ኣብ ልዕሊ ግምቢ ፋሲል ዝተገብረ ሕዳሰ እንታይ'ዩ? ብዛዕቡኸ እንታይ ንፈልጥ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ዝተሃነጸ ግምቢ ወይ ቤተ መንግስቲ ፋሲል (ፋሲል ግንብ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር እዩ ዝርከብ።

እዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብቶም ብታሪኹ፡ ፍሉይ ኣሰራርሓኡን ጥበብ ስነ-ህንጻኡን ዝስመ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዩኔስኮ ዝሰፈረን እዩ።

ዝተፈላለዩ ክፋላት እዚ ህንጻ፡ ኣሪጎም ብምጽንሖም ብዙሓት ስክፍታታቶም ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ መንግስቲ ዝተገብረ ጽገና ግን ክትዓል ኣልዒሉ ይርከብ።

ታሪኻውን ሓመዳይን መልክዑ ተቐይሩ፡ ጻዕድዩ ምምጽኡ ስለምንታይ ሕብሩ ክቕየር ተገይሩ? ዝብሉ ሕቶታት የልዕል ኣሎ።

ኣማኻሪ ሕዳሰ ኣርክቴክት ፋሲል ጊዮርጊስ፡ እቲ ቤተ-መንግስቲ ዝተሰርሓሎም እታዋት ብምጥቃም ሕዳሰ ከም ዝተኻየደሉ ገሊጹ።

እቲ ህንጻ፡ ቅድሚ 100 ዓመታት ካብ ንኣሽቱ ኣእማንን ኖራን ክስራሕ እንከሎ፡ ንነዊሕ ዓመታት ዝናብ፡ ጸሓይን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ኵነታት ተጻዊሩ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ ሕጂ ብዙሓት ዝፈልጡዎ መልክዕ ከም ዘምጽአ እዩ ዝዛረብ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ሕዳሰ ቤተ-መንግስቲ ፋሲል መጀመርታ ዝተሰርሓሎም ንዋት ብቐንዱ ድማ ኖራን እምንን ብምጥቃም እዩ ተኻይዱ።

"ሕጊ ሓለዋ ሓድጊ ተኸቲሉ'ዩ ተሰሪሑ፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "እቲ ኖራ ሓድሽ ምዃኑ ጥራይ፡ እዚ ጻዕዳ ሕብሪ ክመጽእ ገይሩ ኣሎ፡" ብምባል፡ ሕብሪ እቲ ኖራን እምንን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ናብቲ ዝነበሮ ከም ዝምለስ ተዛሪቡ።

ቤተ-መንግስቲ ፋሲል መጀመርታ ክስራሕ እንከሎ፡ እቲ ኖራ ንነዊሕ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ክቕበር ተገይሩ እዩ። ኣብዚ ሕድሳት ዝተኻየደሉ እዋን`ውን፡ እቲ ኖራ ንነዊሕ ግዜያት ተቐቢሩ ክጸንሕ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

እቶም ሓድግታት፡ ብተፈጥሮ፡ ጸሓይ፡ ዝናብን ዶሮናን ኣብ ውሽጢ ዓመታት ሕብሮም እናተቐየረ ዝኸይድ ኰይኑ፡ እዚ ህንጻ'ውን ድሕሪ ዓመታት ነቲ ብዙሓት ዝፈልጡዎ ሕብሪ ከም ዝሓዘ ክኢላ ስነ-ህንጻ ፋሲል ይዛረብ።

"እቲ ሕብሪ ከም ቀደሙ እንተ ዝኸውን ደስ ይብለና፣ ግን ድማ እዚ ሕብሪ ንምምጻእ ብዝብል ዝውሰኹ ከሚካላት ካብ ትጽቢትና ወጻእ ዝዀኑ ሓደጋታት እዮም ዘስዕቡ፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ሓለዋ ሓድጊ ዓለም ሕድሳት ክግበር እንከሎ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ፡ እቲ መበገሲ ሓሳብ ኰይኑ እቲ ኖራን ትኽክለኛን ዘተኣማምንን ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቤተ-መንግስቲ ጥንታውነቱ ሓልዩ ሕድሳት ከም ዝተገብረሉ ገሊጹ።

ዝናብ ክወቕዖ እንከሎን ዝተፈላለየ ጸቕጢ ክሊማ እንክበጽሖን፡ ሕብሩ እናቐየረ ክኸይዱ'ዩ ዝብል ፋሲል፡ እቲ ህንጻ ናብቲ ልሙድ ሕብሩ ንኽምለስ ኣርባዕተ ዓመትን ልዕሊኡን ከም ዝወስድ ሓቢሩ።

ፋሲል፡ ሕድሳት ተገይርሉ ይፈልጥዶ?

