'ሓርበኛታት' ትግራይ፡ 'ናጻ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን' ዝረኽብሉ ደንቢ እንታይ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተኻየዱ ኲናት ዝተሳተፉን ዝተሰውኡን ተዋጋእቲ ብናጻ መንበሪ ገዛን ናይ ስራሕ ቦታን ክረኽቡ ዘኽእሎም ሕጊ ኣብ ግብሪ ክውዕል ገይሩ።
ብተወሳኺ፡ ናጻ ዕድላት ትምህርትን ሕክምናን ከምኡ’ውን ስራሕ ንምርካብ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝገብር እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብዚ “መሰልን ተጠቃምነትን ሓርበኛታት ትግራይ፡ ስድራ ስውኣትን ቤተሰበን ሓርበኛታት” ዝተባህለ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ዩ ግብራዊ ክኸውን ገይሩ ዘሎ።
በዚ መሰረት፡ “ስውኣት”ን ብህይወት ዘለውን “ሓርበኛታት” ከምኡ’ውን ስድራኦም ዘካተተ ከም ዝዀነ ዳይሬክተር መሰልን ረብሓን ሓርበኛታት ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣቶ ኣዲስኣለም ገብረስላሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ፡ ካብ 1967 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ዕጥቃዊ ቃልሲታት ዝተሳተፉ ውልቀሰባት ተጠቀምቲ ዝገብር እዩ ኢሉ።
ኣብዚ ምድብ ዝተኻተቱ “ውሑዳት ዘይብሃሉ ሓርበኛታት” ቅድም ኢሉ ብተመሳሳሊ መገዲ ተረባሕቲ ከም ዝዀኑን ኣብ ውሽጢ እዚ ሓድሽ ኣሰራርሓ ዘይካተቱሎም ጥቕሚታት ከም ዘለውን ኣመልኪቱ።
እዚ ደንቢ ብኻልኣይ ደረጃ ዝጠቐሶም ድማ፡ “ቃልሲ ወራር ምጽናት ዓሌት ህዝቢ ትግራይ” ኢሉ ዝገልጾ ብ2013 [ግ] ዝተኻየደ ኲናት ዘመላኽት ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣቶ ኣዲስኣለም፡ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ኣብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ዝተሳተፉን “ሕገ መንግስቲ ዝሕልው ዝነበሩ”ን ተወለድቲ ትግራይ “ሓርበኛ” ኣብ ዝብል ትርጓመ ከም ዝተኻተቱ ኣረዲኡ።
“እዚኦም መባእታዊ ድልየቶም፡ በቲ ዝተረፈ ኣካሎም ዓርሶም ክኽእሉ ምግባር እዩ። ነዚ ክበሃል እቲ ደንቢ ሓደ ሰብ ህይወቱ ንምምራሕ ዘኽእሉዎ ነገራት” ዘካተተ ክኸውን ጻዕሪ ተገይሩ’ዩ" ይብል።
እዚ ካብቶም ብቐዳምነት ዝዝርዝሮም ረብሓታት ናጻ ሕክምና ክረኽቡ ምግባር ኰይኑ፡ ኣብ ትካላት መንግስትን “ከም መጠን ዝህልዎም ጸገም ጥዕና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት” ናጻ ኣገልግሎት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ የመልክት።
ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት ሕክምና ዝሕከሙ እንተዀይኖም ድማ “እቲ ወጻኢታት ብመንግስቲ ከም ዝትካእ” ጠቒሱ።
እቶም “ሓርበኛታት” ስውኣት እንተዀይኖም ድማ ኣባላት ስድራኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝርከቡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ጥዕና ናጻ ሕክምና ዝረኽብሉ መሰል ከም ዝህቦም ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ደንቡ ኣባላት ስድራ ስውኣት ብምባል ዝገልጾም፡ በዓልቲ ቤት/ በዓል ቤት፣ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀኑ ቈልዑን ወለዲን’ዮም።
ብተወሳኺ፡ እዞም ውልቀሰባት ነጻ መንበሪ ገዛ ዝረኽብሉ ኣሰራርሓ ከም ዝተቐመጠ ይሕብር። እዚ ድማ፡ ናብ ውግእ ቅድሚ ምኻዶም ይነብርሉ ኣብ ዝነበረ፣ ናብ ውግእ ኣብ ዝወጽእሉ ኣድራሻ ወይ ኣብ ዝተወለድሉ ወረዳታት ከም ዝዀነ እቲ ደንቢ ይጠቅስ።
“ብኸፊል ቀዋሚ ጉዱእ ኣካል” እንተዀይኑ “መንበሪ ገዛ ይሃልዎ ኣይሃልዎ” መንግስቲ ገዛ ሰሪሑ ከም ዝህቦ የረድእ። እቶም ሓርበኛታት “ምሉእ ቀዋሚ ጉዱእ ኣካል” እንተዀይኖም ሰብ ሞያ ሕክምና “ዓርሶም ክናብዩ ይኽእሉ’ዮም” ክሳብ ዝብሉ መንግስቲ “ንመነባብሮ ዘድልዮም ቀረብን መንበርን” ከም ዘቕርበሎም ሓቢሩ።
ይዅን’ምበር፡ እቶም ምስ ሕክምናን መሬትን ዝተሓሓዙ ጉዳያት ካልእ መፈጸሚ ሕጊ ከም ዘድልዮም ኣቶ ኣዲስኣለም ገሊጹ። እዞም ሕጋጋት ምስ ወጽኡ ድማ መሰልን ተጠቃምነትን እቶም “ሓርበኛታት” ክኽበር ከም ዝጅምር ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
