እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተዘክሮ ምምላስ ሓወልቲ ኣኽሱም ካብ ኢጣልያ
ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ሓወልትታት ኣኽሱም፡ መበል 15 ዓመት ስልጣን ሙሶሊኒ ንምጽንባል እዩ ከም ሽልማት ኲናት ናብ ኢጣልያ ተወሲዱ።
ኣብ ከተማ ሮማ ኣደባባይ ፒያሳ ኣብ ቅድሚ ሚኒስትሪ መግዛእቲ ተተኺሉ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ 'ግዝኣት' ኢጣልያ ምዃና ንምግላጽ ምዃኑ ይንገር።
ኣብዚ እዋን እቲ ዓቢ ሓወልቲ ንልዕሊ 68 ዓመታት ዝነበረሉ ቦታ ዝተረፈ ዝዀነ ምልክት የለን። ኣብ ክንድኡ መንገዲ ኣጋርን ብሽክለታን ኰይኑ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ 1952፡ እቲ ሚኒስትሪ መግዛእቲ ዝነበረ ቦታ ዋና ቤት ጽሕፈት ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO) ኰይኑ።
ሰለስተ መንግስታት ኢትዮጵያ ብዝገበርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ እቲ ሓወልቲ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ኣክሱም ዳግማይ ካብ ዝትከል 16 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
እቲ ሓወልቲ ንምምላስ ዝተገብረ ጻዕሪ
ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ሃገሩ ንኽምለስ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝርከብዎም ሰለስተ መንግስታት ዝተፈላለየ ጻዕሪ ገይሮም እዮም።
ብመሰረት መዛግብቲ፡ ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብታ ዝተወስደላ ዓመት ናብ ሃገሩ ክምለስ ሓቲቶም ነይሮም።
ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ነቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዘመታኦ ቅርስታት ክመልሳ ድሕሪ ምስምማዐን ድማ "ቅርስታትና ክንመልስ" ዝብል ጠለብ እናሓየለ ከይዱ።
ኢጣልያን ኣብ 1947 ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝገበረቶ ስምምዕ ሰላም መሰረት ዝመለሰቶም ካልኦት ቅርስታት እኳ እንተነበሩ፡ ሓወልቲ ኣኽሱም ግን ኣይተመልሰን።
ሃጸይ ሃይለስላሴን ንጉስ ኢጣልያን ውዕል'ኳ እንተፈረሙ፡ ሰበ-ስልጣን ኢጣልያ ግን ነቲ ስምምዕ ከተግብርዎ ስለዘይደለዩ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዘይሃገሩ ዝጸንሓሉ ግዜ ተናዊሑ።
ድሕሪ ሃጸይ ሃይለስላሴ ዝመጸ መንግስቲ ደርግ እውን እቲ ሓወልቲ ናብ ንቡር ቦታኡ ንኽምለስ ከምዝጸዓረ ይንገር።
ይዅን’ምበር፡ ኣብታ ሃገር ብዝነበሩ ሓያለ ብድሆታት ተጸሚዱ ስለዝነበረ፡ ጻዕርታቱ ኣይደፍኣሉን።
ድሕሪ ምውዳቕ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ዝተመስረተ መሰጋገሪ መንግስቲ እውን ነቲ ተመሳሳሊ ሕቶ ዕሽሽ ኣይበሎን።
ኣብታ ሃገር ነቲ ሓወልቲ ንምምላስ ኮሚቴ ቈይሙ ልዑል ምንቅስቓስ ዝገበረ ግን መንግስቲ ኢህወደግ እዩ።
ጉዳይ እዚ ሓወልቲ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳተፈቶም ዓለምለኸ መድረኻት እውን ይለዓል ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ካብ 1992 ክሳብ 1999 ንጥልያን ዝመርሐ ፕረዚደንት ኦስካር ሉዊጂ ስካልፋሮ፡ ኣብ 1997 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ መገሻ፡ ምስቲ እቲ ሓወልቲ ክምለስ ኣጽኒዑ ክሓትት ዝጸንሐ መንግስቲ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
ድሕሪ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ እቲ ን68 ዓመታት ኣብ ኢጣልዮ ዝጸንሐ ሓወልቲ፡ ኣብ 2005 ናብ ሃገሩ ክምለስ ክኢሉ።
ኣብ መስርሕ ምምላስ እቲ ሓወልቲ ግደ ዓለምለኸ ትካላት፡ ኮሚቴታት ውሽጢ ዓድን ወጻእን እውን ልዑል እዩ ነይሩ።
ካብዚኦም ብኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢጣልያ ዝተመስረተ ኮሚቴ ይጥቀስ።
ኣተሓባባሪ ናይቲ ኮሚቴ ጂንፔሮ ኣንጀሊኒ ዝተባህለ ተወላዲ ኢትዮጵያ፡ መስርሕ ምምላስ እቲ ሓወልቲ ብዘይምርድዳእ ዝተመልአ፡ ዓመታት ዝወሰደን ብዙሓት ኣካለት ዘሳተፈን ምንባሩ ይዝክር።
ጂያንፒየሮ ኣብ ሮማ ን47 ዓመታት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ፋኦ ተተኺሉ ዝነበረ ሓወልቲ ኣኽሱም ክርኢ እንከሎ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ይሓድሮ ከምዝነበረ ይዛረብ።
በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ቅርሲ ኢትዮጵያ መግዛእቲ ጥልያን ምዃና ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ይርብሾ።
ብኻልእ ሸነኽ ናብቲ ዓለምለኻዊ ትካል ዝመጹ ሰበስልጣናትን መራሕትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክሓስቡ ዝገብሮም ምዃኑ የጸናንዖ።
እቲ ሓወልቲ ንምምላስ ምንቅስቓስ ምስ ተጀመረ ግን ክብሪ እቲ ቅርሲ ኣብ ሃገሩ ምዃኑ ብምእማን ነቲ ኮሚቴ ብምውህሃድ ናብቲ ጻዕሪ ተጸንቢሩ።
ጂያንፒየሮ ነቲ ሓወልቲ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሐ፡ ካብቲ ዝተተኽለሉ ቦታ ናይ ምልዓልን ምጕዕዓዝን መስርሕ ቀሊል ከምዘይነበረ’ዩ ዝዝክር።
እቲ 24 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን 160 ቶን ዝምዘንን ሓወልቲ ካብቲ ቦታ ምስ ተላዕለ ከይፈርስ ስግኣት ስለዝነበረ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ፈጢሩ ነይሩ።
በቲ ሓደ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅርሲ ምዕቃብ ይሓይሽ ዝብሉ፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ብኽብሪ ናብ መጻኢ ወለዶ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝብሉ ነይሮም።
ነቲ ሓወልቲ ንምምላስ ዘድሊ ወጻኢታት ልዑል ስለዝነበረን ንምልኣኽ’ውን ስለዘጸግምን፡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ክንድኡ ካልእ መሰረተ ልምዓት ክሃንጽ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ይዅን’ምበር እቲ ሓወልቲ ሃገራዊ ቅርሲን ናብ ቀጻሊ ወለዶ ብኽብሪ ክመሓላለፍ ዘለዎ ሃብቲን እዩ ዝብል ሓሳብ ሓይሉ እቲ ፍልልይ ከምዘብቅዐ ጂያንፒየሮ ይዛረብ።
"ኣብ መወዳእታ ብክኢላታት ክጽናዕ ምስተገብረ፡ እቲ ሓወልቲ ኣብ ሰለስተ ቦታ ተቘሪጹ ክለዓልን ክጓዓዝን ተወሲኑ" ይብል።
ብዕልልታ ዝተፋነወ ሓወልቲ ኣኽሱም
ጂያንፒየሮ እቲ ሓወልቲ ካብ ከተማ ሮማ ዝተለዓለሉ ኣገባብ ኣጸቢቑ ይዝክር’ዩ።
ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ሓወልቲ ካብቲ ቦታ ክለዓል እንከሎ፡ ሕዳር 2003 እዩ ነይሩ፤ ሰዓቱ ድማ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ምሸት 11፡00 ከምዝነበረ ይዝክር።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊንን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነይሮም።
"ኣብታ መኪና ክጽዓን ከሎ፡ ብዕልልታን ሳዕስዒትን ተሰንዩ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ብምንታይን ብኸመይን ይግዕዝ ዝብል ግን ኣብቲ እዋን ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ሓወልቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብኡ ክጸንሕ ተገይሩ።
ኣብ 1930ታት ኢጣልያ ነቲ ሓወልቲ ካብ ኢትዮጵያ ብመርከብ ብወደብ ምጽዋዕ ኣቢላ እያ ወሲዳቶ።
ካብ ኣኽሱም ናብቲ ወደብ ድማ ብዓበይቲ መካይን ጽዕነት ሓደስቲ ጽርግያታትን ድልድላትን ተጠቒማ እያ ኣግዒዛቶ።
ዳርጋ ድሕሪ 70 ዓመት ግን ነዞም ጽርግያታትን ነቲ ወደብን ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ኣይነበረን።
ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝነበረ ግጭት ጽርግያታት ዓንዮም፡ ኤርትራ ወናኒት እቲ ወደብ ኰይና ነይራ። ርክብ ክልቲአን ሃገራት እውን ሰላማዊ ኣይነበረን።
ስለዝዀነ ድማ እቲ ሓወልቲ ብቲ ዝወጸሉ መንገዲ ክምለሰሉ ዝኽእል ኵነታት ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ።
ጂያንፒየሮ ከም ዝብሎ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እቲ ሓወልቲ ካብ ቦታኡ ተኣልዩ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ተዓቂቡ ጸኒሑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓወልቲ ብናይ ሩስያ ኣንቶኖቭ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ክጓዓዝ ተወሲኑ።