ቤተ-መንግስቲ ፋሲል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መዝገብ ሓድጊ ትምህርቲ፡ ባህልን ሳይንስን ሕቡራት መንግስታት [ዩኔስኮ] ሰፊሩ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ዝተገብረ ሕዳሰ ቅድሚ ሓደ ዓመት ክጅመር እንከሎ፡ መጽናዕቲ መሰረት ብዝገበረ ከም ዝተኻየደ ፋሲል ገሊጹ።

እቲ ህንጻ፡ በቲ ሕጂ ዝተገብረ ደረጃ'ኳ እንተ ዘይኰነ፡ ቅድሚ 20 ዓመታት ሓፈሻዊ ጽገና ተገይርሉ ነይሩ።

ቅድሚኡ ድማ ብ1960 ዓ.ም [ኣ.ግ]፡ ሳንድሮ ኣንጄሊኒ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ክኢላ ስነ-ህንጻ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፈንድ ሞኑመንትስ ዓለምን፣ ከምኡ'ውን፡ ዩኔስኮ ብምትሕብባር ጽገና ተገይርሉ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ብቐንዱ ክወድቁ ይኽእሉ'ዮም ዝተባህሉ ክፋላት ብሓጺን ክእሰሩ ወይ ክድገፉ'ዩ ተገይሩ።

ካልእ፡ ኣርክቴክት ፋሲል ጌጋ ተፈጺሙ'ዩ ዝብሎ፡ ኣብ እዋን ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሐ ወራር ኢጣልያ ዝተገብረ ጽገና'ዩ።

ኣብ ጎንደር ዝነበረ ግዝኣት ኢጣልያ፡ ነቲ ቤተ-መንግስቲ ማእከል ምምሕዳሩ ገይሩ ይጥቀመሉ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ።

መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ካብ 1928 ክሳብ 1936 ቤተ-መንግስቲ እቴጌ ምንትዋብ፡ ቤተ-መጻሕፍቲ ሃጸይ ዮሃንስን ካልኦትን ህንጻታታትን ኣሐዲሱ'ዩ።

ጥልያን፡ ኣብዞም ሓድግታት ሕዳሰ ክገብር እንከሎ 'ኮምቦ ሞርታር' ወይ ዝተሓዋወሰ ስሚንቶን ኖራን ምጥቃሙ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ፋሲል ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ ዝተገብረ ስራሕ ድማ ኣብ ዙርያ ቤተ-መንግስቲ እቴጌ ምንትዋብን ቤተ-ንባብ ሃጸይ ዮሃንስን ዝተገብረ ሕዋስ ስሚንቶን ኖራን ክለግስ ከም ዝተገብረ ጠቒሱ።

እዚ ድማ ካብቶም ኣብ ሕብሪ እቲ ቤተ-መንግስቲ ለውጢ ክመጽእ ዝገበሩ ምኽንያታት ከም ዝዀነ ሓቢሩ።

ካልእ፡ ጥልያን ፈጺሞምዎ ዝበሎ ጌጋታት ድማ ኣብ ዙርያ ቤተ-መዘክራት ሃጸይ ፋሲን ሃጸይ ዮሃንስን ዝተገብረ ምትዕርራይ እዩ።

እዞም ኣብያተ መዘክር፡ በቲ ጥንቲ ግዜ ካብ ዝተሰባበሩ ዓበይቲ ኣእማንን ዝተሰርሑ'ዮም ነይሮም።

ኣብዚ ሕጂ ዝተኻየደ ሕዳሰ፡ እቶም ዓበይቲ ኣእማን ክለዓሉን፡ "ናብቲ ናይ ጥንቲ መንነቶም ክምለሱን ከም ዝተገብረ ርእየ'የ፡" ኢሉ።

