እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ጸሪፍካ' ተባሂሉ ብማሕነቕቲ ክቕጻዕ ዝተፈርደ ሸኽ
እቲ ንሞት ዝተፈርደ ሸኽ ዓብዱልጀባር ናስር ካባራ ነቲ ዝተበየነሉ ናይ ሞት ፍርዲ ይግባይ ክብል ከምዝኽእል ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካኖ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ፡ ንሓደ ህቡብ እስላማዊ ሸኽ፡ ንነቢይ መሓመድ ብምጽራፉን ኣብ ገሊኡ ስብከቱ [ንህዝቢ] ዘለዓዕል ዘረባ ብምዝውታሩን ብማሕነቕቲ ክቕጻዕ ተፈሪዱ። እቲ ክሱስ ግን ነቲ ክሲ “ኣይወዓልኩዎን” ክብል ክሒድዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸኽ ዓብዱልጀባር ናስር ካባራ፡ ንነቢይ መሓመድ ኣነኣኢሱ ብዝብል ክሲ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዙ ብሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ። ንሱ ግን ሽዑ እውን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣይተቐበሎን።
ናይጀርያውያን ንመስርሕ ነቲ ጕዳይ ብቐረባ ተኸታቲሎምዎ እዮም። ካኖ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ካብ ዝርከባ ሓያሎ ግዝኣታት ኣብ ጐድኒ እቲ ዓለማዊ ሕጊ፡ ሸሪዓ ካብ ዝትግበረለን ሓያለ ግዝኣታት ሓንቲ እያ።
እቲ ወዲ 52 ዓመት ምሁር ወዲ ቓድሪያ ዝተባህለ ቦታ እዩ፤ ኣብ ካኖ ከኣ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣለውዎ።
ኣቦኡ ብ1996 ክሳዕ ዝመውት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መራሒ ናይ ሓደ ፍልይ ዝበለ እምነት እዩ ነይሩ።
ሸኽ ዓብዱልጀባር ኣብቲ ዝተበየነሉ ፍርዲ ናይ ይግባይ መሰል ኣለዎ።
ኣብ ናይጀርያ ብዙሕ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ ኣይወሃብን እዩ። ኣብ ክንዳኡ እቶም ገበነኛታት ተባሂሎም እተኣስሩ ሰባት ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይእሰሩ እዮም።