እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ 2035 ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ክኽርሽ ምዃኑ መጽናዕቲ የመልክት
ኣብ 2035 ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ናብ ደረጃ ክራሸ ዝበጽሐ ክብደት ክህልዎ ከምዝኽል፡ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ክራሸ ዝገበሮ መጽናዕቲ የመልክት።
እቲ ጸብጻብ ኣብ 2035 መብዛሕትኦም ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ ኣርባዕተ ቢልዮን ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክኽርሽ ከምዝኽእል እቲ ፈደረሽን ኣጠንቂቝ።
እተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለዋን ከም ኣብ በዓል ኣፍሪቃን ኤስያን ዝርከባ ሃገራት እተን ቅልጡፍ ብዝሒ ክረሻ ከመዝግባ ከምዝኽእላ’ውን እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ።
እቲ ፈደረሽን ከምዝሓበሮ፡ ካብ 2035 ጀሚሩ ሃገራት ብድምሩ ንፍወሳን ሕክምናን ክረሻ ዓመታዊ ልዕሊ 4 ትሪልዮን ዶላር ወጻኢታት ክገብራ ምዃነን ይሕብር።
ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ክራሸ ፕሮፌሰር ልዊስ ባውሩ፡ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሃገራት ኣብ ኣነባባራ ህዝበን ቅልጡፍ ለውጢ ከተኣታትዋ እንተዘይክኢለን ክስዕበን ዝኽእል ነገር ኣጕሊሑ ዘርኢ መጠንቀቕታ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ህጻናትን ኮተቴን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብዝሒ ክራሸ ካብ ኣብ 2020 ዝነበሮ ኣብ 2035 ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝዀነ’ዩ ዝሕብር።
ፕሮፌሰር ልዊስ ባውሩ፡ እቲ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝዀነ ብምሕባር፡ “መንግስታትን ነደፍቲ ሕግን ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ነገር ተተኻኢሉ ንምውጋድ እንተዘይኰይኑ ኸኣ ንምንካዩ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ክሰዐ ንምውጋድ ክሰርሑ ኣለዎም” ኢሉ።
90 ሚእታዊት ካብተን መጠን ክሰዐ ኣብ 2035 ክውስኸለን’ዩ ተባሂለን ተረቝሐን ዘለዋ ሃገራት፡ እተን ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ምዃነን’ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝሕብር።
ሓደ ካብ ጠንቂ ክሰዐ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ በቲ መጽናዕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኸኣ ዝተመስረሐ መግቢ ምምጋብ፣ ብኾፍካ ዝዕመም ስርሓት ምብዛሕ፡ መንግስታት ኣብ ምቍጽጻር መግቢ ዝኽተላኦ ልሕሉሕ ኣካይዳ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታርን፡ ትሑት ብቕዓት ዘለዎ ማእከላት ጥዕናን ካልእን ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ጠቂሱ ኣሎ።
ብተወሳኺ እቲ መጽናዕቲ፡ “እተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣብ ህዝበን ልዑል ብዝሒ ዘለዎ ክራሸ ምስ ዘጋጥም ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ክህባ ትሕተ ቅርጸን ስለዘይፈቕደለን፡ እቲ ቍጽሪ ክውስኽ ካብ ዘኽእሉ ጠንቅታት ሓደ’ዩ” ይብል።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ 2035 መጠን ክሰዐ 3 ሚኢታዊት ካብ ጃምላዊ እቶት ዓለም ክበልዕ ከምዝጅምር’ውን ኣጠንቂቝ።
ምሉእ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክርከብ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።