ሓደ ሰብ ሓንጎል ብዝበልዕ ኣሜባ ተለኺፉ ሞይቱ

Published

ሓደ ነባሪ ፍሎሪዳ ሳሕቲ ብዘጋጥም በላዒ ሓንጎል ኣሜባ ተለኺፉ ከምዝሞተ ሰበስልጣን ገሊጾም።

እቲ ግዳይ፡ ሶርኖ ኣፍንጫኡ ብማይ ቧንቧ ድሕሪ ምሕጻቡ ከምዝተለኽፈ ክኢላታት ጥዕና ናይቲ ከባቢ ይዛረቡ።

ኔግለርያ ፋውለሪ (naegleria fowleri) ብኣፍንጫ ኣቢሉ እንተኣትዩ ረኽሲ ሓንጎል ከስዕብ ይኽእል።

ነዚ ኣሜባ ዝሓዘ ማይ ምስታይ ግን ሓደገኛ ከምዘይኮነ ሰበስልጣን ይገልጹ።

እዚ ኣሜባ ዘስዕቦ ረኽሲ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ቀታሊ ምዃኑ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ይሕብር።

ሰበስልጣን እታ ሃገር መንነት ናይቲ ግዳይ ኣየፍለጡን።

ብ23 ለካቲት፡ ክፍሊ ጥዕና ፍሎሪዳ፡ ሓደ ሕሙም ምናልባት ማይ ቧንቧ ተጠቒሙ ሶሮኖ ኣፍንጭኡ ብምሕጻቡ ከምዝተለኽፈ ገሊጹ ነይሩ።

ብሓሙስ ወሃቢ ቃል ትካል ጥዕና፡ እቲ ሕሙም ከምዝሞተ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ብዙሓት መንግስታዊ ትካላት ዝርከቡ ሰበስልጣን "እዚ ረኽሲ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ” የጻርዩ ከምዘለዉ ወሃቢ ቃል ጄ ዊልያምስ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ሰበስልጣን "ምስ ናይቲ ከባቢ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብምትሕብባር ዝኾነ ክህሉ ዝኽእል ምትእስሳር ንምልላይን፡ ኣድላዪ መአረምታ ስጉምትታት ንምውሳድን" ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኔግለርያ ፋውለሪ (naegleria fowleri) ኣብ ሓመድን ከም ቀላያት፣ ሩባታትን ውዑይ ምንጪታትን ዝበሉ ውዑይ ማያት ዝነብር ሓደ ዋህዮ ዘለዎ ኣሜባ እዩ።

ነዚ ኣሜባ ዝሓዘ ማይ ናብ ኣፍንጫ ምስ ዝድይብ ከቢድ ረኽሲ ሓንጎል ከስዕብ ስለ ዝኽእል ብተለምዶ “በላዒ ሓንጎል ኣሜባ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እንተኾነ ግን ኣሲድ ከስዐ ነቲ ሓደ ዋህዮ ዘለዎ ንእሽቶ ፍጥረት ስለ ዝቐትሎ ብኣፍ ኣቢሉ እንተኣትዩ ሓደጋ ኣየስዕብን።

በዚ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ፕራይመሪ ኣሜቢክ ሜኒንጂዮንሰፋላይትስ ዝበሃል ሕማም የማዕብሉ።

ምልክታት እቲ ኩነታት ሕማም ርእሲ፣ ሰዓል፣ ረስኒ፣ ተምላስ፣ ምዝንባል ኣንፈት፣ ምትራር ክሳድ፣ ሚዛን ዘይምቁጽጻር፡ ወቕዒን ወይ ውነኻ ምስሓትን ዝኣመሰሉ ይርከብዎም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሲዲሲ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ኣመሪካውያን በቲ ሕማም ይልከፉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ንሞት ዘሳጥሕ ሳዕቤን ኣለዎ።

ካብ 1962 ክሳዕ 2021፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝተለኸፉ 154 ሰባት እቶም ኣርባዕተ ጥራይ እዮም ብህይወት ክተረፉ ክኢሎም።

ሰባት ረኽሲ ንኸየጋጥሞም ብዘይተሓከመ ማይ ቧንቧ ንመተሓላለፊ ኣፍንጫኦም ክሕጸቡ ከምዘይብሎም ሰበስልጣን የጠንቅቑ።

ዝተሓከመ ወይ እንተወሓደ ንሓደ ደቒቕ ዝፈልሐ ማይ ቧንቧ ከም ኣማራጺ ምጥቃም ይከኣል’ዩ።

ሰባት ኣብ ዝሕንብስሉ ወይ ነብሶም ኣብ ዝሕጸብሉ እዋን’ውን ብኣፍንጭኦም ማይ ከይኣትዎም ክጥንቀቑ ከምዘለዎም ይምከር።