ዒድ ኣልፈጥር ብኸመይ እዩ መዓልቱ ዝውሰን?

Published

ቅዱስ ወርሒ ሮሞዳን ኣስላም፡ ብዒድ ኣልጥፈር ኣዝዩ ኣገዳሲ ሃይማኖታዊ በዓል እዩ ዝዛዘም። ኣብቲ ዕለት ስድራቤታት ከካብ ዝነበርዎ ተኣኻኺቦም ብሉጽ ኣልባሳቶም ተኸዲኖም ብሓደ ሓቢሮም ነቲ ድግስ የብዕልዎ። ይዅን እምበር እዚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ዓለማዊ ፍጻመ፡ መዓስ ከም ዝፍጸም ምፍላጥ ብዘገርም መልክዑ ዝተሓላለኸ እዩ።

ሓይሊ ወርሒ

መወዳእታ ሮሞዳን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ብዙሓት ካብቶም 1.9 ቢልዮን ዝዀኑ ኣስላም ዓለምና፡ ነቲ ድግስ ንምጅማር ግዜኡ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ንምርኣይ፡ ንጹር ሰማይ ክኾኖሎም ብድሮ ተስፋ ገይሮም ይጽበዩ።

ዓውደ ኣዋርሕ [ካላንደር] ኣስላም፡ ሉናር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣቈጻጽራ 12 ኣዋርሕ ዝኽተል ኰይኑ፡ ታሽዐይቲ ወርሒ ሮመዳን እያ። ን ኣስላም በዚ ኣቈጻጽራ'ዚ ዕለት ምክትታል፡ ኣብ ምስትምቓር ሮሞዳን ከይተረፈ ጽልዋ ስለዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ዓመት መጸ፡ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሉናር ካላንደር ቅድሚ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ሶላር ካላንደር’ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣስታት 11 መዓልታት ኣቐዲሙ እዩ ዝውዳእ።

ኣስላም ኣብ እዋን ሮሞዳን፡ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ካብ መግብን መስተን ተቘጢቦም ይጾሙ። እስላማዊ ኣዋርሕ ኣብቲ ዝተወሰነ ወቕትታት ዘለዎ ‘ሶላር ካላንደር’ ዝተመርኮሰ አንተዝኸውን፡ ኣብ ዝተወሰኑ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ሰባት ኣብቲ መዓልቲ ዝነውሓሉ ሓጋይ ሮሞዳን ምሃለዎም፤ እቶም ኣብ ካልእ ክፋላት ዝነብሩ ድማ ኣብቲ መዓልቲ ዝሓጽረሉ ክረምቲ ምወዓለ ነይሩ።

‘ሉናር ካላንደር’ ብምኽታል፡ ነፍሲ ወከፍ ኣስላማይ ኣብ ዝተፈላለየ ወቕቲ'ዩ ዝጸውም (እዚ ድማ ኣብ ከባቢ 33 ዓመታት ዕለታዊ ዝነውሐ ወይ ዝሓጸረ መዓልቲ ይጸውም)።

ኣብ ኣቈጻጽራ ዘሎ ምድንጋራት

በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዓስራይ ወርሒ ሸዋል ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ይውዕል፡ ኣብ ውሽጢ እስልምና ግን እዚ ብልክዕ መዓስ ምዃኑ የካትዕ እዩ።

ገሊኦም ዝተሰርዐ ናይ ‘ሉናር ካላንደር’ ኣቈጻጽራ ክኽተሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ምምጻእ ሓዳስ ወርሒ ንምእዋጅ ስነ-ፍልጠታዊ ቅማረታት ክጥቀሙ ይረኣዩ፤ መብዛሕትኦም ኣስላም ድማ ብጭቡጥ ኣብ ሰማይ ወርሒ ምስ ተቐልቀለት ጥራይ እዮም ሓድሽ ወርሒ ዘብዕሉ። እዚ ብተለምዶ ብ መራሕቲ እስልምና (እስላማውያን ሰበስልጣን) እምበር ብ ባዕሎም ሰማይ ዝጥምቱ ውልቀሰባት ዝፍጸም ኣይኮነን።

ዒድ ሎሚ ዓመት

ነቶም ወርሒ ብምራኣይ ዒድ ዝውስኑ፡ ከከምቲ ኣብ ዓለም ዘለኻዮ ቦታ ኰይኑ፡ ካብ ዓርቢ 21 ሚያዝያ ወይ ቀዳም 22 ሚያዝያ ክጅምር ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ።

ይዅን እምበር ኣስላም ነዚ ንምርግጋጽ ገና ክሳብ ቅድሚ'ታ ዒድ ምዃና ኣትረጋገጸላ ዘላ ለይቲ ክጽበዩ ግድን አዩ። ምኽንያቱ ኣዋርሕ ‘ሉናር ካላንደር’ 29 ወይ 30 መዓልታት ስለዝወስዱ። እዚ ድማ ከከምቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ኣብ ሰማይ እትረኣየሉ ዝምርኮስ እዩ።

ኣኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ደለይቲ ወርሒ፡ ካብ ዕራርቦ ጸሓይ ጀሚሮም ንሰማያት ምፍታሽ ይጅምሩ፡፡ ኣብ ዝሃለዉሉ ክፍሊዓለም ሃልዮም ድማ መበል 29 መዓልቲ ናይዚ ወርሒ ንምውጻእ ሓዳስ ወርሒ የቋምቱ።

ሓዳስ ወርሒ እንተርእዮም ንጽባሒቱ ጽምብል ዒድ ክኸውን እዩ። እንተዘይኮይኑ ግን ሓደ ተወሳኺ መዓልቲ ጾም ይካየድ፤ ናይ 30 መዓልቲ ወርሒ ንምፍጻም።

ንኣብነት፡ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ ብሓሙስ 20 ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሂላል ወርሒ ሸዋል፡ ሓሙስ 29 ሮሞዳን 1444 ሂጅሪያ፡ [20 ሚያዝያ 2023] ክትሰርቕ ትጽቢት ከም ዝግበር ብምሕባር፡ ወርሒ ኣብታ ዕለት ኣማስያኣ አንተተራእያ፡ ዒድ ዓርቢ 21 ሚያዝያ ከምዝኸውን፤ እዚ እንተዘይኰይኑ ግን ዓርቢ 21 ሚያዝያ መዛዘሚት ወርሒ ሮሞዳን ተቘጺራ፡ ዒድ ቀዳም 22 ሚያዝያ ብምግላጽ፡ ኣመንቲ ሓሙስ ምሸት ማዕከናት ዜና ክከታተሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ኤች ኤም ኖቲካል ኣልማናክ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን፡ ሓዳስ ወርሒ ካብ ዓርቢ 21 ሚያዝያ ጀሚሩ 'ብቐሊል ክትረአ' ኣለዋ። እዚ ማለት ድማ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዒድ ንጽባሒቱ ማለት ቀዳም 22 ሚያዝያ ክትከውን ምዃና መግለጺ ተዋሂቡ ነይሩ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ዋላ'ኳ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ፍልልዩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተዀነ፡ ዕለታት ዒድ ሓደ ዓይነት ኰይኑ ኣይፈልጥን።

ንኣብነት ኣብታ ብ ሱኒ ዝተዓብለለት መበቈል እስልምና ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ፡ ሰበስልጣን ንምጅማርን ምዝዛምን ሮሞዳን ብምስክርነት ናይቶም ንወርሒ ብዓይኖም ዝዕዘቡ ሓፋሽ ህዝቢ የፍልጡ። ድሕሪኡ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኣስላም እውን ነዚ ይስዕብዎ።

እታ ዝበዝሑ ተኸተልቲ ሺዓ ኣስላም ዘለዋ ኢራን ግን፡ ንወርሒ ብዓይኒ ምዕዛብ ኣብ ዝምርኮስ መንግስታዊ ኣዋጅ ትጽበ።

ከምኡ'ውን እታ ዝበዝሑ ሺዓ ኣስላምን ውሑዳት ሱኒን ዘለዋ ዒራቕ፡ ካብ ክልቲኦም ብምትሕውዋስ ትጥቀም።

እታ ብወግዒ ዓለማዊት ዝዀነት ሃገረ ቱርኪ ድማ ምጅማርን ምዝዛምን ሮሞዳን ንምውሳን ስነ-ፍልጠታዊ ቅማረታታት ትጥቀም።

ናብ ኣውረጳ ምስ እንመጸእ ድማ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ትዕዝብቲ ወርሒ ካልኦት ሃገራት ኣስላም ዝተሞርኮሰ እንተዀነ ዝበዝሑ ኣስላም ነቲ ብመራሕቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰባት ዝወሃቦም ምልክታታት ይጽበዩ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣመንቲ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ብዘሎ ቅልጣፈን ኣገባብን ምልውዋጥ ሓበሬታ፡ መዓልቲ ዒድ ብቐሊሉ ክፈልጡ ዝኽእሉ'ኳ እንተዀኑ፡ ንወግዓዊ ጽንብል እቲ በዓል ግን ካብ ቤት ጽሕፈት ዳረ'ል ኢፍታእ - ዝወሃብ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር እዩ።

ወርሒ ሸዋል ትማሊ ሓሙስ ምሸት ስለዝተራእየት፡ ሎሚ 21 ሚያዝያ ዒድ ኣልፈጥር ምዃኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ኣመንቲ ኣስልምና ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሓፈሻ ከባቢታት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳን ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ኣቈጻጽራ ሰዓታት ዝጥቀሙ ከባቢታትን ድሮ ዒድ ኣልፈጥር ከብዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።