ከምአን ዝበላ መካይን ይግልበጣ እየን። ብታሕቲ ዝዀኑ ሰባት ይዕፈኑ እዮም፤ ልሙድ እዩ።”

ብተወሳኺ እቶም ኣስገርቲ ነቲ ናይ መዓልቲታት ጕዕዞ ናይ 15 ወይ 30 ደቒቓ ጕዕዞ ከምዝዀነ ብምዝራብ ነቶም ስደተኛታት ከም ዘዐሽውዎም ትገልጽ።

መን እዩ ተሓታቲ?

ዋላ'ኳ ሓደገኛ እንተዀነ፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣሜሪካን ናይ ዝበጽሑ ስደተኛታት ቍጽሪ ኣብ ዝለዓለ በጺሑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኣንድርያስ ኦብራዶር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ማእከላይ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዘሎ ድሕነትን ተስፋ ምቑራጽን ጠንቂ ሞት ስደተኛታት ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ንሱ ልሕሉሕ ቍጽጽር ዶብ እውን ከም ምኽንያት ይወስዶ።

እቲ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ሓደጋ እንክስማዕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበረ ፕረዚደንት ጓቲማላ ኣሌሳንድሮ ጊያማተይ እውን ድኽነት፡ ክሊማዊ ለውጥን ጸገም ድሕነትን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ዝድርኹ ምኽንያት እዮም ኢሉ።

ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ድማ፡ “መናድቕ ሃብቲ” ክንሃንጽ ኣለና ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ፡ እቲ መራሒ፡ ማእከላይ መርገጺ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ጌጋ ርድኢት ፈጢሩ እዩ ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰልፊታት ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን፡ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ዶብ ፕረዚደንት ባይደን፡ ፖለቲካዊ ምምቕቓል ከም ዘስዓበ ብምጥቃስ ሓድሕዶም ይካሰሱ።

ፖሊሲታት እቲ ፕረዚደንት ከቢድ ሳዕቤን ኣውሪዶም እዮም ክብል ዝወቅስ ኣባል ሪፓብሊካን ዝኾነ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ፡ ግሬግ ኣቦት፡ “በቲ ሞት ተሓታቲ ባይደን እዩ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ሞት ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ከቢድ ስጕምቲ ከም ዝወስድ ፕረዚደንት ባይደን ተሓንዩ ኣሎ።

እንተኾነ ከም ኣንድሪው ሩድማን ዝኣመሰሉ ኣጽናዕቲ ግን፡ ቅዋም መግስታት ኣሜሪካን ሜክሲኮን'ኳ እንተኾነ እቲ ጸገም አብ ሓጺር እዋን መፍትሒ ክረክብ ከም ዘይክእል ይዛረቡ።