ሓይልታት ኤርትራ ሕጂ’ውን ካብ ትግራይ ኣይሰሓቡን - ህወሓት

Published

መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ሕጂ’ውን ካብ ክልል ትግራይ ከም ዘይሰሓቡ ገሊጾም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ንምቁራጽ ዝዓለመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ከም ዝሰሓቡ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ሰበስልጣን ህወሓት እዚ ሓቂ ኣይኮነን ክብሉ ነጺጎምዎ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ኮይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ "ኩሎም ሓይልታት ኤርትራ" ናብ ዶብ ኤርትራ ከም ዝሰሓቡ ንፋይናንሻል ታይምስ ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ ሓደ ካብቶም ሰበስልጣን ህወሓት ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ክልል ከምዘይወጹ ገሊጹ።

“እቲ ሓቂ ሓይልታት ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ትግራይ እምበር ኣብ ዶባት ኣይኮኑን ዘለዉ! እዚ ናይ ቀረባ ስእሊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሽረ የርኢ" ክብል ዕለቱ ዘይገለጸን ስእሊ ዘርጊሑ።

"ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋር ኣረኪባ እያ፡ ከምቲ ዝተገብረ ውዕል ድማ ሓይልታት ኤርትራን ካብ ፌደራል ሰራዊት ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታትን ብተመሳሳሊ ካብ ትግራይ ክወጹ ይግባእ ነይሩ” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ "ከምዚ ዓይነት መግለጺ ቅድሚ ምሃቦም መጀመርያ ስርሖም ክሰርሑ ይግባእ" ብምባል ንርእይቶ ኦባሳንጆ ነጺጉዎ'ሎ።።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ክኣቱ፡ ተቛሪጾም ዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ፌደራል ዘይኮኑ ዕጡቓት ክወጹን ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ንምፍጻም ምስምመዖም ዝዝከር እዩ።

ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ሰላም፡ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣፅዋር ንሰራዊት ፌደራል ከረክቡ ፀኒሖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ብህወሓት ዝመሓደር ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ብወገኑ፡ ሓደ ጉጅለ ምልሻ ኣምሓራ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘሰሓሕብ ከባቢ ንዝርከቡ ነበርቲ ከም ብሄረ ኣምሓራ ኮይኖም ክምዝገቡ የገድድ ኣሎ ክብል ጸብጺቡ።

ክልል ወልቃይት-ጸገደ ኣብ እዋን እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ብሓይልታት ኣምሓራ ተታሒዙ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብዘይካ’ቶም ብቀጥታዊ ውግእን መጥቃዕትን ዝሞቱ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝሞቱ ሒደት ከም ዘይኮኑ ይግለጽ።

ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ኲናት ንኸብቅዕ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ንሱ፡ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

ኦባሳንጆ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመላ መዓልቲ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን "መዓልታዊ ሞት 1000 ሰባት ደው ኣቢልና ኣለና" ከም ዝበለ ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሙ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ጉድኣት ዝምልከት መጽናዕቲ ብምክያድ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንሞት ኣማኢት ኣሻሓት፡ ምፍንቓል ሚልዮናትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።