እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣይጸዓርኩሉን’ ዝበለቶ 25 ሚልዮን ዶላር ውርሻ ንኻልኦት ክትህብ ዝወሰነት ኦስትርያዊት
ኦስትርያ- ጀመርናዊት ጐርዞ፡ ካብ እኖሓጐኣ ካብ ዝወረሰቶ ሚልዮናት ዶላር መብዛሕትኡ ንካልኦት ንምሃብ ሓደ ጕጅለ ዜጋታት ኣቝማ ትመኻኸር ኣላ።
ኣብ ቬና እትነብር ጓል 31 ዓመት ማርሊን ኢንገልሆርን፡ ካብቲ ዝወረሰቶ ነቲ 25 ሚልዮን ብኸመይ መልክዑ ንኻልኦት ከተካፍሎ ከምዘለዋ ዝውስኑ 50 ኦስትርያውያን ትምልምል ኣላ።
“ምንም ከይሰራሕኩ ሃብትን ሓይልን ወሪሰ ኣለኹ” ትብል ማርሊን።
“እታ ሃገር እኳ ግብሪ ክትቈርጸሉ ኣይትደልይን።”
ኦስትርያ ካብ 2008 ጀሚሩ ካብ ውርሲ ዝቝረጽ ግብሪ ብምግዳፍ ካብ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸራ ሃገራት ኣውሮጳ ሓንቲ ኰይና።
እዚ ድማ ፍትሓዊ ከምዘይኰነ እያ እታ ሽሻይ ውርሲ ዝረኸበት መንእሰይ እትገልጽ።
ንሳ ካብ ስድራ መስራቲ ናይቲ ፍሉጥ ኣፍራዪ መድሃኒት ጀርመን ቢኤኤስኤፍ፡ ፍረድሪክ ኢንገልሆርን እትውለድ ኰይና፡ እኖሓጐኣ ኣብ መስከረም 2022 ምስ ሞተት ሚልዮን ዶላራት ወሪሳ።
ሃብቲ ፍሉጣት ሰባት ዝምዝግብ መጽሄት ፎርብስ፡ ሃብቲ ናይታ እኖሓጐ፡ ትራውድል ኢንገልሆርን-ቨችያቶ፡ 4.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ገሊጹ ነይሩ። እታ መንእሰይ እኖሓጐኣ ቅድሚ ምማታ እውን ካብቲ ብውርሲ እትረኽቦ ነቲ 90 ሚእታዊት ንኻልኦት ክትህቦ ከምእትደሊ ገሊጻ ነይራ።
ብረቡዕ ኣብቲ እትገብሮ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ንዝደልዩ 10 ሽሕ ሰባት ኢሜይላት ተላኢኾም። ካብዚኦም ብኣባልነት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝሰርሑ 50 ሰባት ክምረጹ እዮም።
“ፖለቲከኛታት ነቲ ገንዘብ ናይ ምክፍፋል ሓላፍነቶም ዘይዋጽኡ እንተዀይኖም፡ ሃብተይ ባዕለይ ከከፋፍሎ ኣለኒ” ኢላ።
“ብዙሓት ሰባት ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ ሰሪሖም መሰረታዊ ድልየቶም ንምምላእ ይጽገሙ ኣለዉ። ካብ ሕድሕድ ዝረኸብዋ ቅርሺ ድማ ግብሪ ይኸፍሉ። እዚ ከም ናይ ፖለቲካ ውድቀት እየ ዝርእዮ፤ ፖለቲካ እንተወዲቑ ድማ ዜጋታት ብናይ ባዕሎም መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ ኣለዎም።”
ንምንቅስቓስ እታ ሃብታም ናይ ዝድግፍ ትካል ዳይረክተር ዝዀነ ክሪስቶፈር ሆፊንገር፡ እቲ ዝጣየሽ 50 ሰባት ዘጠቓልል ቤት ምኽሪ እቲ ገንዘብ ብኸመይ ይከፋፈል ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘዋጽእ ከምዝዀነ ተዛሪቡ።
እዞም ሰባት ኣብ ዝሳተፉሎም ኣኼባታት ናይ መጓዓዓዚ ወጻኢታቶም ብምሽፋን ኣብ ነፍስወከፍ መወዳእታ ሰሙን ኣኼባ 1200 ዶላር ክኽፈሎም እዩ።
ማርሊን ኣብቶም ውሳነታት ላዕለዋይ ኢድ ከምዘይህልዋ እውን ገሊጻ።
እቶም ኣባላት ብዙሕ ህዝቢ ዝድግፎ ሓሳብ እንተዘይኣቕሪቦም ግን እቲ ገንዘብ ናብ በዓልቲ ዋናኡ ከምዝምለስ ተገሊጹ ኣሎ።
እታ ካብ ዝረኸበቶ ውርሲ 25 ሚልዮን እትህብ ዘላ መንእሰይ ክንደይ ዝኣክል ውርሲ ከምዝረኸበት ግን ኣይተገለጸን።