ኢትዮጵያ፡ ዝተጠጠቐ ጣፍን ስርናይን ተቐሊቡ ዝሰብሐ ብዕራይ

ምንጪ ስእሊ, MORETENA JIRU WEREDA COMMUNICATION
ዋጋ ናይቲ ንበዓል ፋሲካ ንዕዳጋ ዝወረደ ብዕራይ ዘሰንብድ እዩ።
ወናኒ እቲ ጥሪት ሓረስታይ ኣይተ ታደለ ኣስራት፡ እቲ ንሓደ ዓመት ዘስብሖ ብዕራይ ብ550 ሽሕ ብር ክሸጦ ከምዝደለየ፡ ዛጊድ ግን 430 ሽሕ ዘቕረበ ዓዳጊ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ኣቶ ታደለ ከመይ ኢሉ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ከውጽእ ክኢሉ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "እቲ ብዕራይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ጣፍን ስርናይን ተሓዋዊሱን በሲሉን እዩ ተቐሊቡ" ኢሉ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ሰሜን ሽዋ ወረዳ ሞረትን ጅሩን ነባሪ ዝዀነ ኣቶ ታደለ፡ ነቲ ብዕራይ ምራኽ ከሎ ብ130 ሽሕ ብር ከምዝገዝኦ ይዛረብ።
ንሱ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እቲ ብዕራይ "ሽልም" እናተብሃለ ከምዝጽዋዕ ተዛሪቡ።
"እቲ ብዕራይ ክንዲ ክልተ ብዕራይ ይምዘን" ዝብል ኣቶ ታደለ ልዕሊ 500 ኪሎ ከምዝኸውን ይግምት።
ኣብ ዝተለሰነ ገዛ ዝነብር 'ሽልም' ልክዕ ከም ካልኦት ጥሪት ሳዕርን ሓሰርን ዝኣመሰሉ ጥራይ ዘይኮነስ ዝበሰለ ጣፍን ክክዕ ባሎንጓን እውን እዩ ዝቕለብ።
ናብ ማሕረስ ኣይፅመድን፤ ማይ ክሰቲ ድማ ናብ ርሑቕ ሩባ ኣይወርድን።
ኣብቲ ዝተለሰነ ገዝኡ ወይ ካልእ ዝተሓጸረሉ ቦታ ኰይኑ ቀለቡ እናበልዐ ካብ ዒላ ብዝተቐድሐ ጽሩይ ማይ ወይ ብሓተላ የወራርዶ።
ወናኒ ‘ሽልም’ ኣይተ ታደለ፡ ብዕራዩ ሞያዊ ክትትል ጥዕና ከምዝግበረሉ እውን ተዛሪቡ።
"ረፋድ ጸሓይ ይፅሎ፡ ቀትሪ ድማ ናብ መዕረፊኡ ይኣቱ" ይብል።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ወረዳ ሞረትን ጅሩን ኣይተ ደረጀ ኣለማየሁ እዚ ስራሕ ምህጣር ከብቲ ኣብቲ ከባቢ ልሙድ ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ኸባቢ ደጉዓ ስለዝዀነ ድማ ነዚ ናይ ምስባሕ ስራሕ ሓጋዚ ኮይኑ ኣሎ።
ኣቶ ደረጀ እቲ ከባቢ ብደረጃ ሃገር ስሙ ዝለዓል ምዃኑ ይዛረብ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ እቲ ሕብረተሰብ ከብቲ ናይ ምሕብሓብ ክእለት ኣማዕቢሉ ስለዘሎ እዩ። ጣፍን ስርናይን ጠጢቑ ምቕላቡ ነቲ ከባቢ ፍሉይ ከምዝገብሮ'ውን ገሊጹ።
ነጋዶ ካብ ሃዋሳ፣ ኣዳማ፣ ደሴን ወልድያን መጺኦም ከም ዝገዝኡ ይዛረብ።
ኣቶ ደረጀ ወሲኹ፡ ነቲ ናይ ምስባሕ ስራሕ ብናይ ክኢላታት ምኽሪ ንድግፎ ኢና ብምባል፡ "ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ቴክኖሎጅን ዝጥቀም መስርሕ" ምዃኑ ይዛረብ።
በዚ ምኽንያት ድማ እቶም ሓረስቶት ዝሓሸ እቶት ከምዝረኽቡ ይዛረብ።
ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ነቲ ሓረስታይ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ኣሎ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ዓመት ከም ቀደሙ ብዙሓት ሓረስቶት ከምዘየስብሑ ይዛረቡ።
“እቲ ምህርቲ ቁሩብ ነክዩ፣ እቲ ዝራእቲ ድማ ብዙሕ ኣይቦቖለን፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ሓደ ኽልተ ብዕራይ ምስባሕ ልሙድ እዩ። ኣብዚ ዓመት ግን እቲ ቁጽሪ ነክዩ" ኢሉ።
ኣቶ ደረጀ ከባቢ ጀሩን ሞረትን ሸየጥትን ዓደግትን ብዕራይ ዝራኸብሉ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ምኽንያት ገይሮም ጮማ ብዕራይ ጅሩ ንኽበልዑ ዝመጹ ሰባት ከምዘለዉ ይዛረብ።
“እቶም ኣብዑር እኽሊ ስለ ዝቕለቡ እቲ ስጋ ኣዝዩ ጥዑም እዩ። ፍሉይ ዝገብሮ እዚ ኣመጋግባ እዩ" ክብል የረድእ።
ኣቶ ደረጀ ሓደ ብዕራይ ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ ክስብሕ ከም ዘለዎ ሳይንስ ከምዝሕብር ጠቒሱ፡ ኣብቲ ከባቢ ግን ንሓደ ዓመት ምስባሕ ልሙድ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ብፍላይ ሓደ ወርሒ ቅድሚ ፋሲካ ክብደቶም ክውስኽን ኣካላቶም ጥዑይ ንኽኸውንን ዝበሰለ ጣፍን ዓተር ክክዕን ከምዝቕለቡ እቶም ሓረስቶት ይምስክሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