እዚ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቀሊል ኣይነበረን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ነታ ናይ ሩስያ ኣንቶኖቭ ነፋሪት ከዕርፍ ዝኽእል መዓርፎ ነፈርቲ ስለዘይነበረ፡ ነዚ ቦታ ንምድላው ግዜ ወሲዱ እዩ።
ድሕሪኡ ኣብ 2005 ናብ ከተማ ኣኽሱም ክምለስ ተገይሩ።
ጸብጻብ ዩኔስኮ፡ ነዚ ሓወልቲ ናብቲ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ ልዕሊ 7 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ከምዝወሰደ የመልክት።
እቲ ወጻኢታት ብመንግስቲ ኢጣልያ ዝተሸፈነ እኳ እንተነበረ፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተላእኸ ግን ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ሓጺር ግዜ ዳግማይ ክትከል ኣይከኣለን።
እቲ ሓወልቲ ምስ ተመልሰ ክርእዮ ናብ ኣኽሱም ከም ዝኸደ ዝገለጸ ጃንፒየሮ፡ እቲ ሓወልቲ ከምዝተቘርጸ ምስ ረኣየ "ብኽብሪ ዝተቐመጠ ኣብ ሮማ እዩ ነይሩ" ክብል ይዝክር።
ብድሕሪኡ ግን ብደገፍ ዩኔስኮ ብ4 መስከረም 2008 እቲ ሓወልቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዳግማይ ተተኺሉ፡ ተመሪቑ’ውን።
ቅርስታት ኣፍሪቃ ንኽምለሱ ዝፈጠሮ ምንቕቓሕ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ካብ ኢትዮጵያ ዝተዘመቱ ቅርስታት ብዙሓት እዮም።
ብጻዕሪ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መራሕቲ ሃገርን ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ’ኳ እንተሃለዉ፡ ሕጂ’ውን ኣበይ ከምዘለዉ ዘይተፈልጡን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ቤተ መዘክራት ዝርከቡ ቅርስታት ኣለዉ።
ሓወልቲ ኣኽሱም ክምለስ ከሎ ካልኦት ቅርስታት እውን ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ስምዒት ዘለዎም ምንቅስቓሳት ነይሮም።
ኣብ 1960 ድሕሪ ምዝዛም መግዛእቲ፡ ብጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ሆላንድን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ዝተዘመቱ ቅርስታት ዘመለሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣለዋ።
ኢትዮጵያ እትርከበን ሐዚ እውን ቅርሰን ክምለሰለን ዝሓተታ ሃገራት ኣለዋ።
ጂያንፒየሮ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እጃሞም ከበርክቱ ከምዘለዎም የስምር።
ኣብ 2009 ኣብ ቬኒስ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ዓቢ ምርኢት ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ቅርስታት ከምዝቐረቡ ዝዛረብ ጂያንፒየሮ፡ እቶም ቅርስታት ከም ‘ናይ ብሕቲ እኽብካብ’ [ከም ናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ] ምቕራቦም ተስፋ ከምዘቑረጾ ይዛረብ።
"ቅርስታት ከም ዝዀነ ተራ ነገር ንምርኢት ክቐርቡ ከለዉ ዘሕርቕ እዩ" ይብል። ሃገራዊ ቅርሲ ክሕሎን ናብ መጻኢ ወለዶ ክመሓላለፍን ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ ድማ ኣለዎ።
ይዅን’ምበር ምሕደራ ከባብያዊ ቅርስታት ምምሕያሽ ከምዘድልዮ እውን ይኣምን።
ኵነታት ሓወልትታት ኣኽሱም እውን ስክፍታ ዝፈጥር ምዃኑ ሰበስልጣን እቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም’ዮም።
ብሰንኪ እቲ ካብ ትሕቲኡ ዝፍልፍል ማይ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎን ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ከምዝተሃስየን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ኣኽሱም ኣቶ ገብረመድህን ፍጹምብርሃን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓወልቲ ክግበር ዝነበሮ ጽገና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽንሑ ሕጂ’ውን ኣይቀጸለን።
ኣብያተ ክርስትያናትን ላሊበላን ፋሲል ግንብን ዝርከብዎም ቅርስታት ኣብ ሓደጋ ከምዝርከቡ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ምሕደራን ምዕቃብን ቅርስታት ድኹም እዩ ክብል ዝነቅፍ ጂያንፒየሮ፡ ቅርስታት ምልክት ዕብየት ታሪኽ ሓንቲ ሃገር ስለዝዀኑ ብግቡእ ክሕለውን ክዕቀቡን ይግባእ ይብል።
ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ቅርስታት ንምምላስ ክጽዕሩ እውን ተላብዩ።