ኣብ ዕደና ወርቂ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሑዱ 27 ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ፔሩ ብዘጋጠመ ባርዕ ዕደና ወርቂ፡ ብውሑዱ 27 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ሓደጋ፡ ኣብታ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቲ ዝኸፍአ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።

ትካል ያናኩይሻ፡ 175 ሰባት ካብቲ ሓደጋ ከም ዝደሓኑ ሓቢሩ።

እዚ ሓደጋ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣረኪፓ ኣብ ዝርከብ ዕደና መዓድን እዩ ኣጋጢሙ።

ገመድ ኤሌክትሪክ ጠንቂ እቲ ባርዕ ከም ዝዀነ ይግመት።

ሰብመዚ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ዕደና፡ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣስታት 100 ሜትሮ ትሕቲ መሬት ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ገሊጾም።

ማዕክርናት ዜና እታ ሃገር ዘቃልሓኦ ምስልታት፡ ሃልሃልታን ትክን እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ጎቦ የርኢ።

መርበብ ሓበሬታ ኣርፒፒ.ፒኢ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሑ መተሓላለፊ መገድታት ዘይቲ ምጥልቃዮም፡ ነቲ ሓደጋ ከም ዘጋደዶ ኣቃሊሐን።

እቲ ትካል፡ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ቅልጡፍ ምርመራ ይገብር ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

“ኣብዚ ዘሕዝን እዋን፡ ካብዚ ሓደጋ ብሂወት ንዝተረፉን ሂወቶም ንዝሰኣኑን ዓደንትን ኢና ቀዳምነት ንህብ” ክብል ኣፍሊጡ።

ምምሕዳር እቲ ዞባ፡ ነቲ ከባቢ ዝቐረበ ጣብያ ፖሊስ ካብቲ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ 90 ደቓይቕ ስለዝርሕቕ፡ ንህጹጽ ምላሽ ኣተሓላሊኽዎ ኢሉ።

ጋዜጣ ላ ሪፐብሊካ፡ ስድራ ናይቶም ደሃዮም ዝጠፍኡ ግዳያት ብሰንበት ንግሆ ናብቲ ከባቢ ዋላ’ኳ እንተበጽሑ፡ ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ስፍራ ከይኣትዉ ከም ዝተኸልከሉ ኣቃሊሐን።

ፔሩ ካብተን ዝዓበየ ወርቂ ዘፍርያ ሃገራት ኰይና፡ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ቶን ወርቂ ትዕድን።

እዚ ብቀዳም ዘጋጠመ ባርዕ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዓመታት ካብ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ዝሓሰመ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ዕደና እታ ሃገር ግን በብዓመቱ ብዙሓት ሰባት ክሞቱ ሓድሽ ኣይኰነን።