እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ ስዒማ ብዳርባ ክትቅተል ተፈሪዳ ዝነበረት ሱዳናዊት
ኣብ 2020 ምስ በዓል ቤታ ተፈላልያ ምስ ቤተሰባ ምንባር ዝጀመረት ሓንቲ ሱዳናዊት መንእሰይ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሰብኣያ ብዝሙት ከሲስዋ፤ ኣብ 2022 ድማ ኣብ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ብምባል ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ወሲኑ።
እንተዀነ ንሳ፡ ንሓደ ሰብ ከምዝሰዓመት ምስ ተኣመነት ኣብ ክንዲ ሞት ንሽዱሽተ ወርሒ ክትእሰር ተፈሪዳ።
እቲ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ዝተዋህበ ብይን ንኽስረዝ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ኣቓልቦን ምሕጽንታን ኣስዒቡ እዩ።
እንተዀነ ወዲ ሓወቦኣ፡ ነቲ ኣፍቃሪኣ ድሕሪ ምቕታሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ኣሎ።
ማእከል ፍትሕን ሰላምን ኣፍሪቃ (ACJPS) ነቲ ብዳርባ እምኒ ክትቅተል ፈለማ እተበየነላ መቕጻዕቲ፡ "ከቢድ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ’ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
እታ ብዝሙት እተኸሰት ፍትሕቲ መንእሰይ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ጻዕዳ ናይል ኣብ እትርከብ ከተማ ኮስቲ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ እዚ ፍርዲ በይኑላ።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ብይን ምስ ኰነኖ፡ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ነቲ ጕዳይ ዳግም ርእይዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቲ ቤት ፍርዲ "ዝሙት" ዝብል ክሲ፡ "ጽዩፍ ተግባር" ብዝብል ክሲ ብምቕያር ንሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ቀይሩላ።
እታ ክስስቲ ምስ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝነበረትን ከምእተሰዓዓሙን ንቤት ፍርዲ ተኣሚና።
ጠበቓኣ እንቲሳር ዓብደላ፡ እቲ ዳኛ፡ ብዘይካ ምፍራዳ ካልእ ኣማራጺታት ኣይነበርዎን ኢላ።
“እታ ክስስቲ ምስ ሰብኣይ ከምዝነበረትን ከምዝተሰዓዓሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ተኣሚና እያ። ንእሽቶኣ ምዃናን ብዛዕባ እቲ ሕልኽላኽ እቲ ጉዳይ ዘይትፈልጥን እያ ነይራ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እታ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ'ኳ እንተ ወጽአት፡ መቕጻዕታ ንምጅማር ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዳ ኣላ።
እቲ ACJPS ዝተባህለ ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ እታ ክስስቲ መጀመርያ ጠበቓ ከምዘይተፈቕደላን ብሰንኩ ከኣ እቲ ናብ ፍርዲ ዳርባ እምኒ ዘምረሐ ናይ ሕጊ ጌጋታት ከምእተኸስተ ሓቢራ።
ሱዳን፡ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ ቁርኣን ከም ነውሪ ዝረኣዩ ስርቂን ዝሙትን ገበናት መቕጻዕቲ ሞት ትብይን እያ።
ኣብ ሕጊ ሱዳን ከም መግረፍቲ ኣእዳውን ኣእጋርን ምቝራጽ፡ ማሕነቕቲ፡ ብዳርባ እምኒ ምቕታል ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ይወስዱ እዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝብየኑ መቕጻዕቲታት ዳርባ እምኒ ብዙሕ ግዜ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሰሪዞም እዮም።
ቅድሚ ሕጂ፡ ሓደ ኣገልጋሊ መንግስቲ ነቲ ፍርዲ ከም "ዋዛ" ገይሩ ገሊጽዎ'ኳ እንተ ነበረ፡ ዋላ ሓደ ኣገልጋሊ መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ከም ዘይክእል ተኣሚኑ እዩ።
ሱዳን ካብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር ብወተሃደራዊ ጃንዳ እያ ትመሓደር ዘላ።