ልዮነል መሲ ብደገፍቲ ጋንታኡ ተሸዲዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልዮነል መሲ ብዘይፍቓድ ጋንታኡ ናብ ስዑድ ዓረብ መገሻ ኣካይድካ ተባሂሉ ተቐጺዑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ትማሊ ጋንታኡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን [ፒኤስጂ] ምስ ኣጃኮ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ናብ ሜዳ ድሕሪ ምውራዱ ብደገፍቲ ጋንታኡ ተሸዲዱ (ተዳሂሉ)።
ፒኤስጂ ንመጋጥምታ ሓሙሽተ ንዜሮ ኣብ ዝረተዓትሉ፡ ርዩዝ ኣብ መበል 22 ፡ ሓኪሚ ኣብ መበል 33፡ ምባፐ ኣብ መበል 47 ከምኡ ከኣ 54 ደቒቕ ከመዝግቡ እንከለዉ፡ ዮስፍ ኣብ መበል 73 ደቒቕ ኣብ ገዛእ ልዳቱ ብዘመዝገባ ሸቶ ተሓጊዛ’ያ ፒኤስጂ ንመጋጥምታ ብሓሙሽተ ሸቶታት ከተዘቕብባ ክኢላ።
ክልቲኤን ጋንታታት [ ሓኪሚ ካብ ፒኤስጂ፡ ቶማስ ማንጋኒ ካብ ጋንራ ኣጃኮ] ብቐይሕ ስለዝተባረርወን ብዓሰርተ ተጻወትቲ’የ ጸወታ ወዲአን።
ፒኤስጂ ቅድሚ ዕረፍቲ ንጸወታ ምሉእ ንምሉእ ዓብሊላ ክልተ ሽቶ ከተመዝግብ እንከላ እቲ ዝተረፈ ሸቶታት ድሕሪ ዕረፍቲ ዘመዝገበቶ’ዩ።
ኣጃኮ ሓሓሊፋ ፈተነታት’ኳ ተካይድ እንተነበረት፡ መምለሲ እግሪ ዝዀና ሸቶ ከተመዝግብ ኣይክኣለትን።
መሲ ናብ ስዑድ ዓረብ ብዘይፍቓድ ጌሽካ ተባሂሉ ንኽልተ ሰሙን ተቐጺዑ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፡ ትማሊ ምሉእ ጸወታ ክጻወት ክኢሉ።
መሲ ካብ ፒኤስጂ ወጺኡ ናብ ክለባት ስዑድ ዓረብ ክኸይድ’ዩ ዝብል ዘረባ ክናፈስ ከምዝጸንሐ ዝዝከር ኰይኑ፡ ተደገፍቲ ፒኤስጂ በዚ ስለዝተቖጥዑ’ዮም፡ ኣብ ሜዳ ክድህልዎ ተሰሚዖም።
ፒኤስጂ ንሊግ ፈረንሳ ኣብ 35 ጸወታታት 81 ነጥቢ ብምውህላል ትቕልሶ ኣላ፤ ካልኣይቲ ኰይና ትስዕባ ዘላ ክለብ ለንስ ከኣ ብተመሳሳሊ ብዝሒ ጸወታ 75 ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣላ።
ፒኤስጂ መበል 11 ዋንጫ ሊግ ፈረንሳ ንምውሳድ ኣርባዕተ ነጥቢ ጥራይ’ዩ ተሪፍዋ ዘሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
