መልሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ ህዩማን ራይትስ ዎች

ሎጎ

ምንጪ ስእሊ, GOV'T COMM

Published

ኣብ ቀረባ እዋን ዓለምለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ንምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ዘውጽኦ ጸብጻብ ብእኹል መርትዖ ዘይተደገፈ ስለዝዀነ ዘየተኣማምን'ዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ 6 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ዘውጽኦ ጸብጻብ “ዘይእመን” እዩ ኢሉ።

ወሲኹ’ውን እቲ ጸብጻብ "ግቡእ መርመራ ዘይተገብረሉን ብእኹል መርትዖታት ዘይተደገፈን” ምዃኑ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዓሌታዊ ምጽጻይ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓይልታት ኣምሓራ ምስ ምምሕዳር ከባቢ ብምትሕብባር፡ ንተወለድቲ ትግራይ ብሓይሊ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጹ የገድድዎም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ዘካየዶ መፅናዕቲ፡ ቅድሚ ሕዚ እውን ብተመሳሳሊ ተግባር ተሓተትቲ ዝነበሩ ውልቀሰባት ብምጥቃስ እዞም ውልቀሰባት ሕዚ እውን ካብ ሕጊ ወፃኢ ሰባት ኣብ ምእሳር፡ ኣብ ምስቓይን ተወለድቲ ትግራይ ብሓይሊ ኣብ ምስጓግን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ይኹን'ምበር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ጸብጻብ "ዝተዛበዐን ህሉው ኩነታት እቲ ከባቢ ዘይገልጽን'ዩ" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ።

ብተወሳኺ "ናይቶም ንዘመናት ብሓባር ዝጸንሑ ሰባት ሓባራዊ ናብራ ዘዳኽም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ግርጭት ዘበግስን ኣብቲ ሃገርና እትገብሮ ዘላ መስርሕ ዕርቅን ምምኽኻርን ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕድርን ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ" ክብል ነቲ ጸብጻብ ነቒፍዎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ተፈጺሞም ዝተባሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንኸጻርዩ መንግስቲ ቅድመ ኩነት ከም ዘመቻቸወ እውን ብምሕባር ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ከም ዘይጻወር እቲ መገለጺ ኣፍሊጡ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ካብ መስከረም 2022 ክሳዕ ሚያዝያ 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ግዳያትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ዝርከብዎም 35 ሰባት ብቴሌፎን ድሕሪ ምዝርራብ እዩ ነቲ ጸብጻብ ኣውጺኡ።

ብቴሌፎን ዘዘራረቦም ሰባት፡ ሓይልታት ኣምሓራን ምምሕዳር እቲ ከባቢን ኣብ ከተማታት ሑመራ፡ ራዊያንን ኣዳባይን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝተኣሰሩን ድሓር ድማ ካብቲ ከባቢ ብሓይሊ ክወጹ ከም ዝተገብሩን ይገልጹ።

ሰባት ኣብ ዘይወግዓዊ ቦታታት ከይተረፈ እኹል መግብን መድሃኒትን ኣብ ዘይብሉ ከም ዝተኣስሩ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ግዳያትን ይሕብሩ።

ፈለማ እቲ ውግእ ኣብ ዝተወለዓሉ እዋናትብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምኡ'ውን ናብ ማእከል ትግራይ ክዕቆቡ ከምዝተገደዱ ይዝከር።

ክሳብ ሕጂ'ውን፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን ኣብ ከተማታታት ትግራይ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ኮይኖም ናብ መረበቶም ዝምለስሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ኣብ ምጽባይ ይርከቡ።