ኢትዮጵያ፡ ተዓዋቲ ክልተ ትኬታት ሎተሪ ሓድሽ ዓመት ብዘይምቕራቡ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, SM
ሓድሕደን ኣርባዕተ ሚልየን ናይ ዘርክባ ትኬታት ሎተሪ ተዓወትቲ ብዘይምቕራቦም ሽልማት ሸሞንተ ሚልዮን ብር ትማሊ 29 ለካቲት 2016 ኣግ ተመላሲ ከምዝገበረ ምምሕዳር ብሄራዊ ሎተሪ ኣፍሊጡ፡፡
እተን ክልተ ዕጫታት ካብቶም ብሄራዊ ሎተሪ ዘሐትሞም ዝለዓለ ሽልማት 20 ሚልዮን ዘለዎ ሎተሪ ሓድሽ ዓመት (እንቁጣጣሽ ሎተሪ) ከምዝኾና ዳይረክተር ኮምኒኬሽን ብሄራዊ ሎተሪ ኣቶ ቴድሮስ ንዋይ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
ብሎተሪ ሓድሽ ዓመት ካብ ዝቐረቡ ሓሙሽተ ትኬታት ናይተን ሰለስተ ቀሪቦም 12 ሚልየን ብር ዝወሰዱ ኮይኖም ናይተን ዝተረፉ ክልተ ትኬታት ግን ተዓወትቲ ብዘይምቕራቦም እቲ ገንዘብ ናብቲ ትካል ኣታዊ ተገይሩ፡፡
ተዓዋቲ ክልተ ትኬታት ናይቲ ብ 5 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም ዝወጸ ሎተሪ ሓድሽ ዓመት፡ ብናይ ጉልበት ስራሕ ዝመሓደር ውልቀ ሰብ ኮይኑ፡ እቲ ዕጫ ምስወጽአ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ገንዘቡ ወሲዱ፡፡
እቲ ካልእ ተዓዋቲ ድማ ኣብቲ እቲ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛ ዝሰርሐሉ ትካል ብመኪና ምዝዋር ዝመሓደር ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም መጺኡ ናይ 4 ሚልዮን ሽልማቱ ወሲዱ፡፡
ኣብ 2010 ዓ/ም ኣብ ዝወጸ 20 ሚልዮን ዘሸልም ሎተሪ ሓድሽ ዓመት ብተመሳሳሊ ሸሞንተ ሚልዮን ብር ዘርክቡ ክልተ ዕጫታት ዝገዝኡ ተዓወትቲ ኣይቀረቡን፡፡
ኣብቲ እዋን ተዓወትቲ ከምዘይተረኸቡ ዝገልጽ መልእኽቲ ብቴሌቪዥን ምስተሓላለፈ፡ ክዕጾ ሓሙሽተ መዓልቲ እንትተርፎ ሓደ ውልቀ ሰብ ሰለስተ ትኬታት ሒዙ ብምቕራብ 12 ሚልዮን ብር ከምዝወሰደ እውን ኣቶ ቴድሮስ ይዝክር፡፡
ተዓወትቲ መጺኦም ገንዘቦም ዘይወሰዱ ምትራፍ ልሙድ ተርእዮ ከምዝኾነ ዝገልጽ ዳይሬክተር ኮምኒኬሽን ምምሕዳር ሃገራዊ ሎተሪ፡ እቲ ገንዘብ ናብቲ ትካል ተመላሲ ከምዝግበር ገሊጹ፡፡
‘‘እቲ ሕብረተሰብ ሎተሪ ናይ ምግዛእ ልዑል ድልየት ኣለዎ፡፡ ብእኡ ልክዕ ውጽኢት ዘይርእዩ ዓማዊል ብዙሓተ ኣለዉ፡፡’’
እዚ ኩነታት ኣብ ኩሎም ዓይነታት ሎተሪ ከምዘጋጥም ኣቶ ቴድሮስ ንዋይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
