እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤፍቢኣይ፡ ሰብመዚ ኣሜሪካ ናይ ምቕታል ውዲት ኣለዎ ዝበሎ ሰላዪ ኢራን ይሃድን
ትካል መርመራ ገበን ፌደራል ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ንሰብስልጣን ኣሜሪካ ናይ ምቕታል ውዲት ኣለዎ ኢሉ ንዝኣመነሉ ኢራናዊ ሰላዪ ይሃድን ኣሎ።
እቲ ትካል፡ ወዲ 42 ዓመት መጂድ ፋራሃኒ ንቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ ውዲት ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ሶሌማኒ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ዒራቕ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ተቐቲሉ።
ኤፍ.ቢ.ኣይ ፋራሃኒ ልኡኽ ሚኒስትሪ ስለያ ኢራን ተቐቢሉ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ።
እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ምስ ምልመላ ውልቀሰባት ኣብ ኣሜሪካ ንዝካየዱ ስርሒታት ብዝተኣሳሰር ንማጂድ ዳስትጃኒ ፋራሃኒ ሕቶታት ከቕርበሉ ከም ዝደሊ ይሕብር።
ፋራሃኒ ናብ ኢራንን ቬንዙዌላን ከም ዝጓዓዝን ኣብ ኣሜሪካ “ኣብ ሃይማኖታዊ ቦታታት፣ ንግዳዊ ትካላትን ካልኦት መሳለጥያታትን” ሰባት ከም ዝመልመለን ሰበስልጣን ይዛረቡ።
ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ኣብ ልዕሊ ፋራሃኒን ካልእ በዓል ስልጣን ስለያ’ዩ ዝተባህለን ውልቀሰብን እገዳ ከም ዘንበረ ይፍለጥ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ቢቢሲ ኣብ ዋሽንግተንን ኒውዮርክን ካብ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኢራን ርኢይቶ ሓቲቱ’ዩ።
ሰበስልጣን ኢራን ሕነ ናይቲ ኣብታ ሃገር ካልኣይ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ሰብ ተባሂሉ ብሰፊሑ ዝረአ ዝነበረ ሶሌማኒ ከም ዝፈድዩ ቃል ኣትዮም ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።
ቓሲም ሶሌማኒ፡ ብትእዛዝ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ካልኦት ሓያሎ ኢራናውያን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ'ዩ ተቐቲሉ።
ሶሌማኒ ዝመርሖ ዝነበረ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ጨንፈር ናይቲ ኣብ ደባይ ውግእን ወተሃደራዊ ስለያን ዝነጥፍ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን እዩ።
እዚ ኣሃዱ፡ ካብ ኢራን ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ኰይኑ፡ ንሓማስ፡ ሂዝቦላህን ኣብ የመን ዝርከቡ ሑቲን ዝርከቡዎም ጉጅለታት ከም ዝድግፍ ይግለጽ። ኣሜሪካ ነዚ ኣሃዱ ከም ግብረሽበራዊ ትካል እያ ትቘጽሮ።
ኣብቲ ኣብ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትራምፕ፡ እቲ ጀነራል “ንሞት ሚልዮናት ሰባት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተሓታቲ'ዩ” ምባሉ ይዝከር።
ነዚ፡ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካህሜኒ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ “ገበነኛታት ከቢድ ሕነ ምፍዳይ ይጽበዮም ኣሎ" ብምባል ምላሽ ሂብሉ።
ኣሜሪካ ካብ ኢራን ንዝመጽኣ ስግኣት መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ልዕሊ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ነበር ማይክ ፓምፒዮን ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ ኣብ ኢራን ዝነበረ ብራያን ሁክን ዝርዝር ጸጥታዊ ጉዳያት ኣውጺኣ ኣላ።
ኣብ ነሓሰ 2022፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ንጥርጡር ሰላዪ ኢራን ዝዀነ ሻህራም ፑርሳፊ፡ ንቦልተን ንምቕታል ውዲት ፈጺሙ ክብል ከሲስዎ ነይሩ።
ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጥርዓናት “ካልኣይ ዒላማ” ከም ዝዀነ ክጠቕሱ እንከለው፡ እዚ ድማ ፖምፒዮ ከም ዝነበረ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
ኣብ ኢራን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ንዝኽሪ ቅትለት ሶሌማኒ ኣብ ደቡባዊ ኢራን ኣብ ዝነበረ ስነ ስርዓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ 84 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።
ኢራን፡ መጀመርታ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብቲ ምጥቃዕቲ ኢድ ኣለወን ብምባል ከሲሳ'ኳ እንተነበረት፡ ጸኒሑ ግን ኣይኤስ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ።