ኣከባብራ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብስእሊ - ካብ ግሪኽ ክሳብ ዒራቕ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስትያናት በዓል ፋሲካ የብዕሉ ኣለዉ።

ኵሎም ክርስትያን ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ሓደ መዓልቲ ነቲ በዓል የኽብርዎ ኣለዉ።

ዝበዝሕ ግዜ እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክኽበር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተፈላለየ ኣቈጻጽራ ስለ ዝጥቀማ እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ግሪኽ ብርችት ክውላዕ እንከሎ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ኣመንቲ ድማ ኣብታ ኢየሱስ ተሰቒሉ ዝተቐብረላ እትብሃል ቤተክርስትያን ሽምዓ ወሊዖም።

እዚ ጽንብል ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ብኸመይ ይበዓል ኣሎ? ገሊኦም ብስእሊታት ከነርእየኵም።