እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሆስፒታል ቓዛ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ከባቢ እቲ ዝዓበየ ሆስፒታል ቓዛ ኲናት ጻዕጺዑ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ሆስፒታል ጽልዋኡ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ኤታር ሻላቢ ብዛዕባ እቲ ሆስፒታል ንዝለዓሉ ኣገደስቲ ሕቶታት መለሲ ንምርካብ ንሓላፊ እቲ ሆስፒታልን ካልኦት ላዕለዎት ሓካይምን ኣዘራሪባ ኣላ።
ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣበይ እዩ ዝርከብ?
ኣብ ቓዛ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣብ ከተማ ቓዛ ሪማል ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ዝርከብ።
እቲ 700 ዓራውቲ ዝሕዝ ሆስፒታል ብሓሙሽተ ቀንዲ ህንጻታት ዝቖመ እዩ፡
- ክፍልታት መወልዳንን ሕክምና ማህጸንን
- ክፍልታት ፍሉይ መጥባሕቲን ጽኑዕ ክትትልን
- ክፍልታት ሓፈሻዊ መጥባሕቲን ሕክምና ኣዕጽምትን
- ክፍልታት ውሽጣዊ ኣፋውስን ዲያሊሲስን
- ንክፍልታት ተመላለስቲ ተሓከምቲ፡ ላቦራቶሪታትን ባንከ ደምን ዝሓዘ ህንጻ ምምሕዳር
ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ሆስፒታል፡ ዶክተር መሓመድ ኣቡ ሳላሚያ፡ እቲ ሆስፒታል ኣብ እዋን ሰላም ኣብ ቓዛ ዝበለጸ ሆስፒታል ተባሂሉ ይግለጽ ምንባሩ ይዛረብ።
“ኵሉ ዓውድታት” ሕክምና ይምህር ምንባሩን ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ከምዝነበሮን እውን ይሕብር።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣብ ውሽጡን ኣብ ደገን ብዝጽፍጸፍ ዘሎ ሬሳታት “ዳርጋ ናብ መቓብር” ይቕየር ምህላው ብ 13 ሕዳር ኣጠንቂቑ።
ጃምላዊ መቓብር
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ሓላፊ ክፍሊ መጥባሕቲ ኣዕጽምቲ፡ ዶክተር ኣድናን ኣል-ቡርሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ምትሕልላፍ ሕማማት ንምግታእ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ዝነበረ 120 ሬሳታት ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከምዝቐበረ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ መጽንሒ ኣስከሬን ዝነበረ ተወሳኺ 80 ሬሳታት ኣብ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከምዝተቐበረ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ኲናት ጻዕጺዑ ቀጺሉ ብምህላው ከቢድ ሕጽረት ነዳዲ ንኣገልግሎታት እቲ ሆስፒታል ክጐድእ ምዃኑ ይግለጽ።
ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ብመን እዩ ዝካየድ?
ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣብ ትሕቲ እቲ ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ እዩ ዝመሓደር።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገለጸ፡ ዶክተር መሓመድ ኣቡ ሳላሚያ ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ሆስፒታል እዩ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ዝርከቡ ተሓከምቲ ክንደይ ይኾኑ?
