ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 17 ተምሃሮ ሞይቶም

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 17 ተማሃሮ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ኬንያ ናብ ዓርቢ ለይቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 17 ተምሃሮ ከምዝሞቱ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ብኸቢድ ዝቘሰሉ ብዙሓት ተምሃሮ ብምህላዎም፡ ቍጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።

ጠንቂ ናይቲ ኣብ ዞባ ንየርሪ ሂልሳይድ ኢንዳርሻ ኣብ ዝተበሃለ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ይምርመር ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኬንያ ረሲላ ኦንያንጎ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ኣብ በይጂንግ ዋዕላ ምትሕብባር ኣፍሪቃ-ቻይና ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ‘ዘሰንብድ’ ኢሉ ብምግላጽ ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምፍላጥ ቅልጡፍ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መልእኽቱ፡ “እቶም ጠንቂ እዚ ባርዕ ዝዀኑ ነቲ ሓላፍነት ክስከሙ’ዮም” ኢሉ።

እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ቤት ትምህርቲ

ፖሊስ ኬንያ ነቲ ኵነታት ዝምርምሩ ጕጅለ ናብቲ ቦታ ከምዝተሰደዱ ሓቢሩ ኣሎ።

ቀይሕ መስቀል ኬንያ ነቶም ብባርዕ ዝተጐድኡ ተምሃሮ፡ መምሃራንን ስድራቤታትን ስነኣእምሮኣዊ ደገፍ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ባይታ ኣጣጢሑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ኣሕደርቲ ኣብያት ትምህርቲ ባርዕ ከጋጥም እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ 2017፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሞይ ዝተህባለ ቤት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ለይቲ ብዘጋጠመ ባርዕ 10 ተምሃሮ ከምዝሞታ ይዝከር።

ቅድሚ 20 ዓመት’ውን ካብ ናይሮቢ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ዞባ ማቻኮስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 67 ተምሃሮ ብባርዕ ከምዝሞቱ መዛግብቲ የመልክቱ።