ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝተኣጓጎሉ 'ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ ዕቑባ’ ፈቒዳ

Published

ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ፡ ኣብ ኣሜሪካ ቅድሚ 20 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ንግዚኡ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ፈቒዱ።

እዚ ኣሰራርሓ እዚ: ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይክእሉ ኣብ ግምት ብምእታው ን18 ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካ ክፀንሑ ዘኽእሎም እዩ።

'ግዝያዊ ዕቑብ ኩነታት' ወይ ‘Temporary Protected Status’: ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡን ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ንሓደጋ ክቃልዑ ንዝኽእሉን ዝወሃብ መሰል እዩ።

ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ፡ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ፡ "ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ትረርደኦ እያ" ይብል።

"ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዘላ ሃገር ስለዝኾነት ግዝያዊ ሓለዋ ንዘድልዮም ዕቀባ ክንህብ ኢና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡን ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ፣ ጎንጺ፣ ውሕጅ፣ ድርቂ፣ ምምዝባልን ወይ ሰብኣዊ ቅልውላውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይኽእሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑን ክሰርሑን ይኽእሉ እዮም" ክብል ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ሓንቲ ሃገር ወተሃደራዊ ግጭት፡ ተፈጥሮኣዊ ቅልውላው ወይ ካልእ ግዝያዊ ስግኣት ምስ ዘጋጥማ ግዝያዊ ጻንሒት ትፈቅድ’ያ።

እቲ ብሚኒስትሪ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ እቲ ኲናትን ግዝያዊ ስግኣትን ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከምዝተፈቕደሎም የመልክት።

"እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት፡ ኢትዮፕያውያንን ካብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ግን ዜግነት ዘይብሎም ሰባትን፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይምለሱ የገድዶም'ዩ" ይብል እቲ መግለፂ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ንጹሃት ዜጋታት ንጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ዓሌታዊ ጭውያ፡ ስቅያት፡ ከምኡ’ውን ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ንቕትለትን ዓመጽን ከም ዝተቃልዑ የብርህ።

"ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእልሉ ምኽንያታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ ድርቂ፡ ሰፊሕ ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ሕማማትን የጠቓልል" ክብል ቤት ጽሕፈት ጸጥታ የብርህ።

ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያውያን እዚ መሰል ክትፈቅድ ንመጀመርታ ግዜ እዩ።

እቲ ፍቓድ፡ ቅድሚ 20 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉን ኣብኡ ዝነጸንሑን ሰባት ዝምልከት እዩ።

ድሕሪ እዚ ዕለት’ዚ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ግን ኣብቲ ፍቓድ ከምዘይካተቱ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ’ሎ።

ኢትዮጵያውያን ነዚ ፍቓድ ክረኽቡ ብቑዓት ኮይኖም እንተተረኺቦም ናይ ፀጥታን ድሕረ ባይታ ምርመራን ሓሊፎም ኣብቲ ፍቓድ ክካተቱ እዮም፣ እዚ ድማ ን18 ኣዋርሕ ዝፀንሕ እዩ።

ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ድልውነቶም ገሊጾም’ዮም።

እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናጸንከረን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት እናወሰኸን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዘሎ።

ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ቅትለትን ከምኡ’ውን ጥሜት ከም ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ምጥቃምን ከምዝተፈጸመ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽእዎ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ኲናት ሰፊሕ ቅልውላው ኣስዒቡ’ዩ። ብሰንኩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖምን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን’ዮም።

እቲ ኲናት እናተባለሐ መስ ከደ፡ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ብሰንኪ መንነቶም ንሃበ-ተረኽበ መጥቃዕትን ማእሰርትን ምቅለዖም፡ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይሕብር።