ንብሉጽ ሽልማት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሓርየ ኤርትራዊ ዶክተር ጠዓመ መብራህቱ

ዶክተር ጠዓመ መብራህቱ ነቲ ሹመት ከምዘይተጸበዮ ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ጠዓመ መብራህቱ ነቲ ሽመት ከምዘይተጸበዮ ገሊጹ
Published

ስደተኛታት ኣብታ ሓዳስ ሃገሮም ንኽሰፍሩ ዝሕግዝ ጐስጓስ ዘካይድ ትውልደ ኤርትራዊ ዶክተር ጠዓመ መብራህቱ፡ ኣብ ዝርዝር ክብሪ ሓድሽ ዓመት ‘ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር’ (OBE) ኰይኑ ተመዚዙ።

ዶክተር ጠዓመ ንትምህርቲ፡ ስደተኛታትን ማሕበረሰብ ብሪስቶልን ብዝገበሮ ኣገልግሎት’ዩ ኣፍልጦ ረኺቡ።

‘ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር’፡ ነቶም ኣብ ውግእ ዘይብሉ ተራ ዘገልገሉ ንምኽባርን ብ1917 ብንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ ዝተመስረተ እዩ።

ኣብዚ እዋን ግን ተራኡ ኣስፊሑ ኣብ ስነጥበብ፡ ሳይንስ፡ ግብረ ሰናይን ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት ዝወሃብ ሽልማት እዩ። እቲ ሽልማት መዳልያ ግዝኣት እንግሊዝ’ውን የጠቓልል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንኣባላትን ተዓወትቲ ሜዳልያን ናይ ምስጋና ኣገልግሎት ይካየድ። እቲ ስርዓት ዝካየደሉ ‘ሆም ቻፐል’ ድማ ኣብ ውሽጢ ካቴድራል ቅዱስ ጳውሎስ ይርከብ። ኣባላትን ተዓወቲ ሜዳልያን ድማ ንመርዓ፡ ጥምቀትን ስነ-ስርዓት ዝኽሪን ንኽጥቀሙ ክሓቱ ይኽእሉ።

ዶክተር ጠዓመ ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ ኣብ እንግሊዝ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ኣብ ብሪስቶል ፈላማይ ጸሊም ዳኛ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ዶክተር መብራህቱ ነቲ ክብሪ "ብስም እቶም ነቲ ማሕበረሰብ ክመልሱ ዕድል ዝረኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ" ከምዝተቐበሎ ገሊጹ።

እቲ 84 ዓመት ዝዕድመኡ ዶክተር፡ ኣብ ኤርትራ ላዕለዋይ ክኢላ ስርዓትን ኣገባብን ትምህርቲ ምንባሩ ይፍለጥ።

ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል መምህር ኰይኑ ሰሪሑ እዩ።

ዶክተር መብራህቱ፡ ነቲ ‘ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር’ ተባሂሉ ምሻሙ ዝገልጽ ደብዳበ ምስ ኣንበበ "ተገሪሙ" እዩ።

'ትሕት ክብል ገይሩኒ’

"ንዓይ ዝህበኒ ትርጉም፡ ሰብ ምዃነይ ክስምዓኒ'ዩ ገይሩ" ይብል ዶክተር ጠዓመ።

"ምልጋስ ደስ ይብለኒ፡ ምምራሕ ደስ ይብለኒ፡ ንምቕባል ክብል ግን ኣይኰነን፡ ስለዚ እዚ ትሕት ክብል ገይሩኒ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ዶክተር መብራህቱ ንማሕበረሰብ ዝገብሮ ተወፋይነት፡ ነታ ንግዳም ሓደር ዘገልግል ፕሮጀክት መግቢ ዘቘመት በዓልቲ ቤቱ ምሕጋዝ'ውን ዘጠቓለለ እዩ።

ከንቲባ ከተማ ብሪስቶል ማርቪን ሪስ እውን ኣብ ዝርዝር ክብሪ ሓድሽ ዓመት ‘ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር’ ኰይኑ ተመዚዙ ኣሎ።

ንሸሞንተ ዓመታት ከንቲባ እታ ከተማ ኰይኑ ዝጸንሐ ማርቪን፡ ኣብ ግንቦት ብሪስቶል ስርዓት ኮሚቴ ክተተኣታቱ ከላ ሓላፍነቱ ከብቅዕ’ዩ።

ፊል ሃውተን ዘላቒ መግቢ ምግዛእ ቀሊል ክኸውን ምግባር ይደሊ

ምንጪ ስእሊ, PHIL HAUGHTON

መግለጺ ስእሊ, ፊል ሃውተን ዘላቒ መግቢ ምግዛእ ቀሊል ክኸውን ምግባር ይደሊ

‘ቤተር ፉድ’ ወይ ‘ዝሓሸ መግቢ’ ዝብሉ ድኳናትን ካፈታትን ዝመስረተ ፊል ሃውተን፡ ኣብ መግብን ዘላቕነትን ብዝገበሮ ኣገልግሎት ኣባል ‘ኦርደር ኦፍ ዘ ብሪትሽ ኢምፓየር’ ኰይኑ ተመዚዙ እዩ።

"ወዲ 14 ዓመት እንከለኹ ጀሚረ፡ ኵሉ ግዜ ነፍሳዊ ወይ ኦርጋኒክን ስነ-ምግባራውን ክኸውን እጽዕር ነይረ፡ ስለዚ ሓምላይ ምዃን ኣብ ደመይ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።