ኣብ መንገዲ ኣየር ቀጠር ብዘጋጠመ ነውፂ 12 ሰባት ጉድኣት በፂሑዎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዶሃ ናብ ኣየርላንድ ደብሊን ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቀጠር ብዘጋጠመ ታህዋፅ 12 ሰባት ተጐዲኦም።
እዛ ቦይንግ 787-9 ድሪምላይነር ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣብ ክሊ ኣየር ቱርኪ እዚ ታህዋፅ ከም ዘጋጠማ ተገሊፁ።
እንተኾነ እታ ነፋሪት ኣብ ትዓልበሉ ደብሊን ምብፃሕ ከም ዝኸኣለት ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ምምሕዳር መዕርፎ ነፈርቲ ደብሊን፡ ሰራሕተኛታት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ንመንገዲ ኣየር ቀጠርን ተጓዓዝትን ዘድልይ ድጋፍ ምሃብ ክቕፅሉ እዮም ኢሉ።
ብሰንኪ እዚ ታህዋፅ፡ ኣብ ሽድሽተ ገየሽትን ሽድሽተ መሳሰይቲ በረራን ጉድኣት ዝበፅሐ እንትኾን፡ ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ ምግብን መስተን ይቐርበሎም ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ንካልኢታት ሃንደበት እታ ነፋሪት ትወድቕ ከም ዘላ ይመስል ነይሩ ብምባል፡ ነቲ ዘፍርሕ ዝበልዎ ህሞት ገሊፆም።
ሓደ ካታል ዝተብሃለ ገያሻይ፡ እቲ ታህዋፅ እንተጋጥም ቅናት መንበርኩም እሰሩ ዝብል ምልክት ጠፊኡ ከም ዝነበረን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝተቐረበሉ ምግቢ ከም ዝወደቐን ተዛሪቡ።
ፖል ሞክ ዝተብሃለ ካልእ ገያሻይ ድማ፡ ቅናት መንበር (መዕጡቕ) ኣሲሮም ዘይነበሩ ሰባት በቲ ታህዋፅ ምስ ናሕሲ እታ ነፋሪት ክጋጨው ርእየ ኢሉ።
“ኣነ ቅናት መንበር ገይረ ነይረ። ምግቢ ይቐርብ ስለ ዝነበረ ብዙሓት መሳሰይቲ ተጐዲአን” ብምባል፡ ድሕሪ እቲ ክስተት ዝሕንክሳን ፋሻ ዝተጠቕለላን መሳሰይቲ ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ታህዋፅ፡ መሳሰይቲ ንተጓዓዝቲ ምስሳይ ከም ዝቐፀላ ድማ ሓቢሩ።
መንገዲ ኣየር ቀጠር ነዚ ፍፃመ ኣመልኪቱ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፡ “ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ተጓዓዝትን መሳሰይቲ በረራን ቀሊል ጉድኣት በፂሕዎም ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ይግበረሎም ኣሎ” ኢሉ።
ብዛዕባ እዚ ክስተት ምርመራ ከም ዝካየድ ድማ ገሊፁ።
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት’ውን ካብ ለንደን ናብ ሲንጋፖር ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ብዘጋጠማ ከቢድ ታህዋፅ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ካልኦት 140 ገየሽቲ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ይዝከር።
ካብዞም ዝተጐድኡ እቶም 20 ሕዚ’ውን ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