ኣብ ዙርያ እቲ ቤተ-መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ሕዳሰ ሕጂ'ውን ቀጻሊ ኰይኑ፡ እዚ ምስ ተወድአ ካብ 30 ክሳብ 40 ዓመታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣርክቴክት ፋሲል ጊዮርጊስ ገሊጹ።

ቤተ መንግስቲ ፋሲል

ቤተ-መንግስቲ ሃጸይ ፋሲል፡ ብ1979 ዓ.ም ኣብ መዝገብ ሓድጊ ዓለም ተመዝጊቡ።

እዚ፡ መሐንበሲ እቲ ንጕስ፡ ቍስቋም ማርያምን ካልኦትን ዝሓቘፈ'ዩ።

ኣብ ሃጸይ ፋሲለደስ ዘለዉ ኣብያተ መንግስቲ ልዕሊ 100 ክፍሊታት ኣለዎም።

እዚ፡ ብዓል ሰለስተ ደርቢ ኰይኑ ኣብ ሸውዓተ ሄክታር [70 ሽሕ ስኴር ሜትር] መሬት ዝተሰረተ'ዩ።

እዚ ህንጻ፡ ካብ 300 ክሳብ 400 ዓመታት ብዝነበረ እምኒ ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ ብቐንዱ እምኒ፡ ኖራን ዕንጸይትን ብምጥቃም እዩ ተሃኒጹ።

ብሰብ ሞያ ውሽጢ ዓዲ ከም ዝተሰርሑ'ውን ይንገር።

እዚ ህንጻ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ነገስታት ናይ ባዕሎም ኣሰርን ታሪኽ ንወለዶታት ከሕልፉ ገይሩ እዩ።

እቶም ኣብያተ መንግስቲ

1. ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ፋሲል - እዚ ናይ መጀመርታ ኰይኑ ህንጸት እቲ ቤተ መንግስቲ ዓሰርተ ዓመታት ወሲዱ፣

2. ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ዮሃንስ - ሃጸይ ፋሲለደስ ን36 ዓመታት ምስ ነገሰ ወዱ ንዕኡ ተኪኡ ዘውዲ ደፊኡ፣ ካብ 1667 ክሳብ 1682 ዓ.ም ክነግስ እንከሎ ተሰሪሑ፣

3. ቤተ መንግስቲ ኣድያም ሰገድ እያሱ ዓብዪ - ካብ 1682-1706 ዓ. ም እዩ ነጊሱ። እቲ ንጉስ ንፉዕ ፈረሰኛ ከም ዝነበረን ብቕርጺ ኮረሻ ዝተሰርሐ ግሩም ቤተ-መንግስቲ ኣስሪሑ፣

4. ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ዳዊት - ንሓሙሽተ ዓመታት (ካብ 1716-1721 ዓ. ም.) ክነግስ እንከሎ፡ ዘስርሖ ዓብዪ ህንጻ'ዩ። እዚ ዓብዪ ናይ ሙዚቃ ክፍሊ ዘለዎ ኰይኑ፡ ጸለምቲ ኣናብስ ዝብሃሉ ኣንበሳ ዝነብርሉ ክፍሊ'ውን ኣለዎ።

5. ቤተ መንግስቲ ንጉስ መሲሰገድ በካፋ - ንትሸዓተ ዓመታት (ካብ 1721-1730) እንክነግስ፡ ንህዝቢ ደጊሱ ዘብልዓሉ ዓብዪ ህንጻ ክሰርሕ ድልየት ነይሩዎ። ስለዝዀነ ድማ ልዕሊ 250 ሰባት ዝሕዝን ኣፍራስ ደው ዝብልሉን ዓብዪ ኣዳራሽ ኣስሪሑ።

6. ቤተ-መንግስቲ እቴጌ ምንትዋብ - ካብ 1730-1755 ክትነግስ እንከላ፡ ኣብ ገዳማት ጻና ብዘንበረቶ ኣሰር ትዝከር።