ህዝቢ ኩናማ፡ “ብዙሕ ሓጐጽጐጽ ዘሕለፈ ህዝቢ”

Published

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ክብርን መሰልን እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ “ደቀባት” ንምሕላው፡ ን “09 ነሓሰ” ከም ዓለማዊ መዓልቲ ደቀባት ተባሂላ ክትክበር ወሲኑ። ሎምዘበን ከኣ “ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ፍልጠት” ብዝብል ቴማ ተዘኪራ ውዒላ።

ቢቢሲ ትግርኛ እምበኣር ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት ኣፈናዊ ድሕረ ባይታን ሃለዋትን ብሄረ ኩናማ ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ምስ ተወላዲ እቲ ብሄረ ዮና ጀርማኖ ኣዕሊሉ ኣሎ፣ እቲ ዝርዝር እነሆ።

ህዝቢ ኩናማ ጓስዩን ሓሪሱን ዝነብር፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ፡ ቋንቋን ክብርታትን ዘለዎ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ኤርትራን ትግራይን ዝነብር፡ ናይ ካልእ ዘይደሊ፡ ዘሎዎ ተኻፊሉ ዝነብር፡ ብማዕርነት ናብራኡ ዘካይድ፡ ንማሕበራዊ ጕዳያቱ ኸኣ ሓቢሩ ዝፈትሕን ዘሰላስልን ሕብረተሰብ’ዩ ክብል ዮና ንብሄሩ ብሓበን ይገልጽ።

ህዝበ ኩናማ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቀዳሞት ደቀባት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኵለን ኣባል-ሃገራት ደቀባተን ንዘበርከትዎ ትውፊት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ቊጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ክዓያን ክጉስጕሳን እዩ ነታ ዕለት ሓርዩዋ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ 09 ነሓሰ ከኣ ምስ እዋናዊ ኵነታት ብዝተሓሓዝ ንጥፈታትን ኣገዳሲ ሓበሬታን ብምዝርጋሕ ትበዓል።

መንግስቲ ኤርትራ እውን ንቡዙሕ ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዝከርን ዝኽበርን ኣህጉራዊ መዓልቲ ይስዕቦን የብዕሎን እዩ።

ሓፈሻዊ ስእሊ ሕብረተሰብ ኩናማ

ህዝቢ ኩናማ ንነዊሕ ዘመናት ግዳይ ኣድልዎን ዓመጽን ከም ዝዀነ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ። ንኣብነት ጂያኒ ዶረ፡ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ምርምራት ዘካይድ ኢጣልያዊ ተመራማሪ፡ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ብዛዕባ ታሪኽን ባህልን ስርዓትን ከምኡ’ውን ወጽዓን ህዝቢ ኩናማ ከምዚ ክብል ጽሒፉ ይርከብ።

ካብ መበል 16 ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ ዓመጻዊ ግፋ ኩናማ (ንባርነት) ከም ዝነበረ፡ ቀጺሉ ክሳብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ብዘመን ግብጻውያን ምዃኑ’ዩ፣ እቲ ግፍዕን ሕሰምን ከም ዝወሰኸ ይትርኽ።

ብ1861 ቨርነር ሙዚንገር ንምድሪ ኩናማ በጺሑ ነይሩ’ዩ። ንሱ ስዊዘርላንዳዊ ዀይኑ ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበሮ ፍልጠት ልዑል ስለ ዝነበረ ንፈረንሳን እንግሊዝን ዘማኽር ዝነበረ፡ ጸኒሑ ኸኣ ብግብጺ ተቘጺሩ ከም ኣመሓዳሪ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኰይኑ ዝሰርሐ ሰብ’ዩ ነይሩ።

ጸኒሑ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን (1890) ስርሓት ሚስዮን መሊሱ ቀጸለ። ኣብ ማሕበረሰብ ኩናማ ኸኣ ትምህርቲ ወንጌል ክትኣታቶ ጀመረ። ይዅን’ምበር ህዝቢ ኩናማ በቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ኣስላም ይዅኑ ክርስትያን ይደሃኽ ከም ዝነበረ ዝተሰነደ ታሪኽ የረድእ።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ዝነበሩ ህዝበ ኩናማ፡ ብሰሜን ምስ ባርካ፡ ብምብራቕ ምስ ሰራየ፡ ብደቡብ ምስ ትግራይ፡ ብምዕራብ ድማ ምስ ሱዳን ይዳወቡ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ቍጽሮም ልዕሊ 250ሽሕ ምዃኑ ይንገር። ኣብ ኢትዮጵያ ከኣ ልዕሊኡ ከም ዘለዉ ይግመት። ኣብ ኤርትራ ፍቕዳ-ህዝቢ/ቈጸራ ህዝቢ ስለ ዘይተኻየደ ግን፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ምቕራብ ኣሸጋሪ’ዩ።

ቍጽራ-ህዝቢ፡ ሕልኽላኽ ዘይክነሱ ክሳብ ሎሚ ዘይምክያዱ ብዙሕ ሰብ ይዛረበሉ እዩ።

ዓመታዊ ካብ 250-450 ሚ.ሜ. ዝናብ ዝረክብ፡ ኣስታት 28 ዲግሪ ሰንቲ ግረይድ ዝምቘቱ ብሩባ ጋሽን ሰቲትን ዝምገብ ገለ ክፋል ካብቲ ኩናማ ዝነብሩሉ መሬት ኣዝዩ ፍርያም እዩ።

ባህልን ልምድን ሰብኣዊ ክብርታትን ህዝበ ኩናማን፡ ኣብ ታሪኹ፡ ካብ ውሽጥን ግዳምን ንዘጋጥሞ ጸገምን ሓጐጽጐጽን ንምድህሳስ ንዛንታ ዮና ጀርማኖ ሓደ ካብ ተወለድቲ እቲ ብሄር ዳህሲስና ኣሎና።

ዮና፡ ወላዲኡ ጀርማኖ ናቲ፡ ገና ብቝልዕነቱ እንከሎ ኣብ ሰብዓታት ስለዝተኣስረ ወላዲቱ እያ ተጻጊማ ኣዕብያቶ።

ዳሕራይ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ሰምበል ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአ ብኡ ኣቢሉ ንሜዳ ስለዝኸደ ምስ እንዳ ኣቦሓጐኡ (ስድራ ኣደኡ) ከምዝዓበየ ይዝክር።

ኣብ እዋን ቃልሲ ናጻነት ኤርትራ (1961-1991) ኣብ ከባቢኡ፡ ኣብ  ዓሊግድር፡ ተሰነይ፡ ባረንቱ ብርቱዓት ውግኣት ከምእተኻየዱን፡ ንተጋዳላይ ወላዲኡ ኣብ 1985 ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ባረንቱ ንፈለማ እዋን ከምዝተላለዮ ይዝክር። 

እዚ ብ1975 ጥቓ ዶብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ሕርሻ ዓሊግድር (ጋሽ-ባርካ) ዝተወልደ ወዲ ብሄረ ኩናማ፡ ሕጂ ን16 ዓመታት ኣብ ኣዮዋ (ሕ.መ. ኣ.) ዝበሃል ቦታ ምስ ሰበይቱን ደቁን ይነብር ኣሎ።

ወላዲቱ ንኸተዕብዮ ዘሕለፈቶ ጻዕሪ

“ኣደይ ዕድል ገይራ ተማሂራ’ያ፣ ንዓይ ሸቂላ እናዕበየት ንባዕላ ምሸት-ምሸት ትምሃር ነይራ። እዚ ናብ ባረንቱ ምስ ገዓዝና’ዩ።  ኣነን ኣደይን ሓቢርና ንመሃር ኔርና ክብለካ እኽእል” ይብል ዮና። “ምስ ዓበኹ፡ ኣነ ኣብ ኣገልግሎት ከለኹ ማለት’ዩ፡ ንሳ ኣብ ነርሲን ቤት-ትምህርቲ ኣትያ ተመሪቓ፡ ክኢላ መሕረሲት’ያ” ኢሉ ንኣደኡ ብሓበን ይዝክረን።

“ኣነ ብቤተ ክርስትያን ካቶሊክ እናተምሃርኩ’የ ዓብየ፣ እነሀኹ ኣብ ዓዲ ስደት ኰይነ ደቀይ አዕቢ ኣለኹ“ ኢሉ ዝን ይብል። “ብሓፈሻኡ ንሕና ኩናማ ምስ መሬትና ጽኑዕ ምትእስሳር ስለ ዘለና፡ ኣርሒቕና ኣይንስደድን ኢና፤ ህዝብና ብዘጓነፉዎ ሽግራት ግን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብብዝሒ ሰጊሩ’ዩ ክብል እኽእል። ሕጂ ኸኣ ከም ሰብና ኣርሒቕና ንስደድ ኣለና” ኢሉ።

ብዛዕባ ወላዲኡ ኸ?

“ኣቦይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እንዳ ጥልያን (ኣብ ኣስመራ) ተመሪቝ ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮ ሰብ’ዩ። ርግጽ’ዩ ብፖለቲካ ጕዳይ ተኣሲሩ ከርተት ኢሉ’ዩ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ገድሊ’ዩ ተሓዊሱ። እንሆ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ዝተጋደለሉ ውድብ ኣሲሩ ከርተት የብሎ ኣሎ” ብምባል ዝን ድሕሪ ምባል፡ “ብዛዕባ ህዝቢ ኩናማ’ዶ ከነዕልል?” ብማለት ነቲ ዕላል ክልውጦ ደለየ።

ዕላል ብዛዕባ ህዝቢ ኩናማ    

ዮና ብመንነቱ ኣዝዩ እዩ ዝሕበን። “ኣነ ታሪኸይ፡ ባህሊ ኣቦታተይን ኣቦሓ ጐ ታተይን፡ ቋንቋይ ስለ ዝፈልጥ፡ እቲ ሕብረተሰብ ኩናማ ሓብሒቡ ዘዕበየኒ ስለ ዘስተማቐርኩ ብመጠኑ ጽቡቕ’የ ዓብየ፣ ኣዝየ ሕጕስ’የ።

በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ዝተፈጸመ ግፍዒ እፈልጦ ስለ ዝዀንኩ ኣዝዩ የሕዝነኒ” ይብል።  

“ርግጽ’ዩ፡ ዘሰክፈኒ ነገር ኣሎ” ኢሉ ኸኣ ብስክፍታኡ ይዛረብ።  “ህዝቢ ኩናማ ሓላዪ የብሉን ክብል እኽእል። ዝገፍዖን ዝጥቀመሉን’ምበር ዝጣበቐሉን ዝከላኸለሉን የለን፤ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ኸኣ ዝውክሎን ዝማጐተሉን ኣካል የለን ክብል እደፍር ... እዚ የተሓሳስበኒ፡ ” ይብል።  

ዮና፡ ባህርያትን ድልየትን ህዝቢ ኩናማ ከምዚ ይመስል፡ ዝጥቀመሉ ስርዓትን እምነትን ድማ ከምዚ ይመስል ኢሉ ብዝርዝረፍ ዝፈልጥ ሰብ ዳርጋ ከምዘየለ ይገልጽ።

እቶም ሰበስልጣን’ውን እንተዀኑ ኣፈታትሓ ሽግር ኩናማ ስለ ዘይፈልጥዎ ሕጊ መንግስቲ ከምዚ’ዩ እናበሉ ስለዘጓጥጡሉን ዝደፍርዎን ህዝቢ ኩናማ ተገሊሉ እዩ፡ ኢሉ ይዛረብ። 

ንኣብነት ደቂ ኩናማ ንከበሳ ደዪቦም ክሓርሱ እንተዝፍትኑ፡ ወይ ከኣ መሬት እንተ ዝማስሑ፡ ህዝቢ ከበሳ እንታይ ምበለ ዘይኰነስ እንታይ ምገበረ እንተንብል “ኣነ ናዕቢ ምተላዕለ ኢለ እኣምን ብኣንጻሩ ግን መሬት ኩናማ ብደገፍ መንግስቲ ንዅሉ ክፉት ኰይኑ ኣሎ ብማለት ተወሳኺ ቅሬታኡ የስምዕ።

ርግጽ’ዩ፡ ነፍስሄር ፕሮፈሰር ኣለክሳንደር ናቲ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኩናማ ኣዕሚቝ ዝተመራመረን ጸገማቶም ብጽሑፍ ዘቕረበን ምሁር፡ ነዚ ጕዳይ’ዚ ዘርዚሩ ኣብ ጽሑፋቱ ኣቕሪቡዎ’ዩ።

እቶም ቀደም ጥሪቶም ጓስዮም ንመሬት ኩናማ ዝወርዱ ዝነበሩ፡ ብእዋን ክረምቲ ድማ ንዓዶም ዝድይቡ ዝነበሩ ጓሶት፡ ሕጂ ብሰፈራ (settlement) ኣብ መሬት ኩናማ፡ እሞ ኸኣ ምስ ህዝቢ ኩናማ ከይተመያየጡን ከየፍተዉን፡ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ከም ዘለው ይገልጽ።

ዮና’ውን፡ “ካብ ከበሳ ዝመጹ፡ ብዘይ ገለ ልዝብን ስምምዕን ኣብ መሬት ኩናማ ቀዋሚ ዓድታት መስሪቶም ይነብሩ ኣለዉ። ህዝቢ ኩናማ ኸኣ ብሓይሊ እናተደፍአ ድንግል መሬት ቆጥቊጦም ንኽነብሩ ይግደዱ ኣለዉ። እዚ ፍትሓዊ ኣይኰነን፡” ብማለት ይዛረብ።

ዮና ፍልይ ዝበለ ኣብነታዊ ባህሊ ኩናማ ብፍላይ ከኣ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኩናማ ዝምልከት የዕልል። “... ኣብ ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተይቲ፡ ብተነጻጻሪ፡ ክብርቲ’ያ። ምርዕውቲ እንተድኣ ኰይና ኣብ ባይቶ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ድምጻ ኣልዒላ ክትዛረብ መሰላ ሕሉው’ዩ ... እዚ ዘበን-ኣምጽኦ ምዕባለ ዘይኰነስ ንዘመናት ሒዝናዮ ዝተጓዓዝና ባህሊ’ዩ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብዝዀነ ምኽንያት እንተተቐትለት፡ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ዕጽፊ ጋር ነብሲ ኢኻ ትኸፍል” ብማለት እቲ ብሄር ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ክብሪ የረድእ።

“ ፍርያም መሬት ምድረ ኩናማ”  

መሬት ኩናማ ኣብቲ ቀንዲ ምህርቲ እኽሊ ዝሕፈሶ ሃብታም መሬት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባዊ መታሕት እዩ ዝርከብ። እቲ ፍርያም መሬት ናይቲ ከባቢ መንግስቲ ብዘይ ገደብ ንወፍሪ ስለዝጥቀመሉ እቲ ህዝቢ ካብቲ ልሙዕ መሬቱ ይድፋእ ከምዘሎ ዮና ይገልጽ።

“ትሕዝቶን ትምህርትን ህዝቢ ኩናማ ኣማዕቢልካ ክብ ዝበለ ምህርቲ ንከበርክት ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ካልኦት ሰባት ኣብ መሬት ኩናማ ከም ዝሰፍሩ ጌርካ፡ ንወደ’ባት ደፊእካን መሬቱ መንዚዕካን ከተዋስኖ ኣይመድለየን” ይብል።

ብተወሳኺ እቲ ዞባ ብርክት ዝበሉ ውግኣት ኣሕሊፉ’ዩ። ሓያሎ ካብ ውግኣት-ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ኣብቲ ብምድረ ኩናማ ዝጽዋዕ ከባቢታት ስለዝተኻየደ እቲ ህዝቢ ተኸላቢቱ እዩ።  

ውግእ ባድመን ሳዕቤናቱን

እቶም ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ከቢድ ሽግራት ስለዘኸተሉ ብዙሕ ህዝቢ ተሰዲዱ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ተዓቝቡ ይነብር ነይሩን ኣሎን።

ሽመልባ፡ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፡ ከመይ ኢላ ከም ዝተፈጥረት፡ እቶም ኣብኡ ዝተዓቝቡ ቀዳሞት ስደተኛታት ካብ ውግእ ባድመ ዝሃደሙ ደቂ ኩናማ ከም ዝነበሩ ዮና የዘንቱ።  ሽመልባ ካብ ጥቓ ሽራሮ (ክልል ትግራይ) ዝርከብ መዓስከር ኰይኑ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ 45 ኪ.ሜ. ርሒቓ ትርከብ።

“ኣነ ዝነበርኩሉ፡ ከም ኣስተርጓማይ ዝነጠፍኩሉ፡ ስደተኛ ህዝቢ ኩናማ ዘጋጠሞ ሽግር ብዓይነይ ርእየዮ’የ።  ብመጀመርታ እቶም ካብ ውግኣ ባድመ ሃዲሞም ኣብ ሽመልባ ዝተዓቝቡ ስደተኛታት ‘ናይ ኤርትራ ኩናማ ኢኹም’ ተባሂሎም ምስቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ደቂ ኩናማ ኣሕዋቶም ከይሕወሱ ብኢትዮጵያ ተኸልኪሎምን ተኸላቢቶምን’ዮም።

“ካልኣይ፡ ዩ.ኤን.ኤች.ሲ.ኣር. (ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት) ደቂ ኩናማ ንኤርትራ ዝምለስሉ መዳያት ክድህስስ ምስ ጀመረ መንግስቲ ኤርትራ ነጺጕዎ። እቲ ሳልሳይ ምርጫ ኸኣ ደቂ ኩናማ ንሳልሳይ ሃገር ክግዕዙ ነበረ። እዚ ኣነ ባዕለይ እቲ ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኩናማ ነቲ ደብዳበ ተርጕመ ከንብበሎም እዝከረኒ” ይብል።

“ሽዑ’ዩ ህዝቢ ኩናማ ኣርሒቑ ንኽሰደድ ዝተገደደ ... ይዅን’ምበር፡ እቶም ዓበይትና ዝገበርና ገርና ንዓድና ናብ መሬትና ኢና ንምለስ ክብሉ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ነቲ ዕድል ተጠቒሙሉ ... ካብቶም ሽዱሽተ ሽሕ ንኸውን ደቂ ኩናማ፡ 1,200 ንኣክል ጥራይ ኢና ኣርሒቕና ተሰዲድና ... ንካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ኣውስትራልያ/ኒውዚላንድ፡ ኤውሮጳ ተጓዒዝና” ክብል ተዘክሮታቱ ይጽብጽብ።

“ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ እንርከብ ደቂ ኩናማ ቍጽርና ናብ 5,000-6,000 ስድራቤታት ንህሉ ኢለ እግምት” ክብል የረድእ። 

“እቲ ዘገርም” ይብል ንሱ፡ “ኣብ ሱዳን ብዙሓት ደቂ ኩናማ ኣለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረፉ’ውን ነይሮም። ይዅን’ምበር፡ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተረፉ፡ ናብ መሬቶም ክምለሱ ንዓመታት ዝጽበዩ ዝነበሩ ደቂ ኩናማ ብዙሕ ኣይሰለጦምን። እዚ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ምስ ተወልዐ ኸኣ ተወሳኺ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ’ዩ፡” ኢሉ ነቲ ገና መዕለቢ ዘይረኸበ ጕዳይ ኩናማ ይዛረብ።

ብኣንጻሩ፡ ዮና በቲ ሕጂ ዘለዎ ናይ ባዕሉ ኵነታት የመስግን’ዩ። ጽቡቕ ሓዳር ኣለዎ፡ ደቁ ብሰላም ይመሃሩሉ ከም ዘለዉ ዕግበቱ ይገልጽ።