ቅድሚ 3000 ዓመት ሰባት መዐወኒ እጻት ይጥቀሙ ነይሮም- መጽናዕቲ

ምንጪ ስእሊ, P WITTE
ኣብ ስፐይን ቅድሚ 3000 ዓመት ሰባት መዐወኒ እጻት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ሓድሽ መጽናዕቲ ገሊጹ።
ኣብ ሓደ መካነ መቓብር መኖረካ ዝተረኸበ ጸጉሪ፡ ኣብ ጥንታዊ ስልጣነ ሰባት ካብ ኣትክልትን ቆጥቋጥን ዝርከቡ መዐወኒ እጻት ይጥቀሙ ምንባሮም ከምዘመላኽት ተመራመርቲ ሓቢሮም።
እቲ ርኽበት ጥንታውያን ሰባት መዐወኒ እጻት ይጥቀሙ ምንባሮም ዝሕብር ኣብ ኣውሮጳ ዝተረኸበ ቀጥታዊ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ መረዳእታ ከምዝኾነ ይእመን።
እቶም እጻት ነቶም ተጠቀምቲ ምሒር ታሕጓስን ዓጀውጀውን ይፈጥሩሎም ምንባሮም እዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ።
እቲ ኣብ መጽሄት ዘ ጆርናል ሳይንቲፊክ ሪፖርትስ ዝተሓተመ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ እዋን ሰባት ዝተወሰኑ ንጥፈታት የካይዱ ከምዝነበሩ እቶም ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ መኖርካ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ዝተረኸቡ መረዳእታታት ከምዘመላኽቱ የረድእ።
ኣብቲ በዓቲ ልዕሊ 200 መቓብራት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ክሳብ 800 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ን 600 ዓመታት ሃይማኖታዊ ጽንብልን ቀብርን ዝፍጸመሉ ቦታ ከምዝነበረ ይእመን።
እቶም ሰባት ኣብቶም ጽምብላት ከበድቲ እጻት ይጥቀሙ ነይሮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዝግምቱ ተመራመርቲ፡ ነቶም ዝወስድዎም እጻት መቆጻጸሪ ይኸውን ኢሎም ዝሓስብዎም ካልኦት መድሓኒታት እውን ነይሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።
ኣብ ናይ ሰባት ጸጉሪ ተለኽዮም ዝተረኸቡ ንጥረ ነገራት፡ ዓጀውጀው ዘብል ስምዒት ዝፈጥሩ ኣትሮፒንን ስኮፖላሚንን ከምኡ ድማ ጉልበትን ንቕሓትን ዝህብ ኢፈድሪን ዝተባህሉ ከምዝኾኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለየ ንድፊ ዘለዎም መትሓዚታት ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ገለ ተመራመርቲ ነቲ ብጸቕጢ እጻት ዝተለወጠ ኲነት ኣእምሮ ናይቶም ሰባት ዝውክል ክኸውን ከምዝኽእል ምግላጾም እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል ኣብ ኣውሮጳ ዝተረኸቡ መረዳእታታት ጥንታዊ ኣጠቓቕማ እጻት፡ ቀጥታዊ ዘይኮኑስ ኣብ ስእልታት ካብ ዝረኸቡ ምስልታት ኣትክልቲ እጻት ዝብገሱ ግምታት እዮም ነይሮም።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
