ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ

Published

ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ከተማ ዲኒፕሮ ኣብ መንበሪ ገዛውትን ህንጻ ኣገልግሎት ጸጥታን ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ክልተ ቈልዑ ዝርከብዎም 9 ሰባት ከምዝተጐድኡ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ላዕለዋይ ክፋል ሓደ መንበሪ ህንጻ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነወ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘሎ ኣባል ቢቢሲ ተረጋጊጹ።

ብዘይካ'ዚ ህንጻ ጸጥታ ዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተሃስየ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብምግላጽ "ኣሸበርቲ" ንዝበሎም ሚሳይላት ሩስያ ከሲሱ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ እቲ መጥቃ'ዕቲ ዝተክኽ ህንጻታትን ሓዊ ዝቃጸል ጐደናታትን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ቴሌግራም ጠቒዑ።

ዘለንስንኪ፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣድሂቡ ምስ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ውሽጢ ሃገር፡ ጸጥታን ድሕነትን ከምኡ’ውን ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣኼባ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ካብቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ወዲ 14ን 17ን ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ከምዝርከብዎምን ኣብ ቤቶም እንከለዉ ግዳይ መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዝዀኑን ሓላፊ ጸጥታ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።

እዚ ይዅን ግን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዛጊት ዘጋጠመ ሞት ከምዘየለ እቲ ሓላፊ ኣረጋጊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ንሳልሳይ ግዜ ዝተፈጸመን ኣብ ህንጻ ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ዕላማ ዝገበረን ከምዝዀነ ከንቲባ ከተማ ዲኒፕሮ ቦሪስ ፊላቶቭ ሓቢሩ።

እዚ መጥቃዕቲ ሩስያ፡ ሚሳይላት ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዞባ ሮስቶቭ መጥቃዕቲ ፈጺመ ዝብል ሓበሬታ ድሕሪ ምሃባ ዝተኸሰተ’ዩ።

ሩስያ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 15 ዜጋታታ ከምዝተጐድኡ ገሊጻ ነይራ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ፈለማይ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዩክረይን ኣብታ 250 ሽሕ ሰባት ዝነብሩላ ከተማ ኣብ መንበሪ ትሕተ ቅርጺ ዘነጻጸረ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ። እቲ ካልኣይ ሚሳይል ግን ኣብ ከተማ ኣዞቭ ሰብ ብብዝሒ ኣብ ዘይነብረሉ ከባቢ ተወቒዑ ከምዝወደቐ ኣብሪሁ።