ዩክረይን ብቐዳም ንዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ስዒቡ ምዕራባውያን ብኣጽዋር ክሕግዝኣ ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ብሚሳይል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሩስያ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም 7 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ተወሳኺ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋርን ምክልኻል ኣየርን ንክወሃቦ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።
ሩስያ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ምብራቕ ከተማ ዛፖሪዝዝያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቪልኒያንስክ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ካልኦት 31 ሰባት እውን ከምዝቖሰለ ሰበስልጣን ዩክሬን ገሊጾም።
ብሓፈሻ ትማሊ ቀዳም ኣብ መላእ ዩክረይን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ብውሕዱ 11 ሰላማውያን ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 37 ድማ ከምዝቖሰሉ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።
ዘለንስኪ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ከተማታትናን ማሕበረሰባትናን ብኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲታት ሩስያ መዓልታዊ ኣብ ስቅያት ኣለዉ" ክብል ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ "ነዚ ንምብዳህ መንገድታት" ከምዘሎ ብምሕባር፤ እቲ መገዲ ከኣ "ናይ ሩስያ መወንጨፊ ሚሳይላት ምዕናው፡ ብናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋር ምውቃዕን ቁጽሪ ዘመናዊ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ምውሳኽን" ዘጠቓልል ምዃኑ ኣነጺሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ቪልኒያንስክ ኣብ ጥቓ ዝነድድ ህንጻ ዝተፍሓረ ዓቢ ጕድጓድ ከምኡ’ውን ኣብ መሬት ዝተዘርግሑ ብዙሓት ሬሳታት ዘርእይ ምስልታት እውን ዘርጊሑ’ሎ።
ክልተ ሚሳይላት ነታ ከተማ ከምዝወቅዕዋ ዝገለጸ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዩክሬን ኣንድሪ ኮስቲን ብወገኑ መሰረተ ልምዓት፣ ሓደ ድኳንን መንበሪ ህንጻታትን ከምዝሃሰየ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ግን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዛጊድ ብወግዒ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዩክረይን ኣንድሪ ኮስቲን ኣብ ካልኦት ከባብታት እውን መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከምዝተፈጸመ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶኔትስክ ጥቓ ግንባር ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ዓድታት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መዳፍዕ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን 7 ከምዝቖሰሉን ወሲኹ ገሊጹ።
ምዕራባውያን መሻርኽቲ ንዩክረይን ቅድም ክብል ብርክት ዝበሉ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋር ከምዘዕጠቕኣ ይፍለጥ። እዚ ድማ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ስካልፕ ሚሳይላት፣ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ስቶርም ሻዶው ከምኡ'ውን ካብ ኣሜሪካ ዝመጹ ስልታዊ ስርዓት ሚሳይላት (ኤቲኤሲኤምኤስ)ን ስርሓት ኣመሪካ ዝኾኑ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ‘ፓትሪዮት’ የጠቓልል።
ዩክረይን ግን እዚ ክሳራ ህይወትን ምድፋእ ሰራዊት ሩስያን ዘጋጥም ዘሎ ብሰንኪ ምድንጓይ ኣጽዋር፣ ሕጽረት ተተኮስትን ምክልኻል ኣየር ሚሳይላትን ከምዝኾነ ተመኽንይ።
ስለዝኾነ ድማ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብቲ ኲናት ንምዕዋት ተወሳኺ ደገፍ ክግበር ጻውዒት ምቕራብ ቀጺሉሉ ኣሎ።
ኣብቲ ብቴሌግራም ዝዘርግሖ መልእኽቲ መሓዙት ሃገራትን መንግስታትን ንዝገበርዎ ሓገዝ ብምምስጋን እንተኾነ ግን "ኣብ ዝኾነ ይኹን ውሳነታት እዚ ኲናት ዝፍጠር ምድንጓይ ምጥፋእ ህይወት ደቂ ሰባት እዩ ዝኸውን" ብምባል፤ ተወሳኺ ኣጽዋር ንምልኣኽ ዝውሰድ ውሳነታት "ክቀላጠፍ ኣለዎ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