ብመሰረት ሓበሬታ ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ ብዝሒ ተሓከምቲ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይፈላለ እዩ።
13 ሕዳር ኣብቲ ሆስፒታል ከባቢ 650 ሕሙማት ዝነበሩ ኮይኖም ካብዚኦም እቶም 50 ናይ ዲያሊሲስ፡ እቶም 50 ኣብ ኢንኩቤተር ዝነበሩ ህጻናት ከምኡ’ውን 26 ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ዝነበሩ ተሓከምቲ ምንባሮም ይገልጽ።
ብውሕዱ ኣብ ክልተ ህንጻታት ዝነበሩ ሕሙማን ናብቶም ዝተረፉ ሰለስተ ህንጻታት ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ሓካይም ይገልጹ።
ብዝሒ ኣብቲ ሆስፒታል ኣዕቍቦም ዘለው ተመዛበልቲ ኣስታት 5,000 ምዃኑ ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ከምዘዕቈቡን ክሳዕ 60000 በጺሑ ምንባሩን እቲ ዳይሬክተር ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ህንጻታት እቲ ሆስፒታል ደብዳብ ምስ ተጀመረ ግና ዝበዝሑ ሰባት ካብቲ ቀጽሪ ከምዝረሓቝ ገሊጹ።
“ገለ ሕሙማን ካብቲ ሆስፒታል እኳ እንተሃደሙ ንደቡብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንምዕቋብ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ ግዜ ተቐቲሎም፡” ይብል ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ።
ገሊኦም ካብቲ ሆስፒታል ምስ ወጹ 200 ሜትር ከይረሓቝ ከምዝተሃረሙን ናብቲ ሆስፒታል ከምዝተመለሱን ከኣ ተዛሪቡ።
“ንሕና ኮነ ተሓከምትና ካብቲ ሆስፒታል እንወጸሉ ውሑስ መውጽኢ ኢና ንሓትት ዘለና፡” ኢሉ።
እቶም ሕሙማን ብቕልጡፍ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኮነ ወጻኢ “ውሑስ ሆስፒታላት ናብ ዘለዎ ውሑስ ቦታታት” ክሰጋገሩ ከምዘለዎም ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ቓዛ ነቲ ሒዞምዎ ዘለው ብዝሒ ተሓከምቲ ክእንግድ ዝኽእል ዝኾነ ሆስፒታል ከምዘየለ ይዛረብ።
ህልው ኵነታት ነዳዲ እቲ ሆሰፒታል እንታይ ይመስል?
ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ ኮነ ካልኦት ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ሓካይም፡ ኣብቲ ሆስፒታል ነዳዲ ከምዘየለን “ንኣዝዩ ኣድላዪ ኵነታት” ተታሒዙ ዝጸንሐ ነደዲ ይጥቀሙ ምህላዎምን እዮም ዝገልጹ።
እስራኤል ነዳዲ ክተቕርብ ምሕታታ እያ ትገልጽ።
12 ጥቅምቲ ምሸት፡ ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሬር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ፡ ሰራዊት እስራኤል 300 ሊትር ነዳዲ ብለይቲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ሆስፒታል እኳ እንተንበረ፡ እቲ ሆስፒታል ከይጥቀመሉ፡ ሓማስ ይኽልክል ምንባሩ ገሊጹ።
ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ምቕባል ከምዘይኣበዩ እኳ እንተተዛረበ እቲ ነዳዲ ነቲ ጀነሬተር “ን30 ደቓይቕ” ጥራሕ ዘንቀሳቕስ እዩ ኢሉ።
ኣባላቱ “ኣብ ናይ ኲናት ዞባ፡ ብለይቲ” ነዳዲ ክወስዱ፡ ኣብ ሓደጋ ከእትዎም ከምዘይደሊ ገሊጹ።
እቲ ነዳዲ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብቐትሪ እንተዝቕረብ ምሓሸ ዝበለ ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ፡ ሰራዊት እስራኤል ብዛዕባ እቲ ነዳዲ ድሕሪ እቲ ፈለማ ዘቕረቦ እማመ ምላሽ ከምዘይሃቦ ተዛሪቡ።
እቲ ሆስፒታል መዓልታዊ 10,000 ሊትር ነዳዲ የድልዮ።
ሰባት ካብቲ ሆስፒታል ክግዕዙ ይኽእሉ ዶ?
ኣብ ኢንተርነት ብዙሓት ሰባት፡ “ንምንታይ’ዮም እቶም ሰባት ካብቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሆስፒታል ዘይግዕዙ?” ክብሉ ይሓቱ እዮም።
ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሬር ኣድሚራል ሃጋሪ፡ እስራኤል ካብቶም ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከቡ ሆስፒታላት ናብ ደቡብ ንምግዓዝ “ዝፈለየቶም መስመራት ምክፋታን” ኣብ ኣል-ሺፋ ንዝርከቡ ሕሙማንን ቍሱላትን ብውሑስ ንምግዓዝ ምስ ሓለፍቲ እቲ ሆስፒታል ትዘራረብ ምንባራን ገሊጹ ኔሩ።
ወሲኹ’ውን እስራኤል ኣብቲ ሆስፒታል ክንክን ዝገበረሎም ዘሎ ዕሸላት ናብ ካልእ ሆስፒታል ንምግዓዝ “ንምሕጋዝ ድልውቲ” ምንባራ ሓቢሩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ሓካይም ግና እዚ ኣብ ትሕቲ ህልው ኵነታት ዘይከውን ምዃኑ ይዛረቡ።
ዶክተር ኣድናን ኣል-ቡርሽ፡ እቲ ሆስፒታል ንኣርባዕተ መዓልታት - ብሰንኪ እቲ ደብዳብ - ኣብ ትሕቲ ምሉእ “ከበባ” ምጽንሑን ብዙሓት ሰባት ካብቲ ሆስፒታል ምውጻእ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብምዃኑ ከምዘፍርሐምን ይገልጽ።
“ካብቲ ሆስፒታል 100 ሜትር ኣብ ዝኸውን ቦታ ሰለስተ ታንክታት እስራኤል ርእየ ኣለኹ፡ ድሮናት ብቐጻሊ ብልዕሊ እቲ ሆስፒታል ይበርሩ ኣለው፡” ኢሉ።
በዚ ከኣ ዝኾነ ኣባል እቲ ሆስፒታል ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ከምዘይከኣለ ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ መጥቃዕቲ ይፍጸም ኣሎ ዶ?
ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞን ብዙሓት ምማቶምን ምቝሳሎምን ይገልጽ።
ወላ’ኳ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሓይልታቱ ኣብ ከባቢ እቲ ሆስፒታል ኣብ ስርሒት ምህላዎም እንተገለጸ፡ እስራኤል ነቲ ሆስፒታል ከምዘይሃረመት እያ እትገልጽ።
እስራኤል ኣብ ትሕቲ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ፡ ማእከል እዚ ኮማንድ ምህላው ክትገልጽ እንከላ፡ ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሊቢ ወይስ፡ “ብዘይምጥርጣር [ማእከል እዚ ሓማስ ኣብኡ ምህላው] ንፈልጥ ኢና። ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖታት ኣቕሪብና ኢና፡” ኢላ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል 3ዲ ምስላዊ መርኣዪ ኣብ ትሕቲ እቲ ሆስፒታል ዘለው መርበብ ገለርያታትን ቅዳሕ ድምጺ ኣባላት ሓማስ ብዛዕባኡ ክዘራረቡን ዝበሎም ትሕዝቶታት ኣቃሊሑ ኣሎ።
ሓማስ ኮነ ሰብ መዚ እቲ ሆስፒታል፡ ሓማስ ኣብ ትሕቲ እቲ ሆስፒታል ማእከል ስርሒት ኣለዎ ንዝብል ሓበሬታ ይነጽጉ።
ሓካይም እቲ ሆስፒታል፡ ሓማስ ኣብኡ የለን ይብሉ።
ዶክተር ኣቡ ሳላሚያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “[እቶም እስራኤላውያን] ይሕስው እዮም ዘለው። ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ልኡኻቶም ሰዲዶም ተዋጋእቲ ሓማስ ኣብ ቀጽሪ ኣል-ሺፋ እንተለው ክምርምሩ ንሓትት ኣለና።
“እዚ ንሕሙማንን ቍሱላትን ዘገልግል ሲቪላዊ ትካል እዩ። ዝኾነ ወገን መጺኡ ነዚ ከረጋግጽ ይኽእል እዩ፡” ኢሉ።
ዶክተር ኣል-ቡርሽ ብወገኑ፡ “ዕጡቓት ኣብቲ ሆስፒታል ክህልው ኣይክእሉን እዮም። እዚ ከም ገዛይ እዩ፤ ኣብዚ ከምዝሰርሕ ሓኪም ከኣ ዝኾነ ዕጡቕ ኣብዚ ምህላው እንተዝፈልጥ ሓዲገዮ ምኸድኩ፡” ኢሉ።