እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ መራሕቲ ሓማስ ከቢድ ክሲ መስሪታ
ኣመሪካ ምስቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም የሕያ ሲንዋር ዝርከቦም ሓያለ መራሕቲ ሓማስ ክሲ ከምዝመስረተት ተገሊጹ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ንሽዱሽተ መራሕቲ ሓማስ፡ ብቕትለት ኣመሪካውያን ዜጋታት፡ ንግብረሽበራውያን ብምምዋልን ካልእን ዝርከቦም ሸውዓት ክሲ መስሪትሎም ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ክሲ ሓማስ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፈጸሞ ገበናትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕትን ከምዘጠቓልልን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣመሪካ ብመንገዲ ክፍሊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሓማስ ክሲ ክትምስርት እዚ ናይ መጀመርታኣ ኰይኑ፡ ካብቶም ክሲ ተመስሪትዎም ዘሎ እቶም ሰለስተ ኣቐዲሞም ዝሞቱ እዮም። ያሕያ ሲንዋር ግን ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ገለረያታት ተሓቢኡ ከምዘሎ ዝግመት።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ትማሊ ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ክሲ ተመስሪትሎም ዘሎ መራሕቲ ሓማስ “ንዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንኣመሪካውያን ንምቕታልን ጸጥታ ኣመሪካ ንሓደጋ ንምቅላዕንቕ፡ ንግብረሽበራውያን ክምውሉ ዝጸንሑ’ዩም” ኢሉ ገሊጽዎም።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ “ንእስራኤል ንምዕናውን ሰለማውያን ሰባት ንምቕታልን ንሓማስ ክመርሑ ዝጸንሑን ዝመርሑ ዘለዉን’ዮም” ይብል።
ኣብቲ መግለጺ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምጥቃስ “ኣረጋውያን፡ ህጻናትን ቀቲሎም፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮ ቆሪጾም” ብምባል ድሕሪ እቲ ኣብ ሆሎኮስት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸመ ግፍዒ እቲ ዝኸፍአ ጽንተት ስድራቤታት ከምዝተፈመ ኣብሪሁ።
7 ጥቀምቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም 1200 ሰባት ከምዝተቐተሉን 251 ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወሰዱን ዝዝከር’ዩ።
እቶም ካልኦት ብኣመሪካ ክሲ ተመስሪትዎም ዘሎ መራሕቲ ሓማስ ኢስማዒል ሃንያ፡ ምክትል ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፈ መርዋን ዒሳ፡ መራሕቲ ሓማስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኻልድ ምሽዓል፤ መሓመድ ደይፍን ዓሊ ባራካን’ዮም።
ኢስማዒል ሃንያ፡ መርዋን ዒሳን መሓመድ ደይፍን ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብእስራኤል ከምዝተቐተሉ’ዩ ዝግለጽ።
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 42 ዜጋታት ኣመሪካ ከምዝተቐተሉን 10 ጅሆ ተታሒዞም ከምዝተወሰዱን ብምግላጽ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ወዲ 23 ዓመት ኣመሪካዊ እስራኤላዊ ሃረሽ ጎልደበርግ ፖሊን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቐቲሉ ከምዝተረኸበ ገሊጹ።
“ቅትለት ሃረሽ ጎልደበርግ ፖሊን ንምርምሮ ኣለና፡ ኩሉ እቲ ብዕጡቓት ሓማስ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ቅትለት ከኣ ከም ተግባር ግብረሽበራ ኢና ንርእዮ” ኢሉ።
እቶም ክሱሳት በቲ ቀሪብሎም ዘሎ ክሲ ገበነኛታት ምዃኖም እንተተረጋጊጹ ንሕልፈት ወይ ንሞት ክፍረዱ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለጽ።
እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈጸማ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሕነ ንምፍዳይን ነቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ነጻ ንምውጻእን ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዝወሰደቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።