ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብስእሊ - ካብ ግሪኽ ክሳብ ዒራቕ

ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያናት በዓል ፋሲካ የብዕሉ ኣለዉ።

ኵሎም ክርስትያን ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ነቲ በዓል የኽብርዎ ኣለዉ።

ዝበዝሕ ግዜ እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክኽበር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈላለየ ኣቈጻጽራ ስለ ዝጥቀማ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ግሪኽ ብርችት ክውላዕ እንከሎ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ኣመንቲ ድማ ኣብታ ኢየሱስ ተሰቒሉ ዝተቐብረላ እትብሃል ቤተክርስትያን ሽምዓ ወሊዖም።

እዚ ጽንብል ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ብኸመይ ይበዓል ኣሎ? ገሊኦም ብስእሊታት ከነርእየኵም።

ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅዱስ ፍራንችስኮስ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ቅዱስ ፍራንችስኮስ ኣዲስ ኣበባ
ፍልስጤማውያን ክርስትያናት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉን ዝተቐብረሉን ቦታ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፓልቸር ኣብ ዝተኻየድ ስነስርዓት 'ቅዱስ ሓዊ' ሽምዓ ብምውላዕ ኣኽቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፍልስጤማውያን ክርስትያናት ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ኢየሱስ ዝተሰቕለሉን ዝተቐብረሉን ቦታ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ስፓልቸር ኣብ ዝተኻየድ ስነስርዓት 'ቅዱስ ሓዊ' ሽምዓ ብምውላዕ ኣኽቢሮም
ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣባላት ቤተክርስትያን ለጅዮ ማርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ሚስዮን ተኣኪቦም በዓል ትንሳኤ ኣኽቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ፡ ኣባላት ቤተክርስትያን ለጅዮ ማርያ ኣብ ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ሚስዮን ተኣኪቦም በዓል ትንሳኤ ኣኽቢሮም
በዓል ትንሳኤ፡ ኣብ ኤርትራ'ዉን ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ'ሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ዉን ናብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስቲያን ኣስመራ ብምኻድ ከም ዝተሳተፈ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gmeskel/X

መግለጺ ስእሊ, በዓል ትንሳኤ፡ ኣብ ኤርትራ'ዉን ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ'ሎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ዉን ናብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስቲያን ኣስመራ ብምኻድ ከም ዝተሳተፈ ተገሊጹ
ቱርካውያን ክርስትያናት ኣብ መርሲን ኣብ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግሪኽ ተኣኪቦም ኣኽቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቱርካውያን ክርስትያናት ኣብ መርሲን ኣብ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግሪኽ ተኣኪቦም ኣኽቢሮም
ኣብ ቤተልሄም ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት ኣብታ ኢየሱስ ከም ዝተወልደላ ዝእመን ቤተ ክርስቲያን በዓል ልደት የኽብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤተልሄም ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያናት ኣብታ ኢየሱስ ከም ዝተወልደላ ዝእመን ቤተ ክርስቲያን በዓል ልደት የኽብሩ
ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ናብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ናይ ፋሲካ ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ንክመርሑ ልኢዀምዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ልኡኽ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ናብ ከተማ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝካየድ ናይ ፋሲካ ስነ-ስርዓት ቅዳሴ ንክመርሑ ልኢዀምዎም።
ሓደ ካህን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩስያ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ሴንት ፒተርስበርግ ንበዓል ፋሲካ ዝቐረበ መኣዲ ኬክን እንቋቑሖን ቅድሚ ምብራዅ ንምእመናን ስብከት የቕርብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካህን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ሩስያ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ሴንት ፒተርስበርግ ንበዓል ፋሲካ ዝቐረበ መኣዲ ኬክን እንቋቑሖን ቅድሚ ምብራዅ ንምእመናን ስብከት የቕርብ
ኣብ ዒራቕ ጥቓ ሞሱል፡ ኣብ ቤተክርስትያን ማር ዮሃና ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዒራቕ ጥቓ ሞሱል፡ ኣብ ቤተክርስትያን ማር ዮሃና ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት
ኣብ ግሪኽ ከተማ ቭሮንታዶስ ዝርከቡ ኣመንቲ፡ በዓል ትንሳኤ ንምኽባር ዝገብዎ "ሮኬት ኲናት" ዝተባህለ ልሙድ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ብምጽንባል ናብ ሰማይ ርችት ብምብራህ ኣኽቢሮምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግሪኽ ከተማ ቭሮንታዶስ ዝርከቡ ኣመንቲ፡ በዓል ትንሳኤ ንምኽባር ዝገብዎ "ሮኬት ኲናት" ዝተባህለ ልሙድ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ብምጽንባል ናብ ሰማይ ርችት ብምብራህ ኣኽቢሮምዎ