እስራኤል፡ ካብቲ ኣብ ጀኒን ከተካይዶ ዝጸንሐት ስርሒት ስሒባ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

እስራኤል ብሓፈሻ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ጀኒን ንዝሓለፈ ትሽዓት መዓልታት ወተሃደራዊ ስርሒታት ድሕሪ ምክያድ ሰራዊታ ካብቲ ቦታ ከምዘውጽአት ገሊጻ።

ምዕራባዊ ገማግም ብብዝሒ ዕጡቓት ምሊሻታት ፍሊስጤም ዝንቀሳቐሱሉ ኮይኑ ኣስታት 60 ሽሕ ነባሪ ከምዘለዎ ይግለጽ።

ሰራዊት እስራኤል ከኣ እቲ ቦታ ደጀን ግብረሽበራውያን ከምዝኾነ ብምሕባር ንዝሓለፈ ትሽዓተ መዓልታት ኣብቲ ቦታ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ጸኒሑ።

እስራኤል ኣብቲ ቦታ ብዘካየደቶ ስርሒት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብሓፈሻ 36 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካብዚኦም እቶም 21 ካብ ከተማ ጀኒን ከምዝኾኑን ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

እስራኤል እቶም ዝተቐተሉ ዕጡቓት ግብረሽበራውያን’ዮም ክትብል እንከላ፡ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ግን ዝተቐተሉ ቆልዑ ከምዘለዉ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ ስርሒት ሓደ ወተሃደር እስራኤል ከምዝተቐተለ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ብጀካ ንከተማ ጀኒን፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ዝርከባ ከተማ ቱባስን መዓስከር ስደተኛታት ኣል ፋራን እውን ክቆጻጸርወን ክኢሎም’ዮም።

እስራኤል ኣብቲ ስርሒት ካብ ሓያለ ኣሃዱታት ዝተዋጽኡ ወተሃደራት፡ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይንን ነፈርትን’ያ ተጠቂማ።

ሰራዊት እስራኤል ካብ ከተማ ጀኒንን ካብ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒንን ምስ ወጽአት ነበርቲ ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ነሓሰ 27 ከካብ ገዘኦም ወጺኦም ኣብ ጽርግያ ክዛወሩ ጀሚሮም።

ነባሪ ጀኒን ካሊድ ኣቡ ሳበር ኣብ ትሕቲ መስጊድ ኣብ ዝርከብ ዝተሃደመ መዕቖቢ’ዩ ዝነበር ዘሎ።

ንሱ፡ ገዝኡ ብደብዳብ እስራኤል ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ይገልጽ።

ካሊድ ኣቡ ሳበር ኣብ ትሕቲኡ ገዝኡ ዝተሃደመ በዓቲ ስለዝነበሮ፡ ሰራዊት እስራኤል እቲ በዓቲ መሕብኢ ግብረሽበራውያን’ዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ ውጻእ ኢሎም ነቲ ገዝኡ ከምዘዕነውዎ ተዛሪቡ።

ካልእ ነባሪ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን ሙስጣፋ ኣንቲር ነቲ ብእስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብኸምዚ ይገልጾ።

“እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ደብዳብ ድሮን ቶኲሲ ፎኲስ ብረትን ካበይ ከምዝመጽእ ኣይርድኣካን’ዩ። ኣብዚ ይዓልብ ኣብቲ ይዓልብ፤ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ክትገልጾ ኣይትኽእልን ኢኻ” ይብል።

ብጥይትን ብኸቢድ ብረትን ዘይተተንከፈ ገዛ ከምዘየሎ ዝገልጽ ሙስጣፋ ኣንቲር “ኣብ ከተማ ጀኒን ብጥይት ዘይተበስዐ ገዛ ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ” ይብል።

ቀንዲ ጎደና ከተማ ጀኒን ኣብ ማእከሉ ብዝተፈጸሞ ደብዳብ ነፋሪት ዓንዩ’ሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሆስፒታል ጀኒን ዶክተር ዊሳም ባከር ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ እቲ እስራኤል ስርሒታት ተካይደሉ ዝነበረት መዓልታት ኣብቲ ቦታ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ መዓልታት ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ሆስፒታል ማይን ኤለትሪክን ከምዘይነበሮ ብምሕባር ከኣ ኣዝዮም ተጸጊሞም ምንባሮም ንጋዜጠኛታት ኣረዲኡ።

ኣብቲ እዋን መጥቃዕቲ ክልተ ኣዴታት ከምዝሓረሳን ክልተ ብሓገዝ ቬንትለተር ዝካየዱ ኣረጋውያን ከምዝነበሩን ብምጥቃስ ምንጪ ኤከትሪክ ካብ ጀነሬተር ማይ አካ ኣብ ኣጋንእ ተዓቒሩ ዝነበረ እናተጠቀሙ ከምዝሓለፍዎ ዶክተር ዊሳም ባከር ገሊጹ።

ብዓርቢ ኣብ ከባቢ መዓስከር ስደተኛታት ጀኒን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ካብቶም ዝሞቱ ጓል 16 ዓመት ትርከቦም ሸሞንተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝኾኑ ቢቢሲ ክፈልጥ ክኢሉ።

እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዘካየደቶ ስርሒት ሓያለ ዕጡቓት ግብረሽበራውያን ከምዝቐተለት’ያ ትገልጽ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ጀኒን “14 ግብረሽበራውያን ኣወጊድና ኣለና፡ 30 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእቲና 30 ዝኸውን ኣብ ጽርግያታት ተጻዊዱ ዝነበረ ተፈንጃሪ ከኣ ከነምክን ክኢልና” ኢሉ።