እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክሳብ 18 ዓመቱ ምንባብን ምጽሓፍን ምኽኣል ዝሰኣነ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ጸሊም ፕሮፌሰር
ያሶን ኣርደ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መበል 37 ዓመት ዕድመኡ፡ ኣብ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ዝነኣሰ ጸሊም ፕሮፌሰር ንምዃን በቒዑ ኣሎ።
ንሱ ኣብ እዋን ቍልዕነቱ እዩ ‘ኦቲስቲክ’ ምዃኑ ተረጋጊጹ።
ያሶን፡ ክሳብ ወዲ 11 ዓመት ዝኸውን ክዛረብ ኣይከኣለን ነይሩ፤ ክሳብ 18 ዓመት ዝመልእ ከኣ ከንብብ ይዅን ክጽሕፍ ምኽኣል ስኢኑ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ብቘልዓኡ እንከሎ ክዛረብ፣ ሕቶታት ዘብዝሕ ዓይነት ቈልዓ እዩ ዝነበረ።
“ስለምንታይ እዩ ሰባት ገዛ ዘይህልዎም፣ ስለምንታይ ከ እዩ ኲናት ዝለዓል?" ኢሉ ይሓትት ምንባሩ ይዝክር።
እቲ ክላፋም ኣብ ዝተባህለ ገዛውቲ ለንደን ዝተወልደን ዝዓበየን ተመራማሪ ስነ-ሕብረተሰብ ያሶን፡ ክልተ ፍጻመታት ማለት፣ ምፍታሕ ኔልሰን ማንዴላ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ፡ ከምኡ’ውን፡ ዓወት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዋንጫ ዓለም ራግቢ 1995 ንናይ ሎሚ ስብእናኡ ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበሩ ይዛረብ።
“ሕልመይ ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ወይ ፑል [ቢልያርዶ] ክኸውን እዩ ነይሩ፤ እዚ እንተዘይኰይኑ ድማ ንዓለም ከድሕና ትምኒት ነይሩኒ፡” ይብል።
ኣደኡ፡ ርእሰ ተኣማንነቱ ንምህናጽን ክእለቱ ንምምዕባልን ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምንባራ ይንገረላ።
ካብ ቍልዕነቱ፡ ቋንቋ ብዝበለጸ ምእንቲ ክርድኦ ሙዚቃ ምሂራቶ እያ።
ያሶን፡ ምንባብን ምጽሓፍን ዝጀመረ፡ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ’ታት ዕድመ ንእስነቱ [ኣብ 18-19 ኣቢሉ]፡ ብሓገዝ ዓርኩ ሳንድሮ ሳንድሪ እዩ።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ሳሪ ኣቕኒዑ ድማ፡ ፊዚካል ኤጁኬሽን ከምኡ’ውን ስነፍልጠት ትምህርቲ ኣጽኒዑ።
ክላፋም፡ ምስ ካልኦት ከባቢታት ለንደን ክነጻጸር እንከሎ፡ ትሑት ደረጃ ናብራ ዘለዎም ሰባት ዝነብርዎ ከባቢ እዩ።
ያሶን ኣርደ፡ ትምህርቱ ምስ ወድአ ከም መምህር ስራሕ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ጸለምቲ ነበርቲ እታ ከተማ ብኸመይ ብዝተራቐቐ ሜላ ፍትሒ ከምዝንፈጐም ክዕዘብ ጀሚሩ።
ያሶን፡ ገና ወዲ 22 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ፡ ንዓርኩ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ትምህርቱ ክቕጽል ዝነበሮ ድሌት ይውከሶ ነይሩ።
“ሳንድሮ ‘ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ እንታይ ጸገም ኣለዎ፤ ዓለም ክንመልካ ንኽእል ኢና' ክብል ይዝከረኒ።" ብምባል ንምትብባዕ ዓርኩ ይገልጽ።
“ብዛዕባኡ ብዕምቈት ክሓስብ ምስ ጀመርኩ ድማ እየ ኣብ ነብሰይ ምሉእ ብምሉእ ክተኣማመን ጀሚረ። ብዙሓት ምሁራን ዝሓለፍዎ መገዲን ዝበጽሕዎ ደረጃን እሰምዕ ነይረ፤ ሕልመይ ከኣ ናብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ገይረ ቃንየዮ።”
እቲ መገዲ ግን ቀሊል ኣይነበረን፤ ብቐንዱ ከመይ ጌርካ ነዚ ሕልምኻ ተተግብር ኣፍልጦ ስለዘይነበረኒ እዩ፡ ይብል ያሶን።
መዓልታዊ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ትምህርቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ይምህር፤ ድሕሪ ቐትርን ምሸትን ከኣ ስነ-ሕብረተሰብ ኣጽኒዑ ኣካዳሚያዊ ጽሑፋት የዳሉ።
“ክጅምር እንከለኹ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈለጥን እየ ነይረ፤ ዝምህረኒ ወይ ዘርእየኒ ሰብ ኣይነበረን።”
ብዙሓት ካብ መጽናዕታዊ ጽሑፋቱ ተቐባልነት ኣይረኸቡን። እዚ ግን ዝዓግቶ ዕንቅፋት ኣይነበረን።
ያሶን ኣርደ ከይተሓለለ ጽዒሩ ድማ ክልተ ማስተርስ ዲግሪን ዶክትሬይትን ረኺቡ።
ተመራማሪ ስነ-ሕብረተሰብ ካብ ዝኸውን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ በቲ ዓውዲ ፕሮፌሰር ክኸውን እዩ።
መዓርግ ፕሮፌሰርነት ዝሓዙ፡ ሓሙሽተ ጸለምቲ መምህራን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ኣለዉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ሓበሬታ ትምህርቲ፡ ኣብ 2021 ኣብ ብሪጣንያ ካብ ዝርከቡ 23 ሽሕ መምህራን ዩኒቨርሲቲ፡ እቶም 155 ጥራይ ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለዎም እዮም።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ፕሮፌሰርነት ብወግዒ ዝቕበል ያሶን ኣርደ፡ ውክልና ጸለምቲ ንምስፋሕ ክሰርሕ ምዃኑ ይዛረብ።
"ዓቢ ትዅረተይ ትምህርቲ ዲሞክራስያዊ ንምግባርን ነቶም ኣጸጋሚ ኵነታት ሰጊሮም ዝመጹ ሰባት ዕድል ምኽፋትን'ዩ።"
ኣርደ ኣብ 2018 ናይ መጀመርታ መጽናዕታዊ ጽሑፉ ዘሕተመ ኰይኑ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ብምኻድ ከም ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኰይኑ ከገልግል ጸኒሑ።
ኣብ 2021 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስጐ - ስኮትላንድ፡ ፕሮፌሰር ስነ-ሕብረተሰብ ኰይኑ ሓደ ካብቶም ዝነኣሱ ፕሮፌሰራት ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን በቒዑ ነይሩ።