መካይን ረድኤት ንኲናት የገልግላ ኣለዋ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መካይን ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦት እታወታትን ንወተሃደራዊ መዓላ የገልግላ ኣለዋ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ።
ትማሊ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ከባቢ ዛና ረድኤት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብስብርባር መጥቃዕቲ ድሮን ተሃሪማ ጕድኣት ከም ዝወረዳ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ መንግስቲ ነዚ ክሲ ኣቕሪቡ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንወሃቢ ቃል እቲ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ መራሒ መኪና ከም ዝቘሰለን እታ መኪና ጉድኣት ከም ዝወረዳን ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ሓደጋ “ዘሕፍር ገበን” ክብል ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ህወሓት ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኲናት ይጥቀም ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ህወሓት፡ ረድኤት ዘመላልሳን ካልኦት ተሽከርከርትን “ኣርማ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምልካይ፡ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ብምምልላስ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይጥቀም ኣሎ” ኢሉ።
ስለ ዝዀነ፡ ትካላት ረድኤት ዝጥቀሙሎም ተሽከርከርቲ ንረብሓ እቲ ጕጅለ ከም ዘይወዓሉ ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ።
“ህልውና ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምኽባር ናይ ምክልኻል ስጕምታት ይውሰዶም ኣብ ዘሎ ከባቢታት፡ ትካላት ረድኤት ካብ ምንቅስቓስ ክቝጠቡ፡ መንግስቲ የጠንቅቕ” ክብል’ውን ጠቒሱ።
እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ነሓሰ ዳግም ክውላዕ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት ድሮን ከም ዝተፈጸሙ ይግለጹ።
ነዚ ኣመልኪቱ መንግስቲ ፌደራል ዝበሎ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ግን ነበርቲ ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ክርሕቁ ኣለዎም ዝብል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ነይሩ።
እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተጸበይቲ ረዲኤት፡ ዝበጽሖም ዝነበረ ሓገዝ ዳግም ከም ዘተዓናቐፎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክገልጹ ጸኒሖም።
ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ]፡ ብሰንኪ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ናብ ትግራይ ዘብጽሖ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘቋረጸ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ገሊጹ ነይሩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም’ውን፡ ኣብቲ ክልል 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከም ዘድልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉን የጠንቅቕ።
እቲ ኲናት፡ ብሰላማዊ ዝርርብ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክግበሩ እንተጸንሑ’ውን ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ኣይተረኽቦን።
ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘለው ምዕባለታት
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለዉን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
