ሓላፊ ኑክሌር፡ ከሚካላዊን ባይሎጂካዊን ኣጽዋር ሩስያ ኣብ ሞስኮ ተቐቲሉ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣዛዚ ሓይልታት ኑክሌራዊ፡ ከሚካላዊን ባዮሎጂካዊን ኣጽዋር ሩስያ ሌ/ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ኣብ ርእሰከተማ ሞስኮ ብዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ።

እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ ኣብታ ሃገር ዘይደክም ሓርበኛ፡ ንሓቂ ዝቃለስን "ንገበናት" ምዕራባውያን ኣብ ምቅላዕ ዓቢ ተራ ዝነበሮን ተገይሩ'ዩ ዝርአ።

ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ዩክረይን ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ "ገበነኛ ኲናት" ኢሉ ዝኸስሶ ጀነራል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ምንጭታት ሓቢሮም።

ጀነራል ኪርሎቭን ሓደ ምስኡ ዝነበረ ተሓጋጋዚኡን ካብቲ ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ከተማ ሞስኮ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እናወጹ እንከለዉ ኣብ 'ኤለክትሪክ ስኩተር' ብዝተጻወደ ነታጒ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሩስያ ገሊጾም።

እቲ ኣንጻር ምዕራባውያን ሃገራት ዝተጋነነ ጋዜጣዊ መብርሂታት ብምሃብ ዝፍለጥ ጀነራል ኣብ ሪያዛንስኪ ፐሮስፕክት ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እታ ከተማ'ዩ ዝነብር ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ እዋን "ዓቢ ኣፈኛ ናይቲ ክረምሊን ዝዝርግሖ ግጉይ ሓበሬታ" ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ጀነራል ኪርሎቭ፡ ኪኖ ምብታን ፕሮፖጋንዳ ዝኾነ መዝነት ዝነበሮን፡ ሓላፊ ኣካዳሚ ቲሞሸንኮ ራዴሽን [ኑክሌራዊ]፡ ከሚካላዊን ባዮሎጂካዊን ሓለዋ ኮይኑ ዘገልገለን እዩ።

ኣብ 2017 ድማ ኣዛዚ ራዴሽን፡ ከሚካላዊን ባየሎጂካዊን ሓለዋ ሰራዊት እታ ሃገር ኮይኑ ተመዚዙ።

ትማሊ ሰኑይ ትካል ጸጥታ ዩክረይን (SBU)፡ እቲ ጀነራል "ዝተኣገደ ጃምላዊ ከሚካላዊ ኣጽዋር" ተጠቒሙ ዝብል ወግዓዊ ክሲ መስሪትሉ ነይሩ።

ንኽቕተል "ቅቡል ዒላማ እዩ" ክብል'ውን ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምንጪ እቲ ዩክሬናዊ ትካል ጸጥታ ተዛሪቡ።

እቲ ኣዛዚ ናብቲ ኣሃዱ ድሕሪ ምምጽኡ ጥራይ ልዕሊ 4,800 ግዜ ከሚካላዊ ኣጽዋር ከምዝተጠቕመ እቲ ዩክሬናዊ ትካል ስለያ ይኸስስ።

መንግስቲ ዩክረይን ዛጊት ብዛዕባ ቅትለት እቲ ሩስያዊ ጀነራል ብወግዒ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ከምዝብሎ፡ እቲ ጀነራል ዝእዝዞ ዝነበረ ኣሃዱ "ኣብ ዩክረይን ባርባራዊ ከሚካላዊ ኣጽዋር" ከምዝፈጸመ ይገልጽ።

ሞስኮ ግን ነቲ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ኮሚተ መርመራ ሩስያ፡ "ንቕትለት ክልቲኦም ኣባላት ሰራዊት ዝምልከት ገበናዊ ጉዳይ ከፊቱ" ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

"መርመርቲ፡ ክኢላታት ፎረንዚክስ (ምርመራ ሬሳ) ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብቲ ቦታ ፍጻመ ኣብ ስራሕ ይርከቡ"።

"ንኹሉ ኩነታት ናይቲ ገበን ንምጽራይ ዝዓለመ ናይ መርመራ ተግባራትን ስርሒታዊ ናይ ዳህሳስ ንጥፈታትን ይካየድ ኣሎ" ድማ ኢሉ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ወዲ 54 ዓመት ጀነራልን ተሓጋጋዚኡን ምስ 300 ግራም ቲ-ኤን-ቲ (TNT) ብዝዳረግ ነታጒ'ዮም ተቐቲሎም።

ብክኢላታት ቦምባታትን ብፍሉይ ናይ ምልላይ ክእለት ዘለዎም ኣኽላባትን ዝተኻየደ ዳህሳስ እቲ ከባቢ ከምዝተኻየደ ብምጥቃስ ዝኾነ ዝተረኽበ ተወሳኺ ነታጒ ከምዘየለ እቶም ጸብጻባት ይገልጹ።

ቅንጸላ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ሩስያ ክፍጸም ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ሞስኮ ልሙድ ኣይኮነን።

ነበርቲ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባቢ ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ እቲ ነትጒ ምስ ስራሓት ህንጻ ዝተሓሓዝ ኮይኑ ከምዝተሰምዖም ተዛሪቦም።

ኣብ ጎረቤት ናይቲ ህንጻ ዝነብር ተመሃራይ ሚካኤል ማሽኮቭ፡ "ኣዝዩ ከቢድ ድምጺ ነትጒ" ሰሚዑ ካብ ድቃሱ ከምዝተበራበረ ብምግላጽ፡ "ገለ ነገር ካብቲ ዝስራሕ ዘሎ ህንጻ ዝወደቐ" ኮይኑ'ዩ ተሰሚዕዎ ነይሩ።

ካልእ ነባሪት እቲ ከባቢ ዝኾነት ኦልጋ ጎሞሎቫ ብወገና፡ ሓደ ኮንተይነር ካብቲ ዝስራሕ ዝነበረ ህንጻ ዝወደቐ ኮይኑ ከምዝተሰምዓ ብምግላጽ፡ "ኣዝዩ ዘናውጽ ነትጒ'ዩ ነይሩ" ብምባል "ዝተሰባበረ መስኮት" ምስ ራኣየት ካልእ ነገር ምዃኑ ከምዝተረድኣ ጠቒሳ።

ካልኦት ነበርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ'ውን በቲ ኩነታት ከምዝሰንበዱ'ዮም ዝገልጹ።

ዋላ'ኳ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝገበረ እንተኾነ፡ ብዓይኒ ነበርቲ ሞስኮ፡ ካብኦም ኣዝዩ ዝረሓቐን ብመስኮት ተለቪዢን ጥራይ ዝከታተልዎን'ዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ሕምብርቲ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ቅትለት ናይ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ እቲ ኲናት ቀረባኦም ምዃኑ ዘዘኻኽር ኮይኑ'ሎ።

ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ እቲ ጀነራል ምድስካል ሃብትን ማዕቀብ መገሻን ዝርከብዎም እገዳታት ኣንቢራ ምንባራ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ነቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ ከሚካላዊ ኣጽዋር "ከም ናይ ኲናት መሳርሒ" ትጥቀመሉ ኣላ ክትብል ኣመሪካ ከሲሳ ነይራ።

ሰበስልጣን ዋሽንግተን ከምዝብልዎ ሩስያ፡ ኣብ "ውግእ ላዕለዋይ ኢድ" ንምርካብ 'ክሎሮፒስሪን' ዝተባህለ ዓቢሱ ዝቐትል ስነቀመማዊ ባእታ ከምዝተጠቐመት'ዮም ዝኸሱ።

ትካል ስለያ ዩክረይን ብወገኑ፡ ሞስኮ ድሮናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዩክረይን ከሚካላዊ ኣጽዋር ከምዝደርበየት ይገልጽ።

ዩክሬናዊ ኮለነል ኣርተም ቭላሲዩክ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 2000 ብስነቀመማዊ መጥቃዕቲ ዝተመረዙ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ሆስፒታላት ሕክምና ከምዝተገብረሎም ሓቢሩ ነይሩ።

ክረምሊን ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ "መሰረት-ኣልቦ" ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ነጺግዎ ነይሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት'ውን ሓደ ፍሉጥ ሩስያዊ ክኢላ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ተቐንጺሉ ነይሩ'ዩ።

ማዕከናት ዜና ዩክረይን ከምዝገለጽዎ፡ ሚካኤል ሻትስኪ ብወተሃደራዊ ስለያ ዩክረይን ተቐቲሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ።