እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፑቲን ሕጊ ጐበጣ ዩክረይን ፈሪሙ
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዋላ'ውን ሰራዊቱ ካብ ተወሳኺ ቦታታት የንሳሕብ እንተሃለወ፡ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክሬይን ንምጉባጥ ዘኽእሉ ናይ መወዳእታ ወረቓቕቲ ፈሪሙ።
ብተወሳኺ፡ ሩስያ ተቖጻጺራቶ ንዘላ ትካል ኑክሌራዊ ጸዓት ዛፖሪዝዚያ ሕጋዊ ዝገብር ኣዋጅ ፈሪሙ።
እቲ ሰነድ፡ ዞባታት፡ ሉሃንስክ፣ ዶኔትስክ፣ ዛፖሪዝዚያን ኼርሰንን "ናብ ፌደሬሽን ሩስያ ተጸንቢረን ኣለዋ" ይብል።
እንተዀነ፡ ዩክሬይን ኣብ ዞባታት ሉሃንስክን ኼርሰንን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራት ሩስያ ዝነበራ ዓድታት ትቈጻጸር ከም ዘላ ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ፑቲን ነቶም ኣብተን ዞባታት ዝሸሞቶም መራሕቲ፡ ኣብ ክሬምሊን ጽንብል ከዳልወሎም እንከሎ፡ ምስኦም ስምምዓት'ውን ፈሪሙ።
እዚ ድሕሪ እቲ ኣብተን ዞባታት ብሩስያ ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ዝመጽአ እኳ እንተዀነ፡ ሃገራት ምዕራብ "ኣምሰሉ" ብምባል ነጺገንኦ'የን።
ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ሓይልታት ዩክረይን ብአንፈት ደቡብን ምብራቕን ሓደሽቲ ቦታታት ይቈጻጸሩ ኣለው።
ዩክሬናዊ ኣመሓዳሪ ሉሃንስክ ሰርሂ ሄይዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዩክረይን ትማሊ ረቡዕ ሽዱሽተ ዓድታት እታ ዞባ ከም ዝተቘጻጸረተን ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ብወገኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኼርሶን፡ ተወሳኺ ሰላስተ ዓድታት ከም ዝተቘጻጸሩ ተዛሪቡ።
ብኻልእ ወገን፡ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ዛፖሪዚዝያ ብርክት ዝበለ ነትጒ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።
ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፡ ሸውዓተ ሚሳይላት ሩስያ ንመንበሪ ህንጻታት ከምዝሃረሙን ሰባት ብፍርስራስ ተጸቒጦም ከም ዘለውን ገሊጾም።
ኣብታ ከተማ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ማእከል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ በዓል ሓሙሽተ ደርቢ ዝዓነወ ህንጻ ሰባት ንምድሓን ጻዕርታት ይገብሩ ምንባሮም ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ክሬምሊን ዲመትሪ ፔስኮቭ፡ ሩስያ ዝዀነ ብሓይልታት ዩክረይን ዝተመንዝዐ ግዝኣት ክትመልሶ እያ ኢሉ።
"ኣብዚ ዝዀነ ምድንጋር የለን፤ ንዘልኣለም ምስ ሩስያ እየን ክዀና፤ ክምለሳ እየን"።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ምክልኻል ዱማ ኣንድሬይ ካርቶፖሎቭ ግን፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ የጋጥማ ብዛዕባ ዘሎ፡ ምሕሳው ጠጠው ከተበል ኣለዋ ይብል።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ፑቲን 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት እታ ሃገር ክኸትት ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ሩስያ ዕቑር ሰራዊታ ንምኽታት ትሰርሕ እያ ዘላ።
እዚ፡ ብዙሓት ዜጋታት ዝተቓወሙዎ ኰይኖም፡ መንግስቲ ኣብ ዝርዝር እቶም ዝኸቱ ሰባት ዝምልከት ምምሕያሽ ገይሩ'ዩ። በዚ መሰረት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዝርከቡ ተመሃሮን ተመረቕቲ ተመሃሮ ሳይንስን ካብቲ ዝርዝር ክወጽኡ ገይሩ።