ኲናት ሱዳን፡ ኣባላት ሰነት ኣመሪካ ናብ ኢማራት ዝግበር ሰደድ ኣጽዋር ክእገድ ጸቕጢ የሐይሉ

ኣባል ሰነት ክሪስ ቫን ሆለን እናተዛረበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ሰነት ክሪስ ቫን ሆለን
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣባላት ሰነት ኣመሪካ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ብጃምላዊ ቅትለት ዝኽሰስ ዘሎ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትህቦ ዘላ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምግታእ፡ ዋሽንግተን ናብታ ሃገር እትሰዶ ኣጽዋር ከም መሳርሒ ጸቕጢ ክትጥቀመሉ ዝጠልብ ረቂቕ ሕጊ ኣቕሪቦም።

እቲ "S. 935" ዝተሰምየ ረቂቕ ሕጊ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ) ትህቦ ዘላ ወተሃደራዊ ደገፍ ብወግዒ ደው ከም ዘበለቶ ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስክርነት ክሳብ ዘየቕረበ፡ ዝዀነ ፍቓድ መሸጣን ሰደድን ኣጽዋር ክእገድ ዝጽውዕ እዩ።

ኣባል ሰነት ክሪስ ቫን ሆለን፡ ኣብ ካፒቶል ሂል ድሕሪ ዝተገብረ ምስጢራዊ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ ነቲ ናብ ኣቡ ዳቢ እትሰዶ ኣጽዋር ደው ብምባል፡ ነታ ሃገር ንዳዕመ-ሰሪዕ ደገፍ ካብ ምሃብ ከተቋርጽ ከተገድዳ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ቫን ሆለንን ካልኦት 20 መሳርሕቶምን ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ "ቃላት ጥራይ እኹል ኣይኰነን፤ ኣመሪካ ተወሳኺ ጃምላዊ ቅትለት ንምክልኻል ኣብ ኢዳ ዘሎ ጽልዋ ክትጥቀም ኣለዋ፡" ኢሎም።

እዚ ጻውዒት'ዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ "ቀታሊ" ተባሂሉ ዝተሰየመ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ኣብ ከተማ ኤል ፋሸር ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 6,000 ሰባት ከም ዝቐተለ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ሕጂ ድማ ኣብ ከተማ ኤል ዑበይድ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከም ዘንጸላለወን ነታ ከተማ ከቢቦማ ዝርከቡ ዕጡቓት ንህይወት 500,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ከም ዘውደቕዎ ይግለጽ ኣሎ።

ሱዳን፡ መድረኽ ዞባዊ ምትእትታው

እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ካብ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ግጭት ሓሊፉ፡ ናብ መድረኽ ዞባዊ ምትእትታውን ናይ ውክልና ኲናትን ተቐይሩ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብኣጽዋርን ፋይናንስን ትድግፍ ኣላ ብዝብል ክትክሰስ ከላ፡ ግብጽን ኢራንን ብኣንጻሩ ነቲ ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ወተሃደራውን ሎጅስቲካውን ደገፍ ከም ዝህባ ተንተንቲ ይገልጹ።

እዚ ናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታውን ዘየቋረጽ ቀረብ ኣጽዋርን፡ ነቲ ኲናት ብዝያዳ ከም ዘጋደዶን ንዝዀነ ዘተ ሰላም ዕንቅፋት ኰይኑ ከም ዘሎን ይእመን።

እዞም ኣባላት ሰነት ኣመሪካ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ረቂቕ ሕጊ ድማ ነዚ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ንምግታእን ናብ ሱዳን ንዝውሕዝ ዘሎ ኣጽዋር ደው ንምባልን ዝዓለመ እዩ።

ስትራተጅያዊ ርክብን ፖለቲካዊ ብድሆታትን

ዋሽንግተን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ቀረብቲ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኰይና፡ ኣቡ ዳቢ ድማ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክስታት ብተደጋጋሚ "መሰረት የብሉን" ብምባል ትነጽጎ እያ።

እታ ሃገር ብኣንጻሩ ንሱዳን ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ከም እትነጥፍ ትገልጽ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ዋሽንግተን ክጸድቕ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ነቲ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ሓንቲ ቀንዲ ስትራተጅያዊት መሻርኽቲ ዝርእያ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ብድሆ ክዀኖ ከም ዝኽእል ይግመት።

እዚ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንኮሚቴ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ተመሪሑ ኣሎ።

እዚ ኰይኑ፡ እቲ ሕጊ ጸዲቑ ናብ ስራሕ ክሰግር፡ ኣብ ሰነትን ባይቶ ወከልትን ዝለዓለ ድጋፍ ክረክብን ፕረዚደንት ክኽትመሉን ይግባእ።