ኣመሪካ፡ ተዓዋቲ ቍጽሪ ዝሓዘት ጃክፖት ሎተሪ ብ 1.08 ቢልዮን ዶላር ተሸይጣ

ትኬት ሎተሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

Published

ኣብ ኣመሪካ ብረቡዕ ለይቲ ኣብ ዝወደቐ ሎተሪ ፓወርቦል ጃክፖት፡ ሓንቲ ዕድለኛ ሎተሪ ብ 1.08 ቢልዮን ዶላር (837 ሚልዮን ፓውንድ ) ተሸይጣ።

ጃክፖት ሎተሪ፡ ዕጫ ክሳብ ዝወድቕ መጠን ሽልመት እናወሰኸ ዝኸይድ ዓይነት ሎተሪ እዩ።

እታ ዕደለኛ ቍጽርታት ዝሓዘት ትኬት፡ ላስ ፓልታሚስ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ሎስ ኣንጀለስ እትርከብ ንእሽቶ ድኳን እያ ተሸይጣ።

ፖወርቦል ከምዝሕብሮ፡ ጃክፖት ናይ ምዕዋት መጠን ሓደ ኣብ 292.2 ሚልዮን እዩ።

ነታ ዕድለኛ ትኬት ዝገዝአ ውልቀ ሰብ ተረኺቡ እንተዀይኑ ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር የለን፤ ዋናኣ እንተዘይተረኺቡ፡ ዋናታቶም ዘይተረኸቡ ትኬታት ናብ ዝወድቁሉ ካልእ ዕትሮ ክትኣቱ እያ።

ነዚ ዕጫ ዝተዓወቱ ሰባት ክልተ ኣማራጺታት ኣለዎም፡፡ ምሉእ 1.08 ቢልዮን ዶላር በብዓመቱ እናተቘራረጸ ኣብ ሰለሳ ዓመት ይወስድዎ፤ ወይ ድማ መጠኑ ዝወሓደ ገንዘብ ጠቕሊሎም ይወስዱ።

ዳርጋ ኵሎም ተዓወትቲ ግን፡ እቲ ብዘይ ቀረጽ ኣስታት 558 ሚልዮን ዶላር መጠን ጠቕሊልካ ዝውሰድ ኣማራጺ እዮም ዝሓርዩ።

ናቦር ሀሬራ፡ ዋና ናይታ ዕድለኛ ትኬት ዝተሸጠትላ ላስ ፓልታስ ዝተባህለት ድኳን እዩ።

ንሱ፡ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ኣፍደገ ስርሑ ጋዜጠኛታት ተኣኪቦም እንቋዕ ደስ በለካ ክሳብ ዝብልዎ እታ ዕድለኛ ትኬት ኣብ ድኳኑ ከምዝተሸጠት ኣይፈለጠን ነይሩ።

ነታ ዕድለኛ ትኬት ዝሸጠ ሰብ እውን 1 ሚልዮን ዶላር (778000ፓውንድ) ይሽለም፡፡ ኣቶ ሀሬራ ነቲ ዕድል ፈጣሪኡ ብምምስጋን እቲ ገንዘብ ኣብ ስርሑ ከውፍሮ ከምዝደሊ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኣካያዲ እቲ ሎተሪ ፓወርቦል፡ እቲ ዕጫ ዝወጽኣሉ እዋን ብምንውሑ፡ ዋጋ ናይታ ሎተሪ ካብቲ ዝተገመተሉ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንላዕሊ ከውጽእ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ናይ 31 ዓመታት ታሪኽ እቲ ትካል፡ ዋጋ ጃክፖት 1 ቢልዮን ክበጽሕ እዚ ንሳልሳይ እዋን ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።

ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ ፖወርቦልን መወዳድርቱ ሜጋ ሚልዮንስን ዝተዓወተ ሰብ ኣይነበረ። ኣብዚ ሰሙን መጠን ዋጋ ዕድለኛ ትኬት ክልቲኦም ትካላት ኣዐርዩ ወሲኹ ተራእዩ።

720 ሚልን ዶላር ሽልማት ዝሓዘ ሎተሪ ሜጋ ሚልዮንስ ሎሚ ዓርቢ ክወድቕ እዩ።

ኣብ ፓወርቦል ጃክፖት፡ ንመወዳእታ ግዜ ዕድለኛ ዝተዓወተ ዝሓለፈ 19 ሚያዝያ ኰይኑ 253 ሚልዮን ዶላር ወሲዱ።

ፓወርቦል ኣብዚ እዋን ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ጃክፖት ብምቕራብ ክብረ ወሰን ዓለም ሒዙ ኣሎ።

ነባራይ ካሊፎርንያ ዝዀነ ኢድዊን ካሰትሮ ኣብ ሕዳር ናይ 2.05 ቢልዮን ዶላር ሎተሪ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ዓለም ሒዙ።

ኣብ ግንቦት ካልእ ነባራይ ካሊፎርንያ እታ ዕድኛ ትኬት ካብኡ ከምዝተሰረቐት ከሲሱ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ትካል ግን ሓቀኛ ተዓዋቲ ኣቶ ካስትሮ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።