ን38 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣሜሪካዊ ብመርመራ ዲኤንኤ ነጻ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, LA DISTRICT ATTORNEY'S OFFICE
ብቕትለት ተፈሪዱ ዳርጋ ንኣርባዕተ ዕቁድ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ሓደ ኣሜሪካዊ፡ ገበነኛ ዘይምዃኑ ብመርመራ ዴኤንኤ ድሕሪ ምርግጋጹ ነጻ ወጺኡ።
ሞውሪስ ሃስቲንግስ ነቲ ብ 1983 ዝተፈጸመ ቅትለት ሮበርታ ዊደርምየርን ክልተ ፈተነ ቅትለትን ገበነኛ ተባሂሉ እዩ ልዕሊ 38 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካሊፎርንያ ተኣሲሩ ጸኒሑ።
ካብ ዲኤንኤ ዝተረኽበ ሓድሽ ጭብጢ ግና እቲ ቀታሊ ኣብ 2020 ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ዝሞተ ካልእ ሰብ ምዃኑ እዩ ኣረጋጊጹ።
ሕጂ ወዲ 69 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሃስቲንግስ እቲ ብ1988 ዝተዋሃቦ ብይን ብ20 ጥቅምቲ ብምስራዙ ነጻ ወጺኡ ኣሎ።
ኣኽባር ሕጊ ሎስኣንጀለስ ካውንቲ ዲስትሪክት፡ ጆርጅ ጋስኮን ነቲ ኩነት “ዘሰንብድ ዘይፍትሓውነት” ክብል ገሊጽዎ።
“እቲ ስርዓተ ፍትሒ መንቅብ ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ንሓደ ብይን ክንጠራጠር ዝገብረና ጭብጢ ክንረክብ ከለና፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ግዴታና እዩ፡” ኢሉ።
ሮበርታ ዊደርምየር፡ ጾታዊ ዓመጽ ተፈጺምዋ፡ ኣብ ርእሳ ብጥይት ተሃሪማ እያ ኣብ ዳሕረዋይ ክፈል ናይ መኪናኣ ተረኺባ።
ሞውሪስ ሃስቲንግስ ብተደጋጋሚ ብቕትለት ተኸሲሱ ብምንባሩ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ብሞት ክቕጻዕ ጠሊቦም ኔሮም።
ፈለማ ደያኑ ክሰማምዑ እኳ እንተዘይከኣሉ ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ መጋባእያ ኣብ 1988 ምሕረት ዘይግበረሉ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።
ኣብታ ግዳይ መርመራ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፡ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባእታይ ተረኺቡ ኔሩ።
ሞውሪስ ካብ ዝተኣሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ገበነኛ ዘይምዃኑ ክሙግት እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ 2000 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ናይ ዲኤንኤ መርመራ ንምግባር ዝቐረበ ሕቶ ብኣኽባር ሕጊ እቲ ዲስትሪክት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብ 2021 ብዘቕረቦ ጥርዓን ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክግበር እንከሎ እቲ ዘርኢ ወዲተባዕታይ ናቱ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ።
እቲ ናይ ዲኤንኤ ውጽኢት ናይ ሓደ ብምጭዋይ ሰባት ገበነኛ ተባሂሉ ኣብ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብኣይ ምዃኑ እዩ ኣርእዩ።
ነቲ ብይን ንምስራዝ፡ ብ20 ጥቅምቲ ድሕሪ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ሞውሪስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ከምዘየማርርን ዝተረፈ ዕድሚኡ ከስተማቕር ከምዝደልን ተዛሪቡ።
“እዛ መዓልቲ ክትመጽእ፡ ንብዙሕ ዓመታት እየ ጸልየ፤ ኣጻብዕተይ ኣየወጣውጥን፡ ኣየማርርን፡ ዝተረፈ ህይወተይ ከስተማቕር ጥራሕ’የ ዝደሊ” ምባሉ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
