እስራኤል-ቓዛ፡ ኣመሪካ ተዅሲ ደው ክብል ንዝቐረበ እማመ ምቅዋማ ቻይና ነቒፋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ንዝቐረበ እማመ ኣመሪካ ምኽልካላ፡ ቻይና ብብርቱዕ ነቒፋ።
እቲ ተግባር “ግጉይ መልእኽቲ” ከምዘሕለፈ ዝገለጸት ቻይና “ነቲ ዝቐጸለ ጨፍጫፍ ፍቓድ ዝሃበ” ክትብል ተቓዊማቶ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ እቲ ብኣልጀርያ ዝቐረበ እማመ፡ ኲናት ደው ንምባል ንዝግበር ዘተ፡ “ኣብ ሓደጋ ዘእቱ” ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ ብግደኣ እስራኤል ንከተማ ራፋሕ ከይትወርር ዘጠንቅቕን ግዝያዊ ደው ምባል ተዅሲ ክግበር ዝጠልብን ናይ ባዕላ እማመ ኣቕሪባ።
ኣብ ቓዛ ኲናት ኣብ ዝቐጸለሉ ኣመሪካ ነቲ ኣልጀርያ ዘቕረበቶ እማመ ብድምጺ ምኽልካላ ሰፊሕ ተቓውሞ ኣስዒቡላ ኣሎ። እቲ እማመ ካብ 15 ኣባል ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ናይ 13 ድጋፍ ክረክብ እንከሎ ብሪጣንያ ድምጻ ዓቂባ።
ኣመሪካ ነቲ እማም፡ ዘለዋ መሰል ቀውፊ [ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰል - ቬቶ] ተጠቒማ ድሕሪ ምስዓራ፡ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዛንግ ጁን “እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ቅልጡፍ ደው ምባል ተዅሲ ክግበር ዝቐረበ እማመ ምትራፍ፡ ነቲ ዝቐጸለ ጨፍጫፍ ፍቓድ ካብ ምሃብ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኰነን" ኢሉ።
“ምግፋሕ ናይቲ ጐንጺ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ይርብሽን ሰፊሕ ኲናት ክለዓል ሓደጋ ይፈጥርን ኣሎ” ክብል እውን ወሲኹ።
ላዕለዋይ ኣልጀርያዊ ዲፕሎማት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ሕቡራት ሃገራት ሕጂ እውን ፍታሕ ምርካብ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ፡ “ሕልናኹም ገምግምዎ፡ ታሪኽ ከመይ እዩ ክፈርደኩም?” ክብል ተሰሚዑ።
ተግባር ኣመሪካ ካብ ደገፍታ እውን እዩ ተቓውሞ ኣስዒቡ። ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ “እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓደገኛ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው” እቲ እማመ ዘይምጽዳቝ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ግን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዘተ ኣብ ዝቐጸለሉ ንቕልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ምጽዋዕ እዋኑ ኣይኰነን ኢላ።
ዓባይ ብሪጣን ብተመሳሳሊ እቲ እማመ ነቲ ዘተ ኣብ ሓደጋ ከውድቘ ከምዝኽእል ጠቒሳ።
ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ብምቕታል ልዕሊ 240 ሰባት ጅሆ ሒዙ ድሕሪ ምውሳዱ እስራኤል ስጕምቲ ምፍዳይ-ሕነ ጀሚራ።
ብሓማስ ዝምራሕ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ከምዝሕብሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል ዛጊት ንሞት 29 ሽሕ ፍልስጤማውያን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ኣመሪካ ዘቕረበቶ እማመ ብቕልጡፍ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ንምባል ኵሎም ጅሆ ዝተትሓዙ ክፍትሑ፣ ዕንቅፋታት ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክለዓሉን ዝጠልብ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ከተማ ራፋሕ ዝካየድ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ጉድኣትን ተወሳኺ ምፍንቓልን ዘስዕብ ከምዝዀነ እውን ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ግን ዝሓሰቦ ንምፍጻም ዝኾነ ጸቕጢ ደው ከምዘየብሎ ብምግላጽ መጥቃዕቲ ራፋሕ ዘይተርፍ ከምዝዀነ ብሰሉስ ገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
